ኢሉምናቲ ካበይ'ዮም መጺኦም፡ ንዓለምከ ብሚስጢር 'ይቈጻጸሩዋ' ድዮም?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
"ኢሉሚናዊ ንዓለም ብሚስጢር ብምቍጽጻር ሓድሽ ስርዓት ክዝርግሑ'ዮም፡" ዝብል ክልሰ ሓሳብ ውዲት ንዓመታት ክስማዕ ጸኒሑ ኣሎ።
መበገሲ እዚ ሓሳብ፡ ኣብ 1960ታት ዝነበረ ልቢ-ወለድ እዩ።
ኣብ ጀርመን ዝነበረ 'ኢንላይትመንት ኢራ' ወይ ዘመን ብርሃን ፍልጠት ምስ መበገሲ ኢሉሚናቲ ይተኣሳሰር።
ባቫሪያን ዝብል ሚስጥራዊ ምትእኽኻብ ነይሩ። እዚ፡ ብ1779 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዝተጀመረ'ዩ።
ሙሁራት ተኣኻኺቦም ሃይማኖታዊ ስርዓትን መሓውር መንግስትን ይነቕፉ ነይሮም።
ከምቲ ፍሪሜሰን ዝበሃል ካልእ ሚስጥራዊ ጕጅለ፡ ኢሉሚናቲ'ዉን ሰጐምቲ'ዮም ተባሂሉ ይሕሰብ ነይሩ።
ዓቃባውያንን ክርስቲያንን ነቐፍቲ ግን ነዚኦም ኣይተቐበሉዎምን። ህላወ እቲ ጕጅለ ንዝተወሰነ ግዜ ጠፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1960ታት ዳግም ይቕልቀል።
እቲ ሕጂ ዘሎ ኢሉሚናዊ፡ ካብቲ ሚስጥራዊ ጕጅለ ባቫሪያን ዝተፈለየ ምዃኑ፡ ኣብ ኢሉሚናቲ መጽናዕቲ ዝገበረ ዴቪድ ብራምዌል ይዛረብ።
ብፍልስፍና ምብራቕ ዝምራሕ ነቲ ልሙድ ባህላዊ ኣካይዳ ዝጻባእ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝተስፋሕፈሐሉ እዋን'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡'Principia Discordia' ዝተባህለ መጽሓፍ ተሓቲሙ።
እታ መጽሓፍ፡ መንግስቲ ዘይብሉ ስርዓት ዘተባብዑ ሰባት፡ ኢሪስ እትብሃል ኣምላኽ ቅልውላው ከም ዘምልዅ ትገልጽ።
ህይወት ማሕበራዊ ነውጺ ከልዕል ዝደሊ ጕጅለ'ዉን ይድህስስ።
እቲ ጽሑፍ ንባዕሉ ካብ ንቡር ባህሊ ብዝፍለ ፍልጠት ንላዕሊ ዝዀነ ነገር የብሉን።
ሮበርት ኣንቶን ዊልሰን፡ ሓደ ካብቶም ነታ መጽሓፍ ዘዳለዉ ሰባት እዩ።
"ዓለም ናይ ምልኪ ኰይና'ያ፤ ቍጽጽር በርቲዑ፡" ኢሉ ስለ ዝሓስብ፡ ማሕበራዊ ነውጺ ብምልዓል ለዉጢ ንክመጽእ ይደሊ።
እዚ ድማ፡ "መራኸብቲ ማዕከናት ብምጥቃም፡ ጸረ-ባህሊ፡ ግጕይ ሓበሬታ ብምውዛዕ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል'ዩ ኢሉ ይኣምን ነይሩ፡" ክብል ኣብ ኢሉሚናቲ መጽናዕቲ ዝገበረ ዴቪድ ብራምዌል ይዛረብ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ዊልሰን ምስ ካልእ መሓዝኡ ብምዃን፡ 'ፕሌይቦይ' ኣብ ዝተባህለ መጽሄት ካብ ኣንበብቲ ዝተላእዅ'ዮም ዝተባህሉ ናይ ሓሶት ደብዳበታት ይሓትም ነይሩ።
እቶም ደብዳበታት፡ ኢሉሚናቲ ዝተባህለ ሚስጥራዊ ጕጅለ ከም ዘሎ'ዉን ይገልጹ ነይሮም።
ብዙሓት፡ ኢሉሚናቲ ኣለው ዝብል ክኣምኑ ጀሚሮም።
ጆን ኤፍ ኬኔዲ መን ቀቲሉዎ? ዝብል ሓዊሱ ብድሕሪ ብወግዒ ብዛዕባ ዘይፍለጡ ነገራት ዘለዉ ኢሉማቲ'ዮም ተባሂሉ።
እዚ ዘረባታት ንክውዛዕ ምኽንያት ዝዀነ መጽሓፍ ቅቡልነት ብምርካቡ፡ ኣብ ብሪጣኒያ ሊቨርፑል ቲያትር ኰይኑ ቀሪቡ።
ብ1975 ኢሉሚናቲ ኰይኑ ጌም ንምጽዋት ዝውዕል ካርዲ ክሕተም እንከሎ፡ ብልምዲ ምስቲ ጕጅለ ዝተኣሳሰሩ ስእልታት ክፍለጡ ጀሚሮም።
ኣብዚ እዋን፡ ጄ ዚን ቢዮንሴን ሓዊሱ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ኢሉሚናቲ'ዮም ተባሂሉ ይእመን።
