ኣብ ኢትዮጵያ ንዝለዓሉ ግጭታት ግደ ማሕበራዊ ሚዲያ ክሳብ ክንደይ'ዩ?

ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተቐድሐን ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝተዘርግሐን ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ'ዩ።

ኣብቲ ምስሊ፡ ሓደ ብውልቀሰብ ብህይወቱ እንከሎ እኩባት ሰባት ብሓቂ ከቃጽሉዎ እንከለው ዝርኣይ ኰይኑ፡ ነዚ ዘተባብዑ ዘረባታት'ውን ይስምዑ።

እዚ ምስሊ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ክዝርጋሕ እንከሎ፡ ብዙሓት ኰኒኖምዎን መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቶምን'ዮም።

ብኣንጻሩ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ናተይ ወገን’ዩ ተፈጺሙ ዝብሉ ሰባት ድማ፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ተጠቒሞም ብግልጺ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ክውሰድ ይጽውዑ ነይሮም።

ካልኦት ድማ ነቲ ተግባር ብምንኣድ “ጸላኢ” ኣብ ልዕሊ ዝብሉዎ ወገን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ የተባብዑ ነይሮም።

ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶን መልእኽትን ዘለዎም ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ መልእኽታት፡ መጥቃዕትን ጽልእን ብምስራጽ ድሕነት ሕብረተሰብ ካብ ምንጋዕ ሓሊፉ ስነ ልቦናዊ ጸቕጥታት ይፈጥሩ ኣለው።

ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ኣዝዮም ዘሰንብዱ ምስልታት ኣብ ፌስቡክን ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣማራጺታትን ምዝርጋሕ ልሙድ ኰይኑ’ዩ።

ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ዝዀነ ወንድሜነህ እንግዳ፡ “ፌስቡክ ምጥቃም ካብ ዘቋርጽ ክልተ ወርሒ ኰይኑኒ ኣሎ” ይብል።

“በቃ! ፌስቡክ ክኸፍት እንከለኹ ዝርእዮ ጽሑፍን ስእልን ብዛዕባ ቅትለትን ሞትን እዩ። ኣብ ልዕሊ ግዳያት ዘባጭዩ’ውን ኣለው። እዚ ንኣእምሮይ ክርብሾ ጀሚሩ” ብምባል ነቲ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝርሓቐሉ ምኽንያት የረድእ።

ስለዚ፡ “ተመሊሰ ፌስቡክ ዝጥቀም ኣይመስለንን” ይብል።

ቢቢሲ፡ ኣብ ፌስቡክን ትዊተርን ከምኡ’ውን ቴሌግራም ዝርኣዮም ቪድዮታትን ስእልታትን ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ከም ዝዀኑ ክዕዘብ ክኢሉ’ዩ።

እዚኦም፡ ሓሓሊፉ በቶም እቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ወይ’ውን ኣብቲ ከባቢ ብዝነብሩ ሰባት ዝተቐድሑ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

ፌስቡክ፣ ትዊተርን ዩትዩብን ናይ ባዕሎም መተሓዳደሪ ደንቢ ዘለዎምን ቢሊዮናት ተጠምቲ ዘለውዎምን ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም።

ስለምንታይ ድኣ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝዝርግሑ ከምዚኦም ዝበሉ ቪድዮታት፣ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ጐንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታትን ክቈጻጸሩዎ ዘይኽኣሉ?

እዚ ብዙሓት ዘልዕሉዎ ሕቶ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘለዎም ሰፊሕ ተበጻሕነት፡ ኣሉታዊ መልእኽታት ብቐሊሉን ኣብ ዝሓጸረ ግዜን ኣብ ኢድ ሚሊዮናት ከብጽሑ ይኽእሉ።

እዞም ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከብጽሑ ዝኽእሉ መልእኽታት ቅድሚ ኣብ ኢድ እቶም ዝቈጻጸሩዎም ኣካላት ምብጽሖም፡ ናብ ብዙሓት ተጠቀምቲ ስለ ዝበጽሑ ሳዕቤን እቶም መልእኽታት ኣብ ሓጺር ግዜ ክርኣይ ይኽእል።

ብፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዘይብለን ሃገራት፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ንኣሉታዊ ዕላማ ዘውዕሉ ብዙሓት ተጠቀምቲ ኣለውወን።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ሞንጐ ውልቀሰባት፣ ሕብረተሰብን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዘሎ ርክባት ብምብልሻው ጎንጽን መጥቃዕትን ክዛይድ ሰፊሕ ዕድል ይፈጥሩ።

ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ብሄር ተኰር መጥቃዕታት፡ ገለ ውልቀሰባት ጎንጽን ናዕብን ዘጋድዱ መልእኽታት ጠጠው ክብሉ ይጽውዑ ኣለው።

 ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ ኣብ ቀረባ ዝተፈትሐ ኣቦ መንበር ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ጃዋር መሓመድ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ብምኻድ ምስ ኢትዮጵያውያን ይመያየጥ ኣሎ።

እቲ ፖለቲከኛ ኣብ ዘመሓላልፎም መልእኽቲ፡ ኢትዮጵያውያን ብመገዲ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓድሕድ ምቅትታል ካብ ምስባኽ ክቑጠቡ ይሓትት።

ጃዋር፡ “ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ትግራዋይ ዝፍጸም ቅትለት ጠጠው ይበል ምባል ዝተለምደ ኰይኑ ኣሎ። እወ ጠጠው ይበል! ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዝፍጸም ቅትለት ጠጠው ኣቢልካ ሞት ኣምሓራ ክቕጽል የብሉን። ናይ ኣምሓሩ ሞት ጠጠው ኣቢልካ ሞት ተጋሩ ክቕጽል የብሉን፡” ይብል።

ንሱ ወሲኹ፡ “ኦሮሞ ይመውት እንተሃልዩ፡ ኣምሓራይ ይመውት እንተሃልዩ፡ ትግራዋይ ወይ ጉሙዝ ይመውት እንተሃልዩ፡ መን’ዩ ዝቐትል ዘሎ? ንሓድሕድና ንቀታተል ኢና ዘለና ማለት’ዩ፡” ኢሉ።

እቲ ኣቦ መንበር፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብዩትዩብ ንዝረኽቡዎ ገንዘብ ክብሉ እቲ ህዝቢ መጥቃዕቲ ንኽፍጽም ካብ ምጉስጓስ ክቝጠቡ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

“ምንም ዘይፈልጡ ህጻናትን ኣዴታትን እዮም ዝሃልቑ ዘለው” ይብል።

ካርታ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተሓታትነት ማሕበራዊ ሚዲያ

ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ልዕሊ 120 ሚሊዮን’ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ዕድሚኦም ካብ 13 ክሳብ 24 ዓመት ዝዀኑ 24 ሚእታዊት’ዮም።

ዳታ ሪፖርታል ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣስታት 30 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን፡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ከም ዝዀኑ ይሕብር።

እዚ ቝጽሪ ዓመታዊ ይዓቢ’ዩ ዘሎ። ኣብዚ ዓመት [2022] ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝርግሐ ኢንተርነት 25 ሚእታዊት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ከም ሮይተርስ ዝኣመሰሉ፡ ቑጽሪ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ዘጽንዑ ትካላት፡ ፈይስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ቍጽሪ ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2021፡ ቍጽሪ ተጠቀምቲ ፈይስቡክ ሸውዓተ ሚሊዮን ምዃኑ ይገልጹ። እዚ ማሕበራዊ ሚዲያ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ንጎንጺ ዘተባብዑ መልእኽታት ክቈጻጸር ኣይክኣለን ዝብል ከቢድ ነቐፌታ ይቐርበሉ።

ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ብኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ፈይስቡክ፡ ጐንጺ ዘለዓዕል ትሕዝቶ ዘለዎም መልእኽታት ርእዮም ንላዕለዎት ሓለፍቶም እንተፍለጡ’ውን፡ እቲ ትካል ስጉምቲ ኣይወሰደን ክብሉ ወግዓዊ ክሲ ኣቕሪቦምሉ’ዮም።

ፈይስቡክ፡ ኢትዮጵያ ሓደጋታት ግጭት ካብ ሞንጐ ዘንጸላለወን ሃገራት ኢሉ’ኳ እንተሰርዓ፡ ከምዚኦም ንዝበሉ መልእኽታት ዝቈጻጸር ኣካል እቲ ኩባኒያ ግን ተራኡ ብግቡእ ኣይፈጸመን ዝብል ተደጋጋሚ ነቐፌታ ይበጽሖ’ዩ።

ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ዕጡቓት ጭካነ ዝመልኦም ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ኣብ ፈይስቡክ ይጥቅዑ ከም ዝነበሩ ገሊጹ ነይሩ።

ንኩባኒያ ሜታ ትሰርሕ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃውገን ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ቀሪባ፡ ፈይስቡክ ኣብ ከም ኢትዮጵያን ሚያንማርን ዝበላ ሃገራት የፍርስ ኣሎ ክትብል ተዛሪባ። እዚ ዜና ብብዝሒ ምስተቓልሐ ፈይስቡክ ስጕምታት ክወስድ ከም ዝጀመረ ገሊጹ።

ንኣብነት፡ እቲ ትካል ኣብ ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ልዕሊ 92 ሽሕ ትሕዝቶታት ፈይስቡክን ኢንስተግራምን ስጉምቲ ከም ዝተወስዶም ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ድማ “ኣብ ግብጺ ዝመደበሮም፡ ንኢትዮጵያ ዒላማ ዝገበሩ" ዝበሎም ገጻት ከም ዝዓጸወ ገሊጹ’ዩ።

ይዅን’ምበር፡ ፈይስቡክ ዝወስዶም ስጕምታት እኹላት ኣይኰኑን፤ ሕጂ’ውን ብዙሓት ተጠቀምቲ ጎንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታት ብዘይዓጋቲ የሕልፉ ኣለው ዝብሉ ቅሬታታት ይስምዑ’ዮም።

ሜታ ብኸመይ’ዩ ስጕምቲ ዝወስድ?

ሜታ፡ ከም ፈይስቡክን ኢንስተግራምን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ጎዳእቲ መልእኽታት ንኸይሓልፍ ኣበርቲዑ ከም ዝሰርሕ ይገልጽ።

እቲ ትካል ነዚ ዝሰርሑ ትካላት ቘጺሩ’ዩ። ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ማእከሉ ዝገበረ ሳማ ሶርስ ዝተባህለ ትካል፡ ትሕዝቶ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፡ ትግርኛን ኦሮምኛን ዝመሓላለፉ መልእኽታት [content moderation] ይቈጻጸር።

ሽማ ክግለጽ ዘየፍቀደት ሰራሕተኛ እዚ ትካል፡ ብፍላይ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ብፈይስቡክ ዝመሓላለፉ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ከም ዝወሰኹ ትዛረብ።

“80 ሚእታዊት ትሕዝቶ እቶም ቍጽጽር እንገብረሎም መልእኽታት፡ ጎንጺ ዘለዓዕሉን ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ዝሓዙ መልእኽታት እዮም” ትብል።

ፈይስቡክ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ትሕዝቶ ዝመዝኑን ዝቈጻጸሩን ትካላት እንተሃለውዎ’ውን፡ እቲ ብሰለስቲኦም ቋንቋታት ዝሰርሕ ትካል 'ሳማ ሶርስ'፡ ነዚኦም ናይ ምቍጽጻር ዓቕሚ ከም ዘይብሉ እታ ወሃቢት ርእይቶ ተረድእ።

ፈይስቡክ፡ ‘ሪፖርት’ ክግበረሉ እንከሎ ጥራይ መልእኽታት ከም ዝቈጻጸር ይግለጽ።

መንግስቲ እንታይ ይሰርሕ ኣሎ?

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ኔትዎርክ ሓበሬታ [ኢንሳ] ዶክተር ሹመቴ ግዛው ነዚ ምላሽ ኣለዎ።

ኢትዮጵያ ኣካል ዓለምለኻዊ ዲጂታላዊ ማሕበረሰብ ከም ምዃና መጠን፡ ግዳይ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝዝርግሑ ግጉያትን ጐንጺ ዘለዓዕሉን መልእኽታትን ኰይና እያ ይብል።

በዞም መገዲታት ዝመሓላለፉ መልእኽታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ንዝለዓሉ ግጭታትን ንዕኡ ስዒቦም ዝበጽሑ ዘለው ምዝንባልን ምጥፋእ ህይወት ሰብን እጃም ከም ዘለዎም ዶክተር ሹመቴ ግዛው ተዛሪቡ።

እዚ “ንኢትዮጵያ ስግኣት’ዩ” ዝብል እቲ ዳይሬክተር ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ዘለው ግጉያትን ጐንጺ ዘለዓዕሉን መልእኽታት ንምቍጽጻር ዝሰርሑዎም ስርሓት ምህላዎም ይጠቅስ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝተዋፈሩ መነ መን’ዮም? እቲ ዝጥቀምሉ ኣካውንት እንታይ’ዩ? ዝብሉ ብምፍላይ ትኽክለኛ ዘይኰነ መረዳእታ ሒዙ መልእኽታት ዝዝርግሕ ኣካል ናብ ሕጊ ክቐርብ ከም ዝግበር የረድእ።

ናይ ሓሶት ኣካውንታት ስለ ዝበዝሑ፡ ኣብቶም ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝግዝኡሎም መትከላት መሰረት ክዕጸው ወይ ክእገዱ፣ እቶም ዝሓዙዎም መልእኽታት ክወርዱ ወይ ክጠፍኡ ምስቶም ኩባንያታት ቴክኖሎጂ [ጉግልን ፈይስቡክን] ብሓባር ከም ዝሰርሑ’ውን ዶክተር ሹመቴ ይገልጽ።

“ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እንርእዮም ሰባት ተኸፈልቲ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም [ንኣብነት ዩትዩብ]። እዚኦም ብዛዕባ ምጥማይ ተጋሩ፣ ምጉስቛል ኦሮሞ ወይ ሞት ኣምሓሩ ኣይግድሶምን። እኳ ደኣ ንህዝቢ ኣጋጭዮም ብዛዕባ ዝረኽብዎ ገንዘብ ዝጭነቑ ስለ ዝዀኑ፡ እቲ ሕብረተሰብ ነዚ ንኽፈልጥን ኣብ ፍልጠት ዝተመስረት ኣጠቓቕማ ክህልዎን ኢና ንሰርሕ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ንእከይ ተግባራት ብምውዓል ዝንቡዕ ሓበሬታን ናይ ጽልኣት ዘረባን ንምትሕልላፍ ምጥቃምን ተሓተትቲ ዝገብር፣ ግጉይ ሓበሬታን ናይ ጽልኣት ዘረባን ዝኽልክል ኣዋጅ ከም ዝወጽአ ይዝከር።

ኣብቲ ኣዋጅ ካብ ዝሰፈሩ ናይ ጽልኣት ዘረባ ብብሮድካስተ፡ ብሕትመት ወይ ብማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣገባባትን ተጠቒምካ ምትሕልላፍ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርትን 100 ሽሕ ብር ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ከም ዘስዕብ ተጠቒሱ ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ሓበሬታ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ተኸተልቲ ብዘለውዎ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተመሓላለፈ እንተዀይኑን ጉድኣት እንተወሪዱን እቲ መቕጻዕቲ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ሕጊ'ዚ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዘይጥፍኣቶም ክእሰሩ ዝገብር እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተወስዱ “ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ”፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ጐንጺ ዘለዓዕሉን ግጉያት ሓበሬታታትን ከመሓላልፍ ዝተረኽበ ናይ ፈይስቡክ፡ ትዊተርን ዩትዩብን ገጽ፡ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ይቕጻዕ’ዩ ዝብል ዶክተር ሹመቴ፡ እቲ ትካል [ኢንሳ] ከምዚኦም ዝበሉ ኣካውንታት ክእገዱ ከም ዝከታተልን ከም ዝምርምርን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሚዲያን ኮምዩኒኬሽንን ዘጽንዐት ኣብ ሞያ ሕጊ ተዋፊራ ዘላ ወይዘሮ ነጻነት ወልደገብርኤል፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዝርግሑ መልእኽታትን ምስልታትን ካብ ሞንጐ ዘተሓሳስቦም ሰባት ሓንቲ እያ።

ነዚ ድማ፡ ኣብ ሞንጐ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ዘሎ ምትፍናን ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎ ብምግላጽ “ፖለቲከኛታት ከምዚ ዓይነት ጽልእን መጥቃዕትእ ዘተባብዑ መልእኽታት ብወግዒ ክቃወሙን ክኹንኑን ኣለዎም” ትብል።

ገሊኦም፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰፊሕ ቑጽጽር ክገብር እንትብእስ ድማ ክዓጽዎ ከም ዝሓቱ እትገልጽ ወይዘሮ ነጻነት፡ ይኹን’ምበር ሰናይ ተግባራት ንምስፋሕ ነዞም ኣማራጺታት ንዝጥቀሙ ብምትብባዕ “እቶም ንኽፍኣት ዘውዕሉዎ ምድኻም ይክኣል’ዩ” ኢላ።