ካብ ዩቲዩብ ኣብ ወርሒ ካብ 30 ሽሕ ክሳብ 220 ሽሕ ብር ዝረኽቡ ኢትዮጵያውያን ዩቲዩበራት

ዊንታና ይልማን ሚኪያስ ተኽለማርያምን

ዩቲዩብ ንዘኽብሮ የኽብር። ግዘን ሓሳቦምን ሂቦም "ስረሐይ ኢሎም" ብትግሃት ቪድዮታት ንዝሰርሑ ሰባት ከይወዓለ እንከይሓደረ 'በረከት' ሒዝሎም ይመፅእ። ንገሊኦም ብሚልየን ዝቑፀር ዶላር ይኸፍል።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ ዩቲዩብ ራያን ካጂ ንዘተብሃለ ሰገን 29.5 ሚልየን ዳላር (ብእዋናዊ ሸርፊ ልዕሊ 1 ቢልየንን 305 ሽሕ ብር) ከፊሉ። እዚ ሰገን ናይቲ ዓመት ናይ ዩቲዩብ ልዑል ተኸፋሊ እንትኾን፡ ንዕኡ ስዒቡ ጂሚ ዶናልድሰን ዝተብሃለ ካልእ ዩቲዩበር ከኣ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት 24 ሚልየን ዳላር (ልዕሊ 1 ቢልየን ብር) ካብ ዩቲዩብ ረኺቡ።

ዝኾነ ኾይኑ ክልቲኦም ዩቲበራት ኣብቲ ዓመት ዝረኸብዎ ኣታዊ፡ ኣብ 2014 ዓ.ም ንከተማ ሃዋሳ ምስ ዝተመደበ ባጀት ዝመዓራረ እዩ́።

ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ዩቲዩብ ንብዙሓት መመሓደርን ፍልፍል ኣታውን ይኸውን ኣሎ።

ኢትዮጵያውያን ካብ ዩቲዩብ እንታይ ተጠቒሞም?

ሚኪያስ ተኽለማርያም ይበሃል። ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት'ዩ ሚኪ ማይኮ ብዝብል ስያመ ናብ ዩቲዩብ ተፀንቢሩ።

ሚኪያስ ተኽለማርያም፣ ሚኪ ማይኮ

ምንጪ ስእሊ, Mikiyas TekleMariyam

ቅድም ኢሉ'ውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጥበብ ናይ ምስራሕ ድሌት ዝነበሮ ሚኪያስ፡ ኣብ እንዳ ኢንተርኔት ተቖፂሩ ይሰርሕ ብዝነበረ መሓዝኡ ኣቢሉ፡ ዩቲዩብ ናይ ምዕዛብ እድል ተፈጢርሉ። እዚ ዕድል፡ ኣብ ዩቲዩብ ዝና ዘትረፉ ናይ ሃገራት ወፃኢ ዩቲዩበራት ንኽከታተልን ንሱ'ውን በዚ መድረኽ ኣቢሉ ስራሕ ክጅምር ደሪኽዎ፤ ናይ ዩቲዩብ ቻነል ድማ ኸፊቱ።

ካብኡ ካሜራ ብምክራይ" ምስ መሓዙቱ ኮይኑ ናይ 10 ደቒቓ ድራማ ሰሪሑ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ቻነሉ ቪድዮ ፀዓነ። ይኹን'ምበር እዚ ቪድዮ ብዙሕ ተመልካቲ ኣይረኸበን። በዚ ኩነታት ተስፋ ዘይቆረፀ ሚኪያስ ካልእ ናይ 'ፕራንክ' ቪድዮ ብምስራሕ ይፅዕን። "ንሱ ዝሐሸ ተመልካቲ ኔርዎ። ማለት 50 ወይ 60 ተመልካቲ ኔሩ" ብምባል ይዝክር።

ብኸምዚ መገዲ ስርሑ ዝቐፀለ ሚኪያስ፡ ናይ ቪድዮታቱ ተመልካቲ ቀስ ብቀስ ብምውሳኽ፡ ዛጊድ ዝሰርሖም ቪድዮታት ብሓፈሻ ልዕሊ 43 ሚልየን ግዘ ተራእዮም።

