መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቬነዝወላ እንታይ ኢሎም?

 ስእሊ ፕረዚደንት ቬነዝወላ ነበር ነፍስሄር ሁጎ ቻቨስን ፕረዚዘንት ኒኮላስ ማዱሮን ዝሓዙ ደገፍቲ መንግስቲ ንተግኣበር ኣመሪካ እናኰነኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty

መግለጺ ስእሊ, ስእሊ ፕረዚደንት ቬነዝወላ ነበር ነፍስሄር ሁጎ ቻቨስን ፕረዚዘንት ኒኮላስ ማዱሮን ዝሓዙ ደገፍቲ መንግስቲ ንተግኣበር ኣመሪካ እናኰነኑ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መራሕቲ፡ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ቬንዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ሑዛ ናብ ኣመሪካ ምውሳዳ ገለ ንኣመሪካ ክዅንኑ እንከለዉ ገለ ከኣ ንኣመሪካ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።

ትማሊ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ቬንዙዌላ ዝተፈጸመ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ብሓይልታት ኣመሪካ ተታሒዞም ካብታ ሃገር ተወሲዶም ድሮ ኣብ ኒውዮርክ ኣትዮም ኣብ ቀይዲ ኣለዉ።

እዞም ክልተ መጻምድቲ ብኣመሪካ ክሲ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ተመስሪትዎም ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ መልሲ፡ መንግስቱ ንስርዓት ማዱሮ ኢሉ "ጥብ ትብል ንብዓት" ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ጎረባብቲ ቬንዘወላ ዝዀና ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ከምኡ ኸኣ ንነዊሕ እዋን መሓዙት ቬንዝወላ ዝኾና ሩስያን ቻይናን ንተግባር ኣመሪካ ብትሪ ኰኒነነኦ።

ቻይና ኣብ ልዕሊ ልኡላዊት ሃገርን ፕረዚደንታን ሓይሊ ምጥቃም "ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ ብትሪ ኸኣ ንዅንኖ" ኢላ።

ሩስያ ብወገና ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቬነዝወላ ሓይሊ ምጥቓማ ነቒፋታ።

እታ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳያ ኢዱ ከእቱ ምዃና ዝፍክረላ ዘሎ ኢራን ብወገና "ቅሉዕ ምግሃስ ልኡላውላውነት" ብምባል ኣብ ልዕሊ ቬነዝወላ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ወጊዛቶ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ ድሕሪ እቲ ናይ ትማሊ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ቬነዝወላ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ምትሓዝ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማድሮን ብዓልቲ ቤቱን፡ ኣብ ቬንዝወላ ዘተኣማምን ምስግጋር መንግስቲ ክሳብ ዝትከል፡ ኣመሪካ ነታ ሃገር ከተመሓድራ ምዃና'ዩ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ብራዚል ልዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ተግባር ኣመሪካ "ክትቕበሎ ዘይትኽእል መስመር ዝጠሓሰ'ዩ" ድሕሪ ምባል "ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ምጥቃዕ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጋጋት'ዩ፡ ሓደ ስጉምቲ ናብ ዓለምለኻዊ ዘይምርግጋን ጎነጽን" ብምባል ንኣመሪካ ኮኒኑ።

ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ላቲን ኣመሪካ ዝተፈጸመ "መጥቃዕቲ ልኡላውነት" ክብሎ እንከሎ ፕሪዚደንት ኩባ ሙግየል ድያዝ ካነ ብወገኑ ነቲ መጥቃዕቲ "ገበናዊ መጥቃዕቲ" ኢልዎ።

ፕረዚደንት ቺለ ጋብሪኤል ቦሪክ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ "ስክፍታኡን ውግዘቱን" ብምግላጽ "ነታ ሃገር ዝጸሉ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ" ጸዊዑ።

ኡራጋይ ኣብ ዝሃበቶ ወግዓዊ መግለጺ፡ ምዕባለታት "ብኣቓልቦን ብዕቱብ ስክፍታን" ትከታተሎ ከምዘላን "ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ንነጽግ"ኢላ።

