ትራምፕ፡ ሲኣይኤ ኣብ ካልእ ሃገር 'ዕልዋ መንግስቲ' ክገብር ኣፍቂዱ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሲኣይኤ ኣብ ቬንዙወላ ስቱር ስርሒታት ከካይድ ስልጣን ከም ዝሃቦ ኣረጋጊጹ። እዚ ዘረባ'ዚ ድማ ኣብ መራሕቲ እታ ሃገር ቍጥዐ ኣለዓዒሉ።
ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ካሪብያን ዕጸፋርስ ኣብ ዝጸዓና ጀላቡ ብውሕዱ ሓሙሽተ መጥቃዕቲታት ብምክያዱ 27 ሰባት ሞይቶም።
ብሕቡራት ሃገራት ዝተወከሉ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት፡ "ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት፡" ክብሉ ነቲ መጥቃዕቲ ገሊጾሙዎ።
ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ጕጅለታት ዕጸፋርስ ተወሰኽቲ መጥቃዕቲታት ንምፍጻም፡ "ባይታ" ትደሊ ከም ዘላ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኣካታዓይ መረጻ ስልጣን ዝሓዘ ፕረዚደንት ቬንዙወላ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ምስ ኣመሪካ ዕርቂ ክገብር ድሌት ከም ዘለዎ ጻውዒት ገይሩ።
ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ኣብዚ ዞባ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ኣብ ካራካስ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ እዚ ብትራምፕ ፍቓድ ተዋሂቡ ዘሎ፡ ሲኣይኤ ኣብ ቬንዙወላ በይናዊ ወይ ከም ኣካል ሰፊሕ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣመሪካ ስርሒታት ከካይድ ዘኽእሎ እዩ።
ሲኣይኤ ኣብ ቬንዙወላ ስርሒታት ይውጥን ኣሎ ድዩ፡ ወይስ እቶም ውጥናት ንህጹጽ ኵነታት ዝዓለሙ እዮም ኣይፍለጥን። እንተዀነ፡ እቲ ትካል ስለያ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝተፈላለየ ስርሒታት ናይ ምክያድ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎ።
ትራምፕ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ምስ ዳይረክተር ኤፍ.ቢ.ኣይ ካሽ ፓቴልን ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፓም ቦንዲን ኰይኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ብኒውዮርክ ታይምስ ዝቐረበ ጸብጻብ ሕቶታት ቀሪብሉ።
"ስለምንታይ ንሲኣይኤ ናብ ቬንዙወላ ክኣቱ ፍቓድ ሂብካዮ?" ክብል ሓቲቱ ሓደ ጋዜጠኛ።
"ብኽልተ ምኽንያት እየ ፍቓድ ሂበ፡" ክብል፡ ብጉልባብ ንዝካየድ ዕማማት ስለያ፡ ብዘይተለምደ መንገዲ መልሲ ክህብ ጀሚሩ።
"ቍጽሪ ሓደ፡ ንሳቶም [ቬንዙወላ] ቤት ማእሰርቶም ባዶ ገይሮም ኣለዉ፡" ብምባል ናብ ኣመሪካ ይሰዱዎም ከም ዘለዉ ዝእምት ተዛሪቡ።
"እቲ ካልእ ነገር ድማ ሓሽሽ እዩ። ካብ ቬንዙወላ ዝኣቱ ብዙሕ ዕጸፋርስ ኣሎና። ኣብዝሓ ካብቲ ናይ ቬንዙወላ ዕጸፋርስ ድማ ብባሕሪ እዩ ዝኣቱ። እንተዀነ፡ ነቲ ብመሬት ዝኣቱ'ውን ደው ከነብሎ ኢና፡" ኢሉ።
ቬንዙወላ ኣብ ንግዲ ዕጸፋርስ እቲ ዞባ ብተዛማዲ ንኡስ ተራ እዩ ዘለዋ። እቲ ፕረዚደንት፡ ሲኣይኤ ንማዱሮ ንምውዳቕ ዝዓለመ እንተዀይኑ ኣይገለጸን። ኣመሪካ ፕረዚደንት ማዱሮ ንምውዳቕ ወይ ናብ ፍርዲ ምቕራብ ንዝሓገዘ 50 ሚልዮን ዶላር ግንዖ ኣዳልያ እያ።
ኣመሪካ ብሰሉስ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ቬንዙወላ ንሓንቲ ጃልባ ዒላማ ብምግባራ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም።
ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ እታ ጃልባ ዕጸፋርስ ትሸይጥ ከም ዝነበረት ስለያዊ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጾን ምስ ዘይሕጋዊ መርበባት ዕጸፋርስን ግብረሽበራውያን ከም ዝተኣሳሰርን ኣፍሊጡ።
እንተዀነ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣየናይ ትካል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ የካይድ ከም ዝነበረን መንነት ናይቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩን ኣይገለጹን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማዱሮ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ናብ መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቡ፡ እቲ ኵነታት ናብ ዝለዓለ ከይዓርግ ኣጠንቂቑ።
እቲ ማሕበርነታዊ መራሒ፡ "ኣይፋል ዕልዋ መንግስቲ! እዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕ፡ ሊብያን ካልኦትን ዝተኻየደ መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት እዩ ዘዘኻኽረና፡" ኢሉ።
"ኣይፋል ሲኣይኤ ንዘዳለዎ ዕልዋ መንግስቲ።"
ወሲኹ ድማ፡ "ህዝቢ ኣመሪካ ስምዑኒ፤ ኣይፋል ንዂናት፡ እወ ንሰላም፡" ኢሉ።
ኣቐዲሙ ማዱሮ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከባቢ ካራካስ ፔታረን ኣብ ጐረቤት ግዝኣት ሚራንዳን ወተሃደራዊ ልምምድ ክካየድ ኣዚዙ።
ኣብ ተለግራም ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ነታ ብነዳዲ ሃብታም ሃገር ንምክልኻል፡ ንወተሃደራዊ፡ ፖሊስን ስቪላዊ ምልሻን ኣኽቲቱ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ይቫን ጊል ኣብ ተለግራም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቬንዙወላ፡ "ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብዛዕባ ኲናት ዝጕስጕሶን ቅጥዒ ኣልቦ መግለጺታትን ትነጽጎ፡" ኢሉ።
"ንሲኣይኤ ምጥቃም፡ ኣብ ካሪብያን ወተሃደራት ምስፋር. . . ኣብ ልዕሊ ቬንዙወላ ከም ምፍርራሕ፡ ምጥቃዕን ጥሕሰን ብዝዳረግ መጠን ስግኣት ኢና ንርእዮ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ትራምፕ ሸሞንተ መራኽብ ውግእ፡ ንዩክለሳዊ ሓይሊ ዘለዋ ሳብማሪንን ነፋሪት ውግእን ናብ ካሪብያን ኣዋፊሩ። ዋይት ሃውስ ከም ኣካል ናይቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ንምግታእ ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ እያ ትገልጽ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኾ'ሞ ልሒኹ ዝወጽአ መዘክር፡ ኣንጻር ትካላት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ኣብ "ዕጥቃዊ ግጭት" ክኣቱ ከም ዝወሰነ ገሊጹ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ማዱሮ ንባዕሉ ኣካል ናይቲ 'ካርተል ኦፍ ዘ ሳንስ' ዝበሃል ትካል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋር ምዃኑ ይኸሱ። እቲ ፕረዚደንት ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