ናብ 485 ሽሕ ዝፅጋዕ 'ሰብስክራይበር' (ተኸታሊ) ረኺቡ። እዚ ብድምሩ ክሳብ 5 ሚልየን ብር ንኽረክብ ኣኽኢልዎ።

ካብ ዩቲዩብ ብዙህ ረብሓ ረኺበ'የ ዝብል እቲ ዩቲዩበር፡ ኣብ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ሓሙሽተ ቪድዮታት ብምስራሕ የመሓላልፍ።

ካብዚ ብዝረኽቦ ገንዘብ ድማ፡ "ብፅቡቕ ኩነታት" ናብርኡ ይመርሕ ኣሎ። ዩቲዩብ ብነፃነት ዝደልዮ ንክሰርሕ ዕድል ሂቡኒ፤ ንዓይ እዚ ምርካብ እቲ ዝዓበየ ረብሓ'ዩ። ካብዚ ወፃኢ ካብ ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያ ብዝሐሸ ገንዘብ ይኸፍል'ዩ። እዚ ድማ ንባዕለይ ክሕግዝን ክልውጥን ኣኽኢሉኒ"ብምባል የረድእ።

"ካብ መወዓውዒ ወፃኢ ኣብ ወርሒ ካብ ኣርባዕተ ሽሕ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ዳላር (ብእዋናዊ ሸርፊ 220 ሽሕ ብር) ከምዝረክብ ዝዛረብ ሚኪ ማይኮ፣ ካሜራ ተኻርዩ ዝጀመሮ ስራሕ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልተ ዘበናዊ ካሜራ ሓዊሱ ሙሉእ ናውቲ ክውንን ኣኽኢልዎ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ፡ ንሸሞንተ ሰባት ቆፂሩ የስርሕ ኣሎ።

ዊንታና ይልማ

ምንጪ ስእሊ, Wintana Yilma

ዊንታና ይልማ ድማ፡ ኣብ ኣተዓባብይኣ ዝረኣየቶን ክእረም ይግባእ ኢላ ዝሓሰበቶ ልምዲ ንምቕያር ብምባል ኔራ ናብ ዩቲዩብ ዝተፀንበረት። ኣብ ፍቕሪ፣ ሓዳርን ርክብን ብግልፂ ምዝታይ የድልይ ኢላ ትኣምን ዊንታና፡ እዚ ማሕበራዊ መድረኽ ነዚ ዕድል ሂብዋ።

"ናተይ ስድራ ቖልዑ እንከለዉ'ዮም ሓዳር ጌሮም፣ ምስትውዓል ስለዘይብሎም'ዩ እውን እመስለኒ ብዙሕ ግዘ ክፃልኡ እየ ዝርእዮም።.... ተምሃሪት ሃይስኩል (ካልኣይ ብርኪ) እንከለኹ፡ ኣቦይን ኣደይን ተፈላልዮም። .... ብጣዕሚ ሕማቕ ሂወት ኢና ኣሕሊፍና፡ ንሶም ስለዝተፈላለዩ .... ዝመርሐና ኣይነበረን። ካብዚ ግዘ ጀሚሩ (ኣብ ጉዳይ ፍቕርን ሓዳርን) ንምስራሕ ኣብ ውሽጠይ ኔሩ" ትብል ዊንታና፡ ኣብ ጉዳይ ስድራ ብትኹረት ክስራሕ ይግባእ ትብል።

"እዚ ሱቕ ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን። ትውልዲ ዝቕረፀሉ'ዩ። .... ስለዝኾነ ነዚ ስራሕ ክሰርሕ ዝደረኸኒ፡ ናይ ባዕለይ ሂወት፣ ናይ ስድራይ ሂወት'ዩ" ትብል።

በዚ ተበጊሳ፡ ኣብ ሓደ ዩቲዩብ ቻነል ተቖፂራ፡ ኣብ ጉዳይ ምሕዝነት፣ፍቕርን ሓዳርን ተቖፂራ ዝሰርሓቶም ቪድዮታት ብሚልየን ዝቑፀር ተመልካቲ ክትረክብ ኣኽኢልዋ። ነዞም ቪድዮታት ምስተዳሉ፡ ወናኒ ናይቲ ትሰርሐሉ ዩቲዩብ ቻነል ኣብ ወርሒ 10 ሽሕ ብር ይኸፍላ ኔሩ።

ዊንታና ዩቲዩብ እንትትሰርሕ ዘጋጠማ ብድሆ ካብ ናይ ሚኪያስ ዝተፈለየ'ዩ። ዋላ'ኳ ቪድዮታታ ፅቡቕ ተመልካቲ እንተነበሮም፡ ነቲ ስራሕ ክትገድፎ ዝዕድሙ ርኢቶታት ይበፅሕዋ ኔሮም። ገሊኦም ርኢቶታት "ንሞራላ ከይትንክፉ" ብምጥንቃቓ ናብዚ ሕዚ ዘለቶ ብርኪ ንክትበፅሕ ምኽንያት ከምዝኾነ ትዛረብ።

ኣብ ትሰርሐሎም ጉዳያት ብምንባብን ናይ ሰባት ልምዲ ብምሕታትን እኹል ምድላው ከምትገብር ትዛረብ ዊንታና፡ ቁፅሪ ተመልከትቲ ናይ ትሰርሖም ቪድዮታት ዋላ'ኳ እንተወሰኸ፡ መሃይኣ ግና ከምዘይወሰኸ ተረድእ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ኣጋጣሚ ናይ ባዕላ ናይ ዩቲዩብ ቻናል ክትኸፍት ሓጊዝዋ።

ንኽልተ ዓመታት ዝሰርሐትሉን ንዓወታን ተፈላጢት ንክይኸውን ምኽንያት ኮይኑኒ ኢላ ብምግዳፍ ናይ ባዕላ ዩቲዩብ ካብ ትኸፍት ክልተ ወርሒ ኣቑፂራ፤ ኣብዚ ግዘ ልዕሊ 19 ሽሕ ሰብስክራይበር 750 ሽሕ ጠቕላላ ተመልካቲ (ቪው) ረኺባ።

ዊንታና'ውን ከም ሚኪያስ፡ ብነፃነት ምስራሕን ሰፊሕ ናይ ስድራ ግዘ ምሕላፍ ካብ ዩቲዩብ ዝረኸበቶ ረብሓ'ዩ።

"ካብ 10 ሽሕ ናብ 30 ሽሕ ብር በፂሐ .... ካብ ዝጅምሮ ገና ክልተ ወርሐይ'ዩ እናዓበኹ ከምዝኸድ ርግፀኛ እየ" ትብል።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ናይ ሰባት ሂወት ለውጢ ክትፈጥር ከምዝኸኣለት ብምግላፅ፡ "ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቲ ሓደ ብጣዕሚ ኢኺ ሓጊዝክኒ እንተይሉኒ፡ ብጣዕሚ እሕጎስ። ንሱ'ዩ ዕላማይ። ኣነ ዝፈልጦ፡ ፅቡቕ ዝመስል ኣብ ውሽጢ ግና ዝፈረሰ ስድራ ኣሎ። ኣብኡ ክበፅሕ ምኽኣለይ ደስ ዝብል'ዩ.... ምስ መፃምደይ ክፈላለ ኢለ ኔረ፡ ናህትኪ ቪድዮ ምስ ረኣኹ ተመሊሰ፡ ዝብል ሰብ ክረኽብ ከለኹ ብጣዕሚ እሕጎስ። ካብዚ ንላዕሊ ዓወት እንታይ ኣሎ?" ብምባል ትሓትት።

ኣብ ዩቲዩብ ብኸመይ ዕዉት ምዃን ይከኣል?

"ኣነ ኣብዚ ዝበፃሕኹ፡ ብፅንዓት ስለዝሰራሕኹ እመስለኒ.... ብተኸታታሊ ብዘይ 'ቪው' እየ ሰሪሐ። ነዊሕ እዋን እንክሰርሕ ዩቲዩብ ኣይኸፈለንን ኔሩ። ምኽንያቱ ናይ ዩቲዩብ ሕጊ ክሕሉ ኔሩኒ። ዩቲዩብ ኣርባዕተ ሽሕ ናይ 'ተመልካቲ' ሰኣት ዝብሎ ነገር ኣሎ።ንሱ ክሳብ ዝመልእ፡ ብትግሃት ሰሪሐ'የ" ዝብል ሚኪያስ፡ ኣብ ዩቲዩብ ውፅኢት ንምርካብ፡ ፈላማይ ቁልፊ ፅንዓት ምዃኑ ይገልፅ።

"ፈለማ ናይ ዩቲዩብ ስራሕ ንምስራሕ፡ ባዕልኻ ምፍላጥ'ዩ። ክንሰርሖን ክነመሓላልፎን ንደልዮ ነገር ክንፈልጥ ይግባእ። ናህተይ ድሌት ናይ ውሽጠይ እንተዘይኾን ኔሩ፡ ነቶም ፈተናታት ኣይምሓለፍክዎን። ብዙሓት ፈተናታት ንክንሓልፍ ዝገብረና፡ ሓቀኛ ድሌትና እንተኾይኑ'ዩ" ትብል ዊንታና።

ከም ሚኪያስ ዙርያና እንተድኣ ተዓዚብና፡ ኩሉ ነገር ንናይ ዩቲዩብ ቪድዮ እታወት ክኾን ይኽእል።

"ሓንቲ ኣደ ካብ ስራሕ መፅያ፡ ብኸመይ ንውላዳ ከምትሕብሕብ፣ ንስራሕ ክትከይድ፡ ንውላዳ እንታይ ኣዳልያ'ያ ትኸድ? ነዚ ምርኣይ ዝደሊ ተመልካቲ እኮ ኣሎ። ....መኸምበቲ ህንፃ ዝሰርሑ መናእሰይ ዩቲዩብ ተወሳኺ እቶት ምግባር ይኽእሉ'ዮም። ሓደ ገዛ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ዘሎ ልፍዓት ኩላትና ክንርእዮ ንደልይ ነገር እዩ። ህይወት ኩሉ ምስ ዩቲዩብ ምርኻብ ንኽእል ኢና" ይብል።

ዊንታና ድማ፡ ዩቲዩብ ብትግሃት ንዝሰርሑ ከምዘበረታትዕ ብምግላፅ፡ ዝፀዓኑ ቪድዮታትን ቁፅሪ ተመልካቲኦምን ብዝወሰኸ ቁፅሪ ዝርከብ ገንዘብን ረብሓን 'መቋረፂ' ስለዘይብሉ ተዋዳዳራይ ሓሳብ ሒዝካ ምምፃእ ከምዘድልይ ትገልፅ።

ኣብ ዩቲዩብ ዝፀዓኑ ቪድዮታት ውፅኢታውያን ንምግባር

ቅድሚ ዓመታት በዓልሞያ ስልጠና ሚድያ ፒት ዋልተር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ኣብ ዩቲዩብ ዝፀዓኑ ቪድዮታት ውፅኢታዊ ንምግባር ዝሕግዙ ነጥብታት ኣቐሚጡ'ዩ።

እቲ ፈላማይ ጉዳይ ናይ ተመልካቲ ሰዓት (watch time) እዩ። እሞ ከም ኣገላልፃ ዋልተር፡ ኣብ ዩቲዩብ ልዕሊ 'ቪው'፡ ተመልከትቲ ነቲ ዝተፅዓነ ቪድዮ ንኽንደይ ግዘ ርእየሞ ዝብል ወሳኒ'ዩ።

ነዚ ኣብነት እንተቕምጥ፡ ሓደ ብካሊእት ዝቑፀር ናይ ምርኢት ግዘ ዘለዎ ግና ሓደ ሽሕ ግዘ ዝተርኣየ ቪድዮ፡ 100 ግዘ ምስዝተርኣየ ግና ናይ ሓደ ደቒቓ ናይ ምርኢት ሰዓት (watch time) ምስዘለዎ ቪድዮ ዝነኣሰ ክኾን ይኽእል'ዩ። ስለዚ ዋላ'ኳ ዝተፈለየ ሕጊ እንተዘይተቐመጠ፡ ናይ ምርኢት ግዘ ንምውሳኽ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ደቒቓ ዝንውሓቱ ሰሓብቲ ቪድዮታት ምስራሕ፡ ውፅኢታዊ ንምዃን የኽእል'ዩ ይብል።

እቲ ካልእ ርእሲ ወሳኒ ጉዳይ'ዩ። ንተመልከትቲ ክስሕብ ዝኽእልን ነቲ ቪድዮ ዝገልፅን፣ ካብቲ ቪድዮ ዝተወሰደ ሓሳብ ዝሓዘ ሓረግ ወይ ከኣ ካልእ ርእሲ ብዙሕ ተመልካቲ ንምርካብ የኽእል።

ካብ ተደጋጋሚ ዓይነት ርእሲ ምቑጣብ ኣድላይ ከምዝኾነ ዝገልፅ እቲ በዓልሞያ፡ ርእስን ትሕዝቶ እቲ ቪድዮን ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ ንተመልካቲ ዘሰሓሕት እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣዝዩ ክጎድእ ከምዝኽእል ይሕብር።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ነቲ ቪድዮ ዝገልፅን ካብኡ ዝተወሰደን ሰሓቢ ምስሊ (Thumbnail) ምጥቃም፡ ተመልከትቲ ነቲ ቪድዮ ንክርእዩ ከምዝሕግዝ ይገልፅ። እዚ ናይ ዩቲዩብ ተመልከትቲ መስሓቢ መገዲ፡ ነቲ ትሕዝቶ ዝገልፅ ፅሑፍ ንምውሳኽ ከምዝሕግዝ ዝሓበረ እንትኾን፡ እዚ ድማ ትሕዝቶ እቲ ቪድዮ ብሓፂርን ብቕልጣፈን ናብ ተመልካቲ ንምብፃሕ ይሕግዝ። እንተኾነ፡ ከም ርእሲ ዘሰሓሕት Thumbnail ምጥቃም ይጎድእ'ዩ።

ፒት ዋልተር እቲ ዝተሰርሐ ቪድዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መድረኻት ምብፃሕ ዝብል መዛዘሚ ሓሳብ የልዕል።

"ልምዲ ኣጠቓቕማ ዩቲዩብ ንዘይብሎም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ንምርካብ፡ ካብ ዩቲዩብ "ውፅእ ኢልካ ምብፃሕ" የድልይ ይብል።

ማእኸል እቲ ስራሕ ግና፡ ንተጠቀምቲ ክስሕብ ዝኽእል ቪድዮ ብተኸታታሊ ብትግሃት ምስራሕ ከምዝኾነ እዮም እቶም ዩቲዩበራት ዝገልፁ።

ዊንታና ንመፃኢ ቅድም ኢላ ትሓስቦ ዝነበረትን ምስ ውላዳ ትሰርሖን ህፃናት ማእኸል ዝገበሩ መፅሓፍቲ፣ ሙዚቃታትን መደባትን ናይ ምቕፃል ትልሚ ኣለዋ።

ሚኪያስ ድማ ኣብ ሰናይ ስራሕቲ ዝጀመሮም ተግባራት ኣጠናኺሩ ናይ ምቕፃል ሓሳብ ኣለዎ። ካብ ሰሙናዊ መደባቱ ሓደ ዝኾነን '30 ሰከንድ' ዝተሰመየ መደቡ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንዝተፀገሙ ሰባት ሓገዝ ዝረኽብሉ'ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ነዚ ሓሳብ ብምዕባይ 'የኔ ሰው' (ናህተይ ሰብ) ዝብል ትካል ሰናይ ምግባር ከፊቱ'ዩ። እሞ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብምኻድ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘይተርኣዩ ርእሰ ጉዳያት ኣድሂቡ ንምስራሕ ትልሚ ዘለዎ እንትኾን፡ ምስ ሰናይ ተግባር ብምትእስሳር ንምስራሕ ይትልም።

መግለጺ ቪድዮ, ዊንታና ይልማ፡ ካብ ተኸታታሊት ዩቲዩብ ናይ ባዕላ መደባት ናብ ምድላው