ትራምፕ፡ ኩባ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዝሰፍሐ ፖሊሲ ኣመሪካ ክትከውን ከምእትኽእል ብምምልካት፡ ዝፈሸለት ሃገር ኢሉ ገሊጽዋ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ'ውን፡ ኩባ ንምምሕዳር ማዱሮ ዝድግፉ ብቕዓት ብዘይብሎም መራሕቲ እትመሓደር ሓደጋ ምዃና ብምሕባር ኢዱ ናብ ኩባ ኣወጣዊጡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቬነዝወላ ድዮስዳዶ ካቤሎ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መራሕትን ሰራዊትን ሃገሩ ኣሚኑ ክረግእ ጸዊዑ።

እቲ ሚኒስተር ብምስዓብ "ዓለም ብዛዕባ እዚ መጥቃዕቲ" ክትዛረብ'ውን ጸዊዑ።

እቲ ብዶናልድ ትራምፕ ዝበለጸ ፕረዚደንት ተባሂሉ ዝተነኣደ ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ጃቭየር ሚለይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ "ነጻነት ንቅድሚት ትግስግስ ኣላ፡ ነዊሕ ዕምሪ ንናጽነት" ኢሉ ብምጽሓፍ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቬነዝወላ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኡሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝጠሓሰ'ዩ ናብ ዝብል ሓሳብ ክኣቱ ኣይደለየን።

ኬር ስታርመር፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ቢበሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣይኰነነን።

ብሪጣንያ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢዳ ከምዘይሓወሰት ብምሕባር፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከምዘይተዘራረበ ብምግላጽ ምሉእ መረዳእታ ንክህልዎም ሓበሬታታት ይእክቡ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኬር ስታርመር፡ ትማሊ ኣማስይኡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ግን "ንማድሮ ከም ዘይሕጋዊ ፕረዚደንት ኢና ንቆጽሮ፡ ንምውዳቕ ስርዓቱ ኣመልኪትና ከኣ ጥብ ትብል ንብዓት የብልናን" ኢሉ።

"መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ድሌት ህዝቢ ቬንዝወላ ዘንጸባርቕ ሕጋዊ መንግስትን ውሑስን ሰላማውን ምስግጋርን ኣብ እንደልየሉ ዘለና እዋን፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ምስ ኣመሪካ ክዛተየሉ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ ብወገኑ፡ ማዱሮ ሕጋውነት ከምዘይብሉ፡ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ክህሉ ከምዘለዎ፡ መትከላት ዓለምለኻዊ ሕጊ ክኽበሩ ከምዘለዎን ዝብል መርገጺ ናይቲ ውድብ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ምስግጋር ስልጣን "ሰላማዊ፡ ዲሞክራስያዊ፡ ድሌት ህዝቢ ቬነዝወላ ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ኣብ 2024 ንፕረዚደንትንት ዝተወዳደረ ጎንዛለዝ ነቲ ምስግጋር ውሑስ ክገብሮ እምነት ከምዘለዎ'ውን ሓቢሩ።

ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ሕጋውነት ስርሒት ኣመሪካ "ዝተሓላለኸ" ብምዃኑ ብሓፈሻ ኣህጉራዊ ሕጊ ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ብምስዓብ "ኣብ ቬነዝወላ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ክለዓል ክፍቀድ የብሉን" ክብል ኣጠንቂቑ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ " ኣህጉራዊ ሕጋጋት ዘይምኽባሩ ኣዝዩ ዘሻቕል'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ ብቲ ኣመሪካ ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ኣዝዩ ከምዝሰንበደን ገሊጹ።

ኩሎም እቶም ኣብ ቬነዝወላ ዝነጥፉ ዘለዉ ተዋሳእቲ "ንሰብኣዊ መሰላትን ልዕልና ሕግን ምሉእ ብምሉእ ብምኽባር፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዘተ ንምክያድ ድልዋት ክዀኑ" ጸዊዑ።

ኣባል ሰኔት ኣመሪካ ቻክ ሹመር "ንጹር ክገብሮ፡ ማዱሮ ዘይሕጋዊ ውልቀ መላኺ'ዩ፡ እንተኾነ ግን ብዘይ ፍቓድ ኮንግረስ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምጅማር፡ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ነገር ብሸለልትነት ከም ምርኣይ'ዩ ዝቑጸር" ብምባል፡ ነቲ ኣመሪካ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኰኒንዎ።