ኬንያ፡ ተኸፈልቲ ጸለውቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝፈጥሩዎ ዘለው 'ኲናት'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኬንያ ጸለውቲ ዝኾኑ ፍሉጣት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር፡ ኮነ ኢሎም ግጉይ ሓበሬታ ንምውዛዕ ይክፈሎም ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።
እዚ ስልቲ ምስ ቅዲ ኲናት ደባይ ውግእ ዝመሳሰል'ዩ ክትብል ነዚ ጠጠው ኣብ ምባል ኣብ ዝተወደበ ሕጋዊ ጉጅለ ኣባል ዝኾነት ተሓላቒት ትዛረብ።
ዴይሲ ኣምዳኒ ኣብ ክሲ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ክትዛረብ እንከላ "ላሕ ኢልካ ክሳብ እትደክም ኣብ ልዕሌኻ'ውን'ዩ ዝበጽሕ" ክትብል ትገልጾ።
እቲ ክብሪ ውልቀሰባት ንምጽላም ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሓት ካብዚ ጎስጓስ ክወጽኡ ከም ዝገብሮም'ውን ትዛረብ።
"ብውሑድ ሰለስተ ሰባት ብምኽንያት እቲ ዝበጽሖም ዝነበረ መድሃልትን ወፍሪ ግጉይ ሓበሬታን ዕረፍቲ ክወስዱ ተገዲዶም'ዮም" ኢላ።
ሞዚላ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ውልቀ ትካል 'Inside the shadowy world of disinformation for hire in Kenya ብዝብል ርእሲ መጽናዕቲ ኣካይዱ ኣሎ።
እዚ፡ ዘይተፈልጡ ከፈልቲ እቲ 'ቢቢኣይ' ብዝብል ዝፍለጥ ብመንግስቲ ዝድገፍ ረቒቕ ኣዋጅ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ንምሕጋዝ ዝግበሩ ጎስጓሳት ዝድግፉ ሰራዊት ኣብ ትዊተር ከም ዘዋፈሩ የርኢ።
ጉሕለት ሃሽታግ [Hashtag heist]
ብመሰረት ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ሰነ 2021 ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እዞም ውልቀሰባት ኣብ ትዊተር ብቐጥታ ጋዜጠኛታት፣ ዳያኑን ተሓለቕቲ መሰላትን ንከጥቅዑ ተኸፊሉዎም።
ትዊተር፡ ኣብዛ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዝለዓለን ኣብ ኢንተርነት ንጡፍ ዝኾነን ህዝቢ ዘለዋ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኬንያ ክፍተን ምርኣይ ሓድሽ ኣይኮነን።
ኣብ ትዊተር፡ ኬንያውያን ተጠቀምቲ ኢንተርነት ብሓፈሻ #ኮት (#KoT) ተባሂሎም'ዮም ዝጽውዑ።
እቲ መጽናዕቲ እዚ ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምውዛዕ ምንቅስቓስ ኣኽሳቢ ከም ዝኾነ የመልክት።
እቶም ፖለቲካዊ ጸለውቲ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝውደብ ጎስጓስ መዓልታዊ ካብ 10 ክሳብ 15 ዶላር ተኸፊሉዎም ከም ዝሳተፉ የርኢ።
ገለ ጸለውቲ ደረጅኦም ሓፍ ኢሉ ወርሓዊ ክሳብ 250 ዶላር ይኽፈሎም። እቲ ኽፍሊት ብቐጥታ ናብ ሞባይሎም [ኤምፔሳ] ይፍጸም።
ቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ዝገበረሎም ጸለውቲ መን ከም ዝኸፍሎም ክዛረቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።
ግን ድማ ሓደ ነቲ መጽናዕቲ ርኢይትኡ ዝሃበ ውልቀሰብ ሓሓሊፉ እቲ ገንዘብ ቅድሚ እቲ ጎስጓስ ገለ ሻብ ድማ ድሕሪኡ ከም ዝመጽእ ገሊጹ።
እቶም ብድሕሪ እዚ ጎስጓስ ዘለው ሰባት ትሕዝቶን ዝርዝር መምርሒታትን ንምልኣኽ ናይ ዋትሳፕ ግሩፕ ይጥቀሙ።
በዚ መሰረት እቶም ውልቀሰባት እቲ ዝልጥፉዎ ትሕዝቶ ብብዝሒ ኣብ ትዊተር ዝዘውር ንክኸውን [ትረንድ ዝገብር] ይገብሩ።