እዚ ሓቂ ከም ዘይኰነ ዝፍለጥ እኳ እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ኣብ 1960ታት ዝተላዕለ ትንታነ ውዲት ባይታ ሒዙ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
እቲ ኣብ 60ታት ዝነበረ ባህሊ ንእሽቶ ሕትመታት ሕጂ ካብቲ ሎሚ ዓለምለኻዊ ዝዀነ፡ ልዕሊ ዓቐን ዝተኣሳሰር ኢንተርነት ኣዝዩ ዝረሓቐ ይመስል።
ብዘይካ ሓደ ድማ እቲ ኢንተርነት ኣብ ከም ኣብ 4chanን Redditን ዝኣመሰሉ መርበባት ዝተዘርግሐ ወረታት ኢሉሚናቲ ነቲ ሓሳብ ዝና ሂብዎ እዩ።
ብውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን ብዓቢኡ ድማ ብኣመንቲ ውዲት ክልሰ-ሓሳብ ኣብ ዝመልአት ዓለም ኢና እንነብር ዘለና።
ኣብ 2015፡ ፖለቲካውያን ተመራመርቲ፡ ኣስታት ፍርቂ ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ኣሜሪካ እንተወሓደ ሓደ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ ከም ዝድግፉ ዘመልክት ውጽኢት ረኺቦም እዮም።
እዚኦም፡ 'ኦባማ ኣብ ሃዋይ ኣይተወለደን' ዝብሉ ዝተፈላለዩ ውዲታት ወይ ድማ '9/11 ብኣገልግሎት ስለያ ኣሜሪካ ተፈጺሙ' ዝኣመሰሉ ውዲት ክልሰ-ሓሳብ ይርከብዎም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣንግልያ ራስኪን ፕሮፌሰር ማሕበራዊ ስነ-ልቦና ቪረን ስዋሚ፡ “ሓደ ፕሮፋይል ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ የለን” ይብል።
“ሰባት ኣብዞም ክልሰ-ሓሳባት ስለምንታይ ከም ዝኣምኑ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣሎ፡ ግድን ድማ ንሓድሕዶም ዝጻረሩ ኣይኮኑን። ስለዚ እቲ ዝቐለለ መልክዕ መግለጺ፡ ኣብ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ዝኣምኑ ሰባት ብገለ ዓይነት ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ይሳቐዩ ከምዘለዉ’ዩ።”
ካልእ ተመራመርቲ ዝበጽሕዎ መደምደምታ፡ እዞም ክልሰ-ሓሳባት እዚኣቶም፡ ንርእሰ-ክብሪ ዘደናግሩ ወይ ዘስግኡ ፍጻመታት ንምርዳእ ርትዓዊ መገዲ ክህቡ ከም ዝኽእሉ እዩ።
ኣብ 2016 መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘሕተመ ስዋሚ ወሲኹ፡ “ኣዝዩ ቀሊል መግለጺ ይህቡኻ” ይብል።
ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ዝኣመኑ ካብ ዘይኣመኑ ንላዕሊ ብውጥረት ዝፈጥር ተመክሮታት ክሳቐዩ ተኽእሎ ከምዘለዎም ይሕብር።
ዝሓለፈ ዓመት ካልኦት ስነ-ኣእምሮኣውያን ክኢላታት’ውን፡ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ኣብ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ናይ ምእማን ተኽእሎኦም ትሑት ምዃኑ ኣረጋጊጾም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኤስያ፡ ክልሰ-ሓሳባት ውዲት መንግስቲ ንህዝቢ ዝቈጻጸረሉ ኣገባብ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ምዕራባውያን፡ ብተለምዶ ብኣንጻሩ’ዩ ውክልና ወይ ስልጣን ዝጎደሎም ሰባት እዮም ክጥቀሙሉ ጸኒሖም።
