ነቐፌታ ካብ መጐሳ ንላዕሊ ኣብ ውሽጥና ነዊሕ ዝጸንሓሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?

ዝሓዘነት መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Frederic Cirou/Getty Images

መብዛሕትና፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንጸርፊ፡ ሽምጠጣ፡ ምንሻው ወይ ሕማቕ ርእይቶታት ዝተቓላዕና ኢና ንኸውን። ነዚኦም እንምክተሉ ዓቕሚ ስለ ዘይህልወና ክኣ ከም ሳዕቤኑ ጐዲኦምና ክዀኑ ይኽእሉ።

ቈልዑ ኴንና፡ ወለድና፡ ኣብ ልዕለና ዝዀነ ከቢድ ዕንጸይቲ ወይ እምኒ ወዲቑ ከይሃስየና ጥንቃቐ ክንገብር ክምዕዱና ንዝክር ንኸውን።

ካብኡ ንላዕሊ ግን፡ ቃላት ዓጽመ-ስጋና ሰይሮም ክጐድኡና ከም ዝኽእሉ ኣይነገሩናን።

ኣብ ህይወት እንረኽቦም ተመኵሮታት ግን እቲ 'እምኒ እምበር ቃል’ሲ ዓጽሚ ኣይሰብርን' ዝብል ርድኢት ግጉይ ምዃኑ ኣምሂሮምና እዮም።

ከመይ? እንተኢልኩም፡ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክፍወስ ይኽእል፤ ካብ ሰባት እንሰምዖም ኣሉታዊ ቃላት ግን ኣብ ህይወትና ነባሪ በሰላ’ዮም ዝገድፉ።

ከም ብዋዛ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካብ መምህርና ዝወሃበና ዘይጓዳእ ነቐፌታ ይዅን ኣብ መንጐ ዝተኻረረ ክትዕን እንካ ሃባን ካብ መሓዛ ይዅን ኣፍቃሪ/ት ዝመጽኣና መሪር ዘረባ ንውሰድ።

ኣብዚ ህሞት፡ ብሰንኪ'ቲ ‘ኔጋቲቪቲ ባያዝ’ ዝበሃል ክስተት፡ ኣብ ክንዲ’ቲ እወታዊ ርእይቶኦም ነቲ መሪር ነቐፌታ ኢና ዝያዳ ንዝክሮ።

ኵሉ ባህ ናይ ዘይምባል ሳዕቤናት ድማ በዚ ክግለጽ ይኽእል።

እዚ ኣብቶም ንህይወትና ሓደጋ እዮም እንብሎም ስግኣታትን ዝተጋነኑ ሓደጋታትን ፍሉይ ትዅረት ክንህብ ከም ዝገብር ጸሓፍን ክኢላ ማሕበራዊ ስነ ልቦናን ዩኒቨርሲቲ ኲንስላንድ ሮይ ባሜስተር ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ጽልምትምት ዝበሉ ነገራት እዛ ዓለም ኣድህቦ ምግባር ደስ ዘየብል ነገር እንተመሰለ’ውን፡ እዚኦም፡ ደቂ ሰባት ካብ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ ለበዳታት ክሳብ ኲናታት ንምብዳህ ድሉዋት ክዀኑ ኣብ ምግባር ሓጊዞም’ዮም።

ብተወሳኺ፡ ጽንኩር ኵነታት ካብ ዘሕድሮ ጸቕጢ ዓርስና ንምክልኻል እውን ከም ዘኽእል ዝሕብሩ መረዳእታታት ኣለው።

ሓንጐልና፡ ሰብነትና ንምሕላውን ብህይወት ክንህሉን ንምግባር ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ሓደስቲ ሓደጋታት ወይ ስግኣታት ኣብ ዝህልውሉ ግዜ ሰለስተ ስርዓታት መጠንቀቕታ ኣለውዎ።

  • እቲ ሓደ፡ 'ganglia system' ዝበሃል ኰይኑ ኣብ እዋን በረራ ወይ ባእሲ እንህቦ ግብረመልሲ ይቈጻጸር
  • ካልኣይ ሊምቢክ 'limbic system' ዝበሃል ኰይኑ፡ ንህይወትና ስግኣት ዝዀነ ሓደጋ ክህሉ እንከሎ ምላሽ ንኽንህብ እቲ ሓደጋ ክንርድኦን ይገብር
  • እቲ ዘመናዊ ዝበሃል ሳልሳይ ስርዓተ-መጠንቀቕታ ድማ 'ፕሪ-ፍሮንታል ኰርቴክስ' ዝበሃል ኰይኑ እቶም ስግኣታት ንኽንብድህ መጐታዊ ኣተሓሳስባ ክህልወና ይገብር

ደቂ ሰባት፡ ንህይወትና ስግኣት ዝዀነ ነገራት ቀልጢፍካ ናይ ምፍላይ ተኽእሎና ዓቢይ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ሮይ ባሜስተር፡ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ዕሸል ኣብ ክንዲ እንቍርዖብ ዝኸውን ምስሊ ተመን ቀልጢፉ ናይ ምርኣይ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ኣብ ሓሙሽተ ዓመቱ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ሕጕስ ገጽ ቍጥዐ ወይ ፍርሒ ከም ዘቐድም የረድእ።

ባሜስተር፡ መጀመርታ ኣብ ጸገማት ትዅረት ምግባር ጽቡቕ ስትራተጂ’ዩ ይብል።

“መጀመርታ ነቶም ኣሉታታት ኣወጊድካ ጸገማት ፍታሕ። እዚ ማለት፡ ብቐንዱ መድመይቲ ደው ምባል’ዩ” ኢሉ።

በዚ፡ ኣብቶም ሕማቕ ዝበሃሉ ነገራት ምስሓል ወይ ዝያዳ ትዅረት ምግባር ኣብ ኣዝዮም ኣጸገምቲ ኵነታት ድሑናት ክንከውን ክሕግዘና ከም ዝኽእል የረድእ።

ክሳብ ጽልዋ እቲ ዘይምዕሩይ ኣሉታውነት እንስዕሮ ግን፡ ንዓለም ዘለና ኣረኣእያን ንነገራት እንህቦ ግብረመልስን ዝንቡዕ ክኸውን ይገብሮ’ዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ጋዜጣታት ብዝጽሓፉ ነገራት፡ ህይወት ኣዝዩ ከቢድን ተስፋን ዘይብሉን ጥራይ ክመስል ይኽእል።

ጋዜጠኛታት’ውን ብዝሒ ኣንበብቲ ንምርካብ ወይ’ውን ጋዜጣኦም ንምሻጥ ደድሕሪ እቶም ሕማቕ ዜናታት’ዮም ዝኸዱ ተባሂሎም ይንቀፉ።

እዚ ብኸፊል ሓቂ ክኸውን ይኽእል፤ ተመራመርቲ ግን ኣንበብቲ ብተፈጥሮኦም መዓትን ውርደትን ንዝነግሩ ጽሑፋት ከም ዘንብቡን ንኻልኦት ከም ዘካፍሉን ይገልጹ።

ጸርፍን ኣሉታዊ ርእይቶታትን ኣብ ክንዲ እወታዊ ርእይቶ ንነዊሕ ግዜ ምሳና ክጸንሑ ይኽእሉ

ምንጪ ስእሊ, Gabriel Bouys/AFP/Getty Images

ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ካናዳ፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ማክጊል፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ናይ ዝተሳተፉ ወለንታውያን ኣበየናይ ዓይነት ዜና ትዅረት ይገብሩ ዝብል ንምፍላጥ ናይ ዓይኒ-ሃዳናይ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም።

በዚ መሰረት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ክንዲ እቶም ዘይሻራውን እወንታውን ኰይኖም ዝተጽሓፉ ናብቶም ብዛዕባ ብልሽውኛ፣ ምስሉይነትን ዓንቀፍቀፋትን ዝድህስሱ ዛንታታት ከም ዝኸዱ ኣረጋጊጾም።

ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታትን ፖለቲካን ዝከታተሉ ሰባት፡ ሕማቕ ዜና ክመርጹ እንከለው፡ ክሕተቱ እንከለው ግን ጽቡቕ ዜና ኢና ንመርጽ ኢሎም ከም ዝዛረቡ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ዜና እንርእዮምን እንሰምዖምን ድማ ፍርሕና ከበርዅ ተኽእሎ ኣለዎ።

ንኣብነት፡ ቝጽሪ እቶም ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ብጕጅለታት ራዕዲ ዝተቐትሉ ሰባት፡ ካብቶም ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ባስካ ዝሞቱ ሰባት ዝውሕድ'ኳ እንተዀነ፡ ንግብረ ራዕዲ ዘለና ፍርሒ ክብ ዝበለ’ዩ ክብል ባሜስተር ‘The Power of Bad: And How to Overcome It’ ኣብ ዝብል መጽሓፉ ጽሒፉ'ሎ።

ብዛዕባ ሓደ ግምታዊ ግን ድማ ዘፍርሕ ኵነታት ምጭናቕ ክንፈርሕ ክገብረና እንከሎ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ባህ ዘይትብል ኣጋጣሚ ኣብ ውዕሎ መዓልትና ዘይምዕሩይ ጽልዋ ክህልዋ ይኽእል።

ፕሮፌሰር ስነ ልቦናን ሳይንስ ኣእምሮን ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ራንዲ ላርሰን፡ ኣክንዲ እቶም ዘሐጕሱ ስምዒታት እቶም ኣሉታዊ ስምዒታት ነዊሕ ከም ዝጸንሑ ይገልጽ።

ንሱ ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ሰባት ብዛዕባ ሕማቕ ፍጻመታት ብምሕሳብ እነሕልፎ ግዜ ኣዝዩ ከም ዝዛይድ ዘመልክቱ ኰይኖም፡ ምናልባት ዘፍርሑ ግዜያት ወይ’ውን ነቐፌታታት ንዓመታት ዘሳቕዩናን ዝሃድኑናን ምዃኖም ንምርዳእ ይሕግዘና።

ብፍላይ፡ ካብ ኣፍቃሪ/ት፡ ኣባል ቤተሰብ ወይ’ውን ዓርከ-መሓዛ ዝመጽእ ልብኻ ዝትንክፍ ዘረባታት ክትርስዖ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

“ምስቲ ካብ ዘይንፈልጦም ሰባት ዝወሃበና ካብ እንኣምኖምን እንፈትዎምን ሰባት ዝመጽኡ ኣሉታዊ ርእይቶታት ይጐድኡና” ይብል ባሜስተር። እዚ ብኸፊል፡ ካብቶም ናተይ እንብሎም ሰባት እንጽበዮ ነገር ብምህላው እዩ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ካብ እንፈትዎም ሰባት ዝወሃቡና ኣሉታዊ ርእይቶታት ነዊሕ እዋን ንዝቕጽል ስነ ልቦናዊ በሰላ ክመርሓና ስለ ዝኽእል ምስ ሰባት ዝህልወና ርክባት ንበትኽ።

ኣብ ኣሜሪካ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኬንታኪ፡ እቲ መጻምድኻ ኣብ ውሽጢ ርክባት ንዘጋጥሙ ጸገማት “ብዘይተቓውሞ ዝሓልፉ” ምስ ዝዀኑ ሳሕቲ እቶም ርክባት ካብ ምብታኽ ክድሕኑ ከም ዝኽእሉ ክርድኡ ክኢሎም።

“ርክባት፡ መጻምዲ ንሓድሕዶም ዝገብርዎ ወይ ዝለዋወጥዎ ጽቡቕን ሃናጽን ነገራት ወይ’ውን ንነገራት ብዝህቡዎ ኣዕናዊ ምላሽ ጥራይ ዝውሰን ኣይኰነን” ኢሎም።

ኣብ ካልእ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ንመጻምዲ ብምክትታል ዝተሰርሐ መጽናዕቲ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ክልተ ዓመታት መርዓኦም ወይ ሓዳሮም ንሓድሕዶም ኣሉታዊ ስምዒታት ዝተለዋወጡ ሰብ ሓዳር፡ ንፋታሕ’ዶ ዝብል ኣማራጺ ኣቕሪቦም ምንባሮም ይገልጽ።

ናብ ፍትሕ ኣብ ዘምርሑ መጻመዲ ድማ ኣሉታውነት ከም ዝበዝሕ የመልክት።

ኣድልዎ ኣሉታውነት - ‘ኔጋቲቪቲ ባያዝ’፡ መብዛሕትና ዘለና ርክብ ጽቡቕ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከም ንቡር ምውሳድና ናይ ጣዕሳ ስምዒት ክፈጥረልና እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ዝፍጠሩ ጐደሎታት ቀልጢፍና ንኸነስተውዕልን ንኣሽቱ ጉዳያት ናብ ዓቢይ ጸገም ክንቅይርን ይገብረና።

ነቐፌታ’ውን፡ ብብዝሒ ክመጽእ እንከሎ ይጐልሕ’ዩ። እዚ ድማ ማሕበራዊ ሚዲያ ከም ሓደ ኣሉታውነት ዝጋውሓሉ ባይታ ክኸውን ይገብር።

ብ2019 ብሉጽ ኣልበም ዝሸጠት ስነ ጥበባዊት ቢሊ ኢሊሽ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወሃቡ ርእይቶታት ምርኣይ ኰነ ኢላ ከም እተወግድ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

“ህይወተይ ይሕምሶ ነይሩ። ህድእ ዝበለ ነገራት ኣብ ዝሰራሕካሉ ብዙሓት ሰባት ይጸልኡኻ። ብሱሩ ካብቲ ሕሉፍ ዝነበረ ዝኸፍአ እዩ ዝኸውን” ትብል።

ባሜስተር፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝርኣይ ኣሉታውነት ንምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ከም ዘይብልና የጠንቅቕ። ምኽንያቱ ኣእምሮና፡ ኣብ ክንዲ እቲ ካብ ዘይንፈልጦ ሰብ ዝመጽኣና ርእይቶ፡ ነቲ ካብ ናይ ቀረባና ዝዀኑ ሰባት ዝወሃበና መጠንቀቕታት’ዩ ኣቓልቦ ዝህብ።

“ስለዚ፡ ካብ ብዙሓት ሰባት ዝመጽኣና ኣሉታዊ ነገራት ምስማዕ ሓደገኛ ክኸውን ተኽእሎ ኣለዎ” ይብል።

ኣብ ኦንላይን ብብዙሓት ሰባት ወይ መሓዛኻ ምንቃፍ ዘለዎ ሳዕቤን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ።

ግን ክኣ፡ ንዕኡ ምቕባል፡ ምብልዕላዕን ዝዀነ ኣሉታዊ ርእይቶ ምድጋፍን፡ ጭንቀት ክውስኽ፡ ቅዛነት፡ ሕርቃን ወይ ተስፋ ምቝራጽ ክብርትዕ ከም ዝገብር ተመራማሪት ባህርያት ሉቺያ ማኪያ ትገልጽ።

“ነዞም ኣሉታዎ ስምዒታት ምቅላስ፡ ኣብ ሰብነትና ዓቢይ ጽልዋ ስለ ዘሕድር፡ ኣካላዊ ቃንዛ ክፈጥሩን ከጋድዱን ይኽእሉ’ዮም” ትብል።

ሰባት ዕድመ እናወሰኹ ክኸውዱ እንከለው፡ ናብ እወታዊ ሸነኽ ሓደ ነገር ምዝንባል ከም ዝጅምሩ ብዙሓት መጽናዕታት ይገልጹ።

ተመራመርቲ ነዚ ‘እወታዊ ኣድልዎ’ [positivity bias] ኢሎም ክጽውዕዎ እንከለው፡ ካብ ማእከላይ ዕድመ ጀሚርና፡ ነቶም ኣሉታዊ ሓበሬታታት ገዲፍና ነቶም እወታዊ ዝርዝራት ክንዝክር ከም እንጅምር ይገልጹ።

ባሜስተር፡ ናይዚ ምኽንያት ኣብ ዕድመ ንእስነትና ካብ ዘጋጥመና ውድቀትን ነቐፌታን ክንመሃር ኣለና፤ እዚ ግን ዕድመና እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ እዚ ድልየት ስለ ዝንኪ’ዩ ይብል።

ይዅን’ምበር፡ ኣሉታዊ ነቐፌታታት ኣብ ዝዀነ ዕድመ ኴንና ይጸልውና’ዮም፤ ብፍላይ ድማ ስምዒታትና ኣብ ዝተጐድኣሉ እዋን።