ዕላማ ትራምፕን ሲኣይኤን - ንለውጢ ስርዓትዶ ሃድን ነጋዶ ዕጸ-ፋርስ?
![ፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ [ጸጋም] ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/2ccd/live/0aed6580-b039-11f0-ba75-093eca1ac29b.png.webp)
ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣመሪካ ኣብ ባሕሪ ካሪብያን ነፈርቲ ውግእ፡ መራኽብ ውግእን፡ ፍሉያት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ፡ ድሮናትን ንስለያ ዘገልግላ ነፈርቲን ኣዋፊራ ትርከብ።
ኣመሪካ ኣብዚ ዞባ ክንድ'ዚ ዝኣክል ዓቕሚ ሰራዊት ከተዋፍር ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርታት ዓመታት እዚ ናይ ፈለማ'ዩ።
እተን ነዊሕ ተጓዒዘን ከጥቅዓ ዝኽእላ ቢ-52 ዝብሃለ ነፈርቲ ውግእ ከይተረፋ ኣብ ገማግም ቨነዝወላ ናይ ልምምድ ደብዳብ ኣካይደን።
ወጥሪ ኣመሪካን ቨነዝወላን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸረረ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ፡ ትራምፕ'ውን ኣባላት ሲኣይኤ ኣብ ቨነዝወላ ክዋፈሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዋላ ድኣ መርትዖን ዝርዝርን ኣይተቕርብ ካብ ቨነዝወላ ተበጊሶም ብጃልባ ናብ ኣመሪካ ዕጸ ፋርስ ከእትዉ ረኺበዮም ዝበለቶም ሓያለ ሰባት ኣብ ባሕሪ እንከለዉ ብደብዳብ ድሮን ቀቲላቶም'ያ።
እቲ ኣመሪካ ዝፈጸመቶ ደብዳብ ካብ ሃገራት እቲ ዞባ ኵነኔ ከስዕበላ እንከሎ፡ ክኢላታት፡ ነቲ ኣመሪካ ዝፈጸመቶ ደብዳብ ሕጋውነቱ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣእትዮሞ ኣለዉ።
ኣመሪካ፡ ነቲ ኵሉ ትገብሮ ዘላ ነጥብታት ኣራኺቦም ናይ መወዳእታ ዕላማኣ ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱራ ካብ ስልጣን ምእላይ ምዃኑ ዝሕብሩ'ውን ኣለዉ።
ዶክተር ክሪስቶፈር ሳባቲኒ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሓደ ካብ ልሉያት ተንተንቲ ኰይኑ "እዚ ብዛዕባ ለውጢ ስርዓት'ዩ፣ ነታ ሃገር ዘይክወሩዋ ይኽእሉ'ዮም ግን ብዙሕ ምልክታት ዝህብ'ዩ" ይብል።
እዚ ምሁር፡ ኣመሪካ ኣብ ባሕሪ ካሪብያን ክንድ'ዚ ዝኣክል ዓቕሚ ሰራዊት ምውፋራ ኣብ ልዕሊ ቨነዝወላ ፍርሒ ብምዝራእ፡ ኣብ ክሊ ማዱሮ ዘለዉ ሰብ ስልጣን ኣንጻሩ ከምዝልዓሉ ንምግባር'ዩ ይብል።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ብሳተላይት፡ ማሕበራዊ ሚድያን ካልእን ተሓጊዙ መራኽብ ውግእን ነፈርቲ ውግእን ኣመሪካ ኣበይ ይንቀሳቐሳን ኣበይ መልሕቕ ደርብየን ከምዘለዋን ዳህሲሱ'ሎ።
እቲ ምንቅስቓስ መራኽብን ነፈርትን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ስለዝቀያየር ንሕና'ውን መዓልታዊ ምክትታል ክንገብር ጸኒሕና ኣለና።
ብ23 ጥቅምቲ፡ ሚሳይል ትስከም ዓባይ መርከብ፡ ምድረማያውያን መራኽብ ከምኡ ከኣ ነተን መራኽብ ውግእ ነዳዲ ትዕድል ዓባይ መርከብ ትርከብን ኣብቲ ዞባ 10 መራኽብ ውግእ ኣመሪካ ተዋፊረን ከምዘለዋ ክንፈልጥ ክኢልና።

ማዱሮ ንኽእሰር ንዝተሓባበረ 50 ሚልዮን ዶላር ክውሃቦ
