ቬንዙዌላ፡ ፕረዚደንታ ንምቕታል ‘ውዲት ፍሒሶም' ንዝበለቶም ዜጋታት ኣሜሪካን ስፔንን ኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰብመዚ ቬንዙዌላ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንምቕታል፡ ውዲት ብምእላም ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ኣሜሪካውያን፣ ክልተ ስፔናውያንን ሓደ ዜጋ ቼክን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ገሊፆም።
ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ዲዮስዳዶ ካቤሎ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣፅዋር ከም ዝተትሓዙን፡ እዞም እሱራት ንፕረዝደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮን ላዕለዎት ሰብመዚን ንምቕንፃል ውዲት ይኣልሙ ከም ዝነበሩን ሓቢሩ።
ዋሽንግተን፡ ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ ኣካታዓይ መረፃ ከም ዝተዓወተ ወግዓዊ ድሕሪ ምዃኑ፡ ምስቲ ፕረዝደንት ቅርበት ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም 16 ቬንዙዌላውያን ሰብመዚ ማዕቀብ ምንባራ ስዒቡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እዩ፡ ቬንዙዌላ ነዚ ስጉምቲ ወሲዳ ዘላ።
መንግስቲ ቬንዙዌላ እቶም ኣሲርዎም ዘሎ ስፔናውያን፡ ምስ ሃገራዊ ደሕንነት ማድሪድ- ሲኤንኣይ ርክብ ከም ዘለዎም ገሊፁ።
እንተኾነ ምንጭታት መንግስቲ ስፔን፡ እቶም ክልተ ዜጋታቱ፡ ኣባላት ትካል ደሕንነት ከም ዘይኮኑ ንመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ቬንዙዌላ ዲዮስዳዶ ካቤሎ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ “ሲኣይኤ እዩ ነዚ ስርሒት ዝመርሖ ዘሎ፤ እዚ ድማ ኣየገረመናን። ማእኸል ሃገራዊ ደሕንነት ስፔን ግና፡ ሲኣይኤ ኣብዚ ከባቢ ከም ዝሰርሑ እናፈለጡ ኩሉ ግዘ ሱቕ ይብሉ ነይሮም።
እዞም ክልተ እሱራት፡ ንፕረዝደንት ኒኮላስ ማዱሮ፣ ምክትል ፕረዝደንት ደልሲ ሮድሪገዝ፣ ንዓይን ንውድብናን ሰውራናን ዝመርሑ ካልኦት ብፆተይን ንምቕታል፡ ንፁር ዕላማ ሒዙ ናብ ቬንዙዌላ ብዛዕባ ዘምፅእዎ ቀንፃሊ ጉጅለ እንከይተረፈ ነጊሮምና እዮም” ኢሉ።
ኣሜሪካ ነዞም ክሲታት ነፂጋቶም ኣላ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ እታ ሃገር፡ “ኣሜሪካ ንማዱሮ ንምዕላው ውዲት ኣሊማ ዝብል ዝኾነ ይኹን ክሲ ፍፁም ሓሶት እዩ” ብምባል፡ ዋሽንግተን “ኣብ ቬንዙዌላ ንዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዲሞክራስያዊ ፍታሕ ክረክብ ድጋፋ ትቕፅል ከም ዘላ” ሓቢሩ።
ኣብ መንጐ መንግስቲ ማዱሮ፣ ኣሜሪካን ስፔንን ቅርሕንቲ ተፈጢሩ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ፡ እዚ ማእሰርቲ ተፈፂሙ ዘሎ።
ካቤሎ፡ እቶም ውዲት ብምእላም ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ ስፔናውያን፡ ኣብ ደቡባዊ ርእሰከተማ ካራካስ ኣብ ትርከብ ፑርቶ ኣያኩቾ ከም ዝተኣሰሩ ገሊፁ።
ሰብመዚን ኤምባሲን ስፔንን፡ ተወሳኺ ሓበሬታን ነቶም እሱራት ንምርካብን ንቬንዙዌላ ሓቲቶም ኣለዉ።
ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ቬንዙዌላ ዲዮስዳዶ ካቤሎ፡ “ንፈረንሳውያን ዕሱባት ኣዘራሪቦም፣ ካብ ምብራቕ ኣውሮጳ ንዝመፅኡ ዕሱባት ኣዘራሪቦም። ንሃገርና ንምጥቃዕ ስርሒት የካይዱ ኣለዉ” ብምባል፡ 400 ከበድቲ ብረት ከም ዝወረሱ ገሊፁ።
ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ቬንዙዌላ ናይ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረፃ ተዓዋቲ ከም ዝኾነ፡ እቲ ምስኡ ቅርበት ዘለዎ ባይቶ ሃገራዊ መረፃ ኣፍሊጡ እዩ።
እንተኾነ እቲ ባይቶ ሃገራዊ መረፃ፡ ዝኾነ ንዓወት ማዱሮ ዝድግፍ ዝርዝራት ኣወሃህባ ድምፂ ኣይዘርግሐን። ብተቓወምቲ ዝተሓተመ መረዳእታ ግና፡ ኤድሙንዶ ጎንዛሌዝ ተዓዋቲ እቲ ፕረዝደንታዊ መረፃ ከም ዝኾነ ይሕብር።
ኣመሪካ ድማ፡ እቲ መራሒ ተቓዋሚ ኣብቲ መረፃ ዕውት ምዃኑ ኣፍልጦ ሂባ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