እቲ ዕላማ፡ እቶም 'ትረንድ' ዝገብሩ ዘለው ሓሳባት ገዛእቲ ከም ዝኾኑ ኣምሲልካ ሰባት ንምትላል ከም ዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።
እዚ ልክዕ "ዝተኸፍሎም ሰልፈኛታት ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምስታፍ'ዩ" ብምባል ይገልጾ።
ዝተዓጽው መጥቀሚታት
ትዊተር'ውን ኣብቶም ዝውዝዑ ግጉይ ሓበሬታታት መወዓውዒ ብምቕማጥ መኽሰብ ይረኽብ'ዩ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ።
ኣብ ኬንያ መወዓውዒታት ትዊተር ዝሸይጥ ኤጀንሲ ኣብቶም ትረንድ ዝገብሩ ጽሑፋት መዓልታዊ 3500 ዶላር ንክኸፍል ጠለብ ኣቕሪቡ ነይሩ ክብል እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ትዊተር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "እቲ ኣብ ጸብጻብኩም ዝተጠቕሰ ምንቅስቓስ ክፍሊት ብናጻ ኣካል ከነረጋግጾ'ኳ እንተዘይክኣልና ብውሑድ ዝተዋደዱ መጥቃሚታት ከም ዘለው ግን ከነረጋግጽ ክኢልና ኢና" ኢሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ኬንያ በቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ጸለውቲ ብዝኾኑ ዝንቀሳቐሱ 100 መጥቀሚታት ትዊተር ተዓጽዮም ኣለው።
እዚ ንፖሊሲታት እቲ ትካል ዝጥሕሱ'ዮም ብዝብል ዝተወስደ ስጉምቲ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
እንተኾነ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ፡ ንዘይሻራውነቶም ዝፈታተን ነበረ።
እዚ #AnarchistJudges፣ #JudiciaryRevenge፣ #JudicialPayback ከምኡ'ውን #Justice4Sale ብዝብሉ ናይ ትዊተር ሃሽታጋት ዝተኸፍተ ወፍሪ እዩ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምውሳኑን ድሕሪ ምውሳኑን በብክልተ መዓልቲ ብማእከላይ ሓደ ግጉይ ሓበሬታ ክውዛዕ ተገይሩ'ዩ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ ዳያኑ፡ እቲ ብ 'ቢቢኣይ' ዝፍለጥ ረቒቕ ኣዋጅ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ 'ዘይሕጋዊ፣ ዘይስሩዕን ዘይሕገመንግስታውን' እዩ ኢሎም።
ይኹን'ምበር፡ ሕጂ'ውን ዓቃቢ ሕጊ ምስ ላዕላይ ቤት ፍርዲ ኣብ ክትዕ'ዩ ዝርከብ።
እዚ ጉዳይ፡ ዝተመስርሐ ስእሊ እቶም እቲ መስርሕ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን፣ ኣበር ኣለዎ ኢሎም ዝካትዑን እቲ ምምሕያሽ ጠጠው ንክብል ዝሰርሑን ኣብ ትዊተር ብምዝርጋሕ'ዩ ጀሚሩ።
ኣምዳኒ፡ ሓንቲ ካብ ሞንጎ እቶም ምንቅስቓስ ሊንዳ ካቲባ [ብስዋሂሊ "እቲ ሕገ መንግስቲ ንሓሉ"] ስለ ዝኾነት፡ ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዝግበር ወፍሪ "ብዛዕባ ሰላም ዘይግደሱ'ዮም ኢሎም የውግዑልና" ትብል።
ወሲኻ፡ "ሃገር ንምንዓብ ብሃገራት ወጻኢ ዝተላእኹ፣ ሓላፍነት ዘይስምዖም፣ ክፉኣት፣ ረበሽቲ እዮም ዝብሉና። መብዛሕትኡ ኣብ ልዕሌና ጽልኣት ንምልዕዓል ተጠቒሞምሉ" ኢላ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ተሓለቕቲ ብቐንዲ ተቓዋሚ ቢቢኣይ ዝኾነ ምኽትል ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶ ዝምወሉ'ዮም ተባሂሎም።
ተበግሶ ምህናጽ ድልድል [Building Bridges Initiative] ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ካብ ዝነበረ ምልውዋጥ ሰላምታ ክልተ ተነሓናሕቲ'ዩ ዝብገስ።
ኣብቲ እዋን፡ ፕሬዝደንት ኡህሩ ኬንያታን ተነሓናሒኡ ራይላ ኦዲንጋን ድሕሪ ሕጂ ንመረጻ ስዒቡ ብዘጋጥም ዓሌታዊ ጎንጺ ብዙሕ ሰብ ይጉዳእ ስለ ዘሎ ካብ ዓሌታዊ ፖለቲካ ንውጻእ፣ ንሰላም ድልድል ንፍጠር ብዝብል ኢድ ንኢድ ተጨባቢጦም ነይሮም።
![ፕሬዝደንት ኡሁሩ ኬንያታን [ጸጋም] ራይላ ኦዲንጋን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/B2F4/production/_120421854_gettyimages-1185035298.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ሕጂ ቢቢኣይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ድማ፡ ኣብ መንግስታዊ መሓውር እታ ሃገር ሕጂ ዘየለ መሓውር ቐዳማይ ሚኒስተር ብምትእትታው ኣብ ሞንጎ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተርን እቲ ፕሬዝደንትን ምምቕራሕ ስልጣን ክህሉ ዝጠልብ እዩ።
እዚ እቲ ሕጂ ምኽትል ፕሬዝደንት ዘሎ ዊልያም ሩቶ ኣይቕበሎን።
ስግኣት ዴሞክራሲ
ጸብጻብ ሞዚላ ፋውንዴሽን፡ እቲ ዝውዛዕ ግጉይ ሓበሬታ ሰባት ኣብ መስርሕ ፍርዲ ቢቢኣይ ብዛዕባ ዝህልዎም ሓሳብ ጽልዋ ኣሕዲሩ'ዩ ዝብል ዝረኸቦ መረዳእታ ውሑድ'ዩ።
ይኹን'ምበር፡ እቶም ገንዘብ ዝኽፈሎም ጸለውቲ ኣገደስቲ ድምጺታት ኣብ ትዊተር ካብ ዝካየድ ክትዕ ወጻኢ ንክኸውን ገይሮም'ዮም።
ካብዚ ብዝብገስ እቶም ስቪል ተሓለቕቲ ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ መጺኦም ሓሳቦም ንምስፋር ርእሰ ምምያ ክገብሩ ተገዲዶም።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
"ኣብ ሓደ እዋን ጥዑይ ልዝባት ዝካየደሉ ዝመስል ዝነበረ መድረኽ ሕጂ ሙሉእ ንሙሉእ ተበኪሉ'ዩ" ክብል ሓደ ነጣፊ ትዊተር ጽሒፉ።
በዚ እትሰማማዕ ኣምዳኒ'ውን፡ ቅድም ኢሉ ናይ ትዊተር መጥቀሚኣ ንምጥፋእ ወሲና ከም ዝነበረት ገሊጻ።
እንተኾነ ሓላፊት ኣብ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝነጥፍ ትካል ስለ ዝኾነት ክትጸንሕ መሪጻ።
ከምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት ግን ኣብ ልዕሊ ወርሒ ነሓሰ 2022 ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ መረጻ ሳዕቤን ከየሕድሩ ይስጋእ።
ቅድም ኢሎም ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ዋጋ ዝተኸፍሎም ጎንጺታት ተራእዮም'ዮም።
ትዊተር ግን፡ ኣብታ ሃገር ዝሓሸ ፖለቲካዊ ክትዕ ንክካየድ ዘኽእል ባይታ ዘመቻችአ ነይሩ።
ትዊተር "እቲ ሕጂ ዝርኣይ ዘሎ ሕመቕ ኣብቲ መድረኽ ክጣጥሕ ብምፍቓዱ ኣብ ኢዱ ደም ክህልዎ ይኽእል" እዩ ክብል የጠንቅቕ።
ክኢላ ማሕበራዊ ሚዲያ ሳሙኤል ካማኡ ነገራት ከም ዝተቐየሩ ይምጉት።
"ኣብ መጀመርታ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ምሕዋይ ዴሞክራሲ ተራ ተጻዊቱ። ድሕሪ ግዜ ግን ሰባት በዚ ኣቢሎም ኣተሓሳስባ ሰባት ክጥምዝዙ ከም ዝክእሉ ተማሂሮም። እቲ ሕቶ ሕጂ ማሕበራዊ ሚዲያ ንዴሞክራሲ ጽቡቕ ድዩ ዝብል'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሓደ ካብ ጽሓፍቲ እቲ ጸብጻብ ብሪያን ኦቢሎ፡ ትዊተር ኣብ ከም መረጻ ዝበሉ ዓበይቲ ፍጻሜታት ብዝሒ ዝዘዋወሩ ጽሑፋት ጠጠው ክብሉ ምግባር ሓደ መፍትሒ'ዩ ይብል።
ብተወሳኺ "ትዊተር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾነ ዛዕባ ገዛኢ ርእሲ ቅድሚ ምዃኑ ዘመምዩ ሰባት ክቖጽር ይኽእል" ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