ኣመሪካ፡ ብፍላይ ከኣ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኒኮላስ ማዱሮ ካብ ስልጣን ክእለ ከምዝደልዩ ምስጢር ኣይኰነን።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ማርኮ ሩብዮ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት ንማዱሮ፡ "ዘሰንብድ ውልቀ መላኺ'ዩ" ድሕሪ ምባሉ፡ "እሞ ካብ ስልጣን ክእለ ዲኻ ትደሊ ዘለኻ?" ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ኣብዚ ፖሊሲ ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ መሊሱ ነይሩ'ዩ።
እንተዀነ፡ ዋላ ድኣ ኣብ ቨነዝወላ ዝርከቡ ተቓወምቲ ሓይልታት ይድለይዎ፡ ኣብ ቨነዝወላ ብወተሃደራዊ ስርሒት ዝተሓገዘ ምቕያር ስርዓት ክትገብር ክብድ ዝብል ይመስል።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2016 ንፕረዚደንትነት ንምውድዳር ጎስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ስርዓታት ብሓይሊ ናይ ምእላይ ስጕምቲ ንዘልኣለም ደው ክብል ኣለዎ ምባሉ ኣይርስዓን።
እንተዀነ ኣመሪካ፡ ንማዱሮ ከም ፕረዚደንት ቨነዝወላ ኣፍልጦ ኣይሃበቶን፤ ነቲ ኣብ 2024 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ቨነዝወላ "ነጻን ርትዓውን ኣይነበረን" እያ ትብሎ። ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር'ውን ብተመሳሳሊ እቲ መረጻ ነጻን ርትዓውን ኣይነበረን ብምባል ተቓውሞኦም ኣብ ግዜኡ ኣስሚዖም'ዮም።
ኣመሪካ ኣብ ካራካስ [ርእሰ ከተማ ቨነዝወላ] ዝነበራ ኤምባሲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ ኣብ 2019'ያ ዓጽያቶ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካ፡ ኣብ ዓንኬል ማዱሮ ዘለዉ ሰባት ንምብትታን፡ እቲ ፕረዚደንት ንኽእሰር ንዝተሓባባረ 50 ሚልዮን ዶላር ጕንዖ ከምእትህብ ብወግዒ ገሊጻ። እንተዀነ እዚ'ውን ክሳብ ሕጂ ክትዕወተሉ ኣይክኣለትን።
ቨነዝወላዊ ፕሮፌሰር ሕጊ ጆስ ኢግናስዮ ሀርናንደስ 50 ሚልዮን ዶላር ንላዕለዎት ሓለፍቲ ቨነዝወላ ዋላ ሓንቲ ነገር ከምዘይኰነ'ዩ ዝሕብር።
ኣብታ ብብልሽውና ዝተቘማጥዐትን ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነትን ሃገር፡ ብብልሽውና 50 ሚልዮን ዶላር ምርካብ ንዝዀነ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቀሊል ምዃኑ'ዩ እዚ ምሁር ዝሕብር።
ሓላፊ ሃገራዊ ግምጃ እታ ሃገር ዝነበረ ኣለክሳንድሮ ኣንድራደ ክሳብ እቲ ብሕጊ ዝኽሰስ ብብልሽውና 1 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ኣኻዕቢቱ ምንባሩ ከኣ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ብዙሓት፡ ኣብ ቨነዝወላ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምግባር ሰራዊት እታ ሃገር ወሳኒ ተራ ከምዝህልዎ ይኣምኑ። እንተዀነ እቶም ወተሃደራውያን ሓለፍቲ'ውን ነዚ ክገብሩ እንተዀይኖም ካብ ኣኽበርቲ ሕጊ ናይ ዘይምኽሳስ ውሕስነት ክውሃቦም ጠለብ ከቕርቡ ከምዝኽእሉ'ዩ ዝእመን።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ቺካጎ ምሁር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ሚካኤል ኣልበርቶ፡ ነቶም ኣብ ዙርያ ማዱሮ ዘለዉ ኣብ ልዕሊኡ ንኽልዓሉ ንምእማን፡ ይትረፍዶ 50 ሚልዮን 500 ሚልዮን ዶላር'ውን እኹል ከምዘይኰነ'ዩ ዝሕበር።
"ውልቀ መለኽቲ፡ ኵሉ ግዜ ተጠራጠርቲ ስለዝዀኑ፡ ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይኣምኑን'ዮም፤ ዋላ ነቲ ዝኣምንዎ ዝመስሉ ኣብ ዓንኬሎም ዘሎ ሰብ'ዮም ዘይኣምንዎ። ስለዝዀነ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ምክትታል ብምግባርን፡ ይከኣታተልዎም ከምዘለዉ ከምዝኣምን ብምግባርን'ዮም እሙናቶም ዝገብርዎም፡" ይብል።
እቲ ኣብ ልዕሊ ቨነዝወላ ዝተነበረ እገዳ፡ ነቲ ድሮ ኣንቈልቊሉ ዝነበረ ቁጠባ እታ ሃገር ባይታ'ዩ ኣዝቢጥዎ። እዚ'ውን እንተዀነ ንላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ኣንጻር ማዱሮ ክልዓሉ ኣይቀሰቦምን።
ንምንታይ'ዩ፡ እዚ ምንቅስቓስ ጉዳይ ዕጸ ፋርስ ጥራይ ኣይኰነን ዝብሃል?
ዶናልድ ትራምፕ ብ16 ጥቅምቲ መራኽብ ውግእ ናብ ባሕሪ ካሪብያን ዝተዋፈራሉ ቀንዲ ዕላማ ነቶም ብፍሉይ ፈንታኒል ዝብሃል ዕጸ-ፋርስ ናብ ኣመሪካ ዘእትዉ መርበባት ኣሰጋገርቲ ንምህዳን ዝዓለመ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።
እቲ ፈንታሊን ዝብሃል ዓይነት ዕጸ-ፋርስ ግን ኣብ ሜክሲኮ'ምበር ኣብ ደቡብ ኣመሪኣ ኣይኰነን ዝፈሪ፤ ናብ ኣመሪካ'ውን ብደቡባዊ ሸነኽ ብመሬት'ምበር ብባሕሪ ኣይኰነን ዝኣቱ።
ሳባቲኒ፡ "እዚ ጉዳይ፡ ጉዳይ ዕጸ ፋርስ ኣይኰን፡ ስርዓት ንምቕያር'ዩ" ይብል።
ካብ 2020 ጀሚሮም ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ቀንዲ ሃንዳሲ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስን መርበባት ግብረሽበራን'ዩ ብምባል ክኸስዎ ጸኒሖም'ዮም፤ ንሱ ግን ነዚ ክስታት ይነጽጎ።
ትራምፕ፡ ሲኣይኤ ነቲ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ዘሎ ዕጸ-ፋርስ ንምግታእ ኣብ ቨነዝወላ ሕቡእ ሰርሒት ከካይድ ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዕሉ ኣሎ።
ኮሎምብያ፡ ፔሩን ቦልቭያን'ምበር ቨነዝወላ ብዙሕ ኮኬይን ኣይተፍርን'ያ።
ገለ ዕጸ-ፋርስ ብቨነዝወላ ይመሓላለፍ'ዩ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ከኣ ነዚ መስመር እዚ ንምብታኽ ይሰርሕ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ይገልጽ'ዩ።
ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ዕጸ-ፋርስ ጸብጻብ ዘዳሉ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት'ውን ኣብ 2025 ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣተወ ዕጸ-ፋርስ እቲ 84 ሚእታዊት ካብ ኮሎምብያ ዝተበገሰ ከምዝዀነን ስም ቨነዝወላ ኣብ ዝርዝሩ ከምዘየለን'ዩ ዝገልጽ።
ኣመሪካ፡ ነቲ ኒኮላስ ማዱሮ ቀንዲ ሃንዳሲ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ'ዩ እትብሎ ብመርትዖ ከተስንዮ ኣይክኣለትን።
እንተዀነ ኣብ 2016 ቤት ፍርዲ ፌደራል ኒውዮርክ ክልተ ንብዓልቲ ቤት ማዱሮ ደቂ ሓፍታ ዝዀኑ ውልቀሳባት ናብ ኣመሪካ ዕጸ-ፋርስ የእትዉ'ዮም፡ ነቲ ገንዘብ ከኣ ንፖለቲካ ጐስጓስ'ዮም ዝጥቀምሉ ተባሂሎም ተኸሲሶም ነይሮም'ዮም፤ እንተኾነ ነዊሕ ከይገበሩ ነጻ ተለቂቖም።
ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ንምድራዕ ዝግበር ዘሎ ሃቐነ
ክኢላታት ወተሃደራዊ ስነ ፍልጠት፡ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ ንምግታእ ክንድዚ ኣመሪካ ኣዋፊራቶ ዘላ ሓይሊ ሰብን ንዋትን ከምዘየድሊ'ዮም ዝሕብሩ።
ብዘይካ'ዚ መራኽብ ውግእ ኣብ ከባቢ ፖርቶ ሪኮ፡ ካብ ገማግም ትሪንዳድን ቶባጎን ኣስታት 123 ኪሎ ሜተር ርሒቐን እናተንቀሳቐሳ ክርኣያ ክኢለን'የን። ሓንቲ ካብተን መራኽብ ውግእ ተመራሒ ሚሳይል እትስከም ዩኤስሴስ ሌክ ኢሪ'ያ።
እታ ካልእ ኣብ ባሕሪ ካሪብያን ተዋፊራ ዘላ መርከብ ኤም ቪ ኦሽያን'ያ። እዛ መርከብ እዚኣ ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካ ስርሒት ኣብ ዘካይድሉ ዝጥቀሙላ ኰይና፡ ድሮናት፡ ሄሊኮፕተራትን ሓያለ ንኣሽቱ ጀላቡን ክትሽከም ትኽእል ዓባይ መርከብ'ያ።

ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሓይሊ፡ ሓይሊ ኣየር'ውን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዕጽፍታት'ያ ኣዛይዳቶ።
ኣብ ከባቢ ፖርቶ ሪኮ'ውን ነፈርቲ ትስከም ዓባይ መርከብ ኣጸጊዓ ኣላ።
ብ17 ጥቅምቲ'ውን ኤፍ-35 ከምኡ ኤፍ-35ቢ ዝብሃለ ዓይነት ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ካብ ቅድም ኣትሒዙ ኣብ ፖርቶ ሪኮ መዓስከር ኣመሪካ ኰይኑ ዝጸንሐ ቦታ ኮፍ ኢለን ተራእየን'የን።

እዘን ኣዝየን ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ ሓጺር መሕነኒ [ራን ወይ] ክበራን ክዓልባን ከምኡ'ውን ንሰማይ ገጸን ኣንቃዕሪረን ደው ብምባል ኣብ ጸቢብ ቦታ ናይ ምዕላብ ክእለት ኣለወን።
ካልእ ከኣ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ራፋል ሀርናንደስ፡ ኤም ኪው 9 ዝዓይነተን ድሮናት ተራእየን'የን።

ምንጪ ስእሊ, Thiago Santin
እዘን ከምዚአን ዓይነታት ድሮናት ኣመሪካ ኣብ ከም ኣፍጋኒስታን፡ ሶርያ፡ ሊብያን ማሊን ንምጥቃዕ ተጠቒማትለን'ያ።
ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ፡ ቢቢሲ ሰለስተ ቢ-52 ዓይነት ነፈርቲ ብሰማያት ካሪብያን ሓሊፈን ናብ ገማግም ቨነዝወላ ተጸጊዐን ሓሊፈን ነይረን።

ጸኒሑ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ እተን ነፈርቲ ንፍሉይ ልምምድ ናብቲ ቦታ ከምዝተንቀሳቐሳ ገሊጹ።
ብዘይካ እዚ ቢ-1 ከምኡ ከኣ ፒ-8 ዝብሃል ንስለያዊ ስርሓት ዝውዕላ ፍሉያት ነፈርቲ'ውን ኣብቲ ዞባ ክንቀሳቐሳ ተራእየን'የን።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ኣሳእል'ውን ሄሊኮፕተራት ኣመሪካ ኣብ ገማግም ትሪንዳድን ቶባጎን እናበረራ ተራእየን።
ገላ ካብዘን ሄሊኮፕተራት ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካ ዝጥቀሙለን ኤምኤች-6ኤም ዝብሃላ'የን።

ሲኣይኤ ኣብ ውሽጢ ቨነዝወላ እንታይ ክገብር ይኽእል?
ንትራምፕ፡ ሲኣይኤ ኣብ ውሽጢ ቨነዝወላ ኣትዩ ንማዱሮ ድዩ ካብ ስልጣን ክኣልዮ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ነዚ ሕቶ ምምላስ መስሓቕ'ዩ ክኸውን" ኢሉ'ዩ መልሲ ሂቡ።
ብዘይካ'ዚ ኣመሪካ፡ "ብመሬት'ያ ትደሊ" ብምባሉ፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ድሌት ዘለዎ ይመስል።
ላቲን ኣመሪካያውያን ሕሉፍ ታሪኾም ብምግንጻል ንሲኣይኤ ብዓይኒ ጥርጣረ'ዮም ዝጥምትዎ።
ሲኣይኤ ኣብ ከም ብዓል ቺለን ብራዚልን ናይ ስርዓት ለውጢ ብምግባር ነተን ሃገራት ካብ ዝነበራኦ ናብ ዝኸፍአ ጸገማት ኣቓሊዖመን'ዮም።
ነድ ፕሪንስ ምክትል ወኪል ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኰይኑ ሓደ ካብ ላዕለዎት ተንተንቲ ሲኣይኤ'ዩ።
ንሱ፡ ሲኣይኤ ዝገበሮ ስርሒት "ዝተፈላለየ ቀጸላታት" ክህልዎ ከምዝኽእል ይገልጽ።
"ናይ ሓበሬታ ስርሒት ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ናይ ውዲት ስርሒት ክኸውን ይኽእል፡ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ናይ ምምዋል ስርሒት ክኸውን ይኽእል፣ ካብኡ እንተዓብዩ ከኣ ናይ ስርዓት ምቕያር ስርሒት ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝልዓለ ተኽእሎታት እንተፈቲሽና ቀጸላታቱ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።
እቲ ካልእ ከኣ ኣመሪካ ንዕጸ-ፋርስ የሰጋግሩ ኣለዉ ኢሎም ዝጠርጠርዎም ብምድብዳብ'ውን ክፍጽምዎ ይኽእሉ'ዮም፡ እዚ ከኣ ንማዱሮ'ውን ከጠቓልል ከምዝኽእል ነድ ፕሪንስ ይጠቅስ።
ዶክተር ሳባቲኒ ብወገኑ፡ ቨነዝወላ ቀንዲ ኣፍራይት ዕጸ-ፋርስ ኣይኰነትን፡ እንተዀነ ኣመሪካ መበገሲ ይኾና ኣለዋ ብምባል ንገለ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ክትሃርም ከምእትኽእል ግምቱ የቐምጥ።
"ምናልባት'ውን ነታ ሃገር ብምውራር ንማዱሮን ንገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገርን ናብ ኣመሪካ ወሲዶም ኣብ ፍርዲ ከቕርብዎም ይኽእሉ'ዮም"
እቲ ቀንዲ ሕቶ ግን ትራምፕ ንኽንድ'ዚ ዝኣክል ሰራዊት ክሳብ መዓስ'ዩ ኣብ ባሕሪ ካሪብያን ከጽንሖ ዝብል'ዩ።
እዚ ወተሃደራዊ ስርሒት ንማዱሮ ንምፍርራሕ እንተዀይኑ፡ እቲ ዓቕን ምፍርራሕ ክሳብ ክንደይ'ዩ ክበጽሕ'ውን ርግጽ ኴንካ ክትዛረብ ኣይትኽእል ኢኻ።
ምባልባት'ውን ብሓይሊ ንማዱሮ ካብ ስልጣኑ ንምዕላው እንተዀይኑ'ውን ኣብ ሕጂ ኴንካ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ምዃኑ ፕሮፌሰር ኣልበርቱስ ይጠቅስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