ስልጣን ስለ ዝጎድሎም ድማ ከምቲ ምስ 9/11 ዝተሓሓዝ ንመንግስቲ ዝፈታተኑ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ክፈጥሩ ክኢሎም።
ሰባት ስልጣን እንተጐዲልዎም፡ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ዘርኢ ማሕበራዊ ተቓውሞ ክዘርኡን ሰባት ሕቶታት ክሓቱ ክገብሩን ይኽእሉ።
“እቲ ሕጂ ዘሎ ዓቢ ለውጢ፡ ፖለቲከኛታት ብፍላይ ዶናልድ ትራምፕ፡ ደገፍ ንምርካብ ሽርሕታት ክጥቀሙ ምጅማሮም’ዩ።”
መበል 45 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዕሉል ወዲታዊ እዩ ነይሩ፣ ፕረዚደንት ኦባማ ብሓቂ ኣብ ሃዋይ ከምዘይተወልደ ብቐጻሊ ንማዕከናት ዜና ይዛረብ ነይሩ።
ብተወሳኺ ድሕሪ ምርጫ 2016 ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንመረጽቲ ምትላል ነይሩ ክብል ኸሲሱ።
ጎስጓስ ዘካይድ ጕጅለኡ ድማ ‘ፒዛጌት’ ከምኡ’ውን ‘ቦውሊን ግሪን ማሳክር’ ዝኣመሰሉ ዝተፈብረኹ ዛንታታት ዘርጊሖም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
እዚ ለውጢ ኣጠቓቕማ ክልሰ-ሓሳብ ውዲት ኣብ ፖለቲካ ንነዊሕ እዋን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል’ዶ?
ስዋሚ፡ "ሰባት ኣብ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት እንተኣሚኖም ካብ ቀንዲ ፖለቲካ ክወጹ ይኽእሉ እዮም። ምስ ወሰናስን ፖለቲካ ናይ ምጽማድ ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዝለዓለ’ዩ። ብተወሳኺ’ውን ምስ ዓሌታዊ፡ ጽልኢ ወጻእተኛታትን ኣኽራሪ ኣረኣእያታት ናይ ምጽማድ ተኽእሎኦም'ውን ኣዝዩ ልዑል’ዩ።”
ድሕሪት ዝተረፉን ሓይሊ ዘይብሎምን ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ዘይትንከፉ፣ ምስጢራዊ ፈላጣት ዝብል ሓሳብ ብቐሊሉ ክቕበልዎ ይኽእሉ።
ትራምፕ ነዞም ሰባት ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ዝነበረ ኢንዱስትርያዊ መልክዕ ኣሜሪካ ክውክል ከምዝደሊ ገሊጹ ነይሩ።
ግን ኣብ ኣዳራሻት ስልጣን ብኸምኦም ዝኣመሰለ ዘይፖለቲከኛ ዝሓሸ ውክልና ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ክንዲ ዝስምዖም ገለ ኣብ ኣሜሪካውያን ኣብ ከም በዓል ኢሉሚናቲ ዝኣመሰሉ ዛንታታት ክኣምኑ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎም ይመስሉ።
“ዊልሰን ሎሚ ብህይወት እንተዝነብር፡ ብኸፊል ምተሓጐሰ፡ ብኸፊል ድማ ምሰንበደ” ይብል ዴቪድ ብራምዌል። “ኣብ 60ታት ባህሊ ኣዝዩ ስጡም እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ነገራት ልሕሉሕ ኮይኑ ይስምዓካ።
“ምናልባት ሰባት ኣንጻር ‘ናይ ሓሶት ዜና’ን ፕሮፖጋንዳን እንተተቓሊሶም ዝያዳ ምርግጋእ ክመጽእ እዩ። ማሕበራዊ መራኸቢታት ብኸመይ ክንኣምኖም እንደሊ ሓሳባት ይምግቡና ከምዘለዉ ክንርዳእ ጀሚርና ኣለና።”
ኣብ መንጎ መድረኻት ኢንተርነት፡ ኣብ ህዝባዊ ባህሊ ምምስጋንን ብሓፈሻኡ ዘይተዓገተ ዓቕሚ ወዲ ሰብን፡ ሓቂ ዘናድዩ መርመርቲ ሓቅን ነቲ ጽውጽዋይ ኢሉሚናቲ ንሓዋሩ ክነጽግዎ ይኽእሉ’ዮም፡” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







