ጉግል ብዛዕባኹም ብዙሕ ይፈልጥ፤ ንስኹም ከ ብዛዕባ ጉግል እንታይ ትፈልጡ?

ኣብ ካሊፎነያ ዝርከብ ቤትጽሐፈት ጎግል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጉግል መበል 20 ዓመቱ የብዕል ኣሎ። በዚ ምኽንያት ብዛዕባ ጉግል ምናልባት ዘይትፈልጥዎ 10 ነጥብታት ቀሪብና ኣሎና።

ሂወትኩም ቅድሚ ጉግል ከምይ ከምዝነበረዶ ሓሲብኩም ትፈልጡ? ሓደ ሓበሬታ ብቅልጡፍ ምስ እትደልዩ ንመን ትውከሱ ኔርኩም?

ዝኾነ ነገር ምስ እትደልዩ፥ ቤትመግቢ ክኽውን ይኽእል፡ ፈለግ፡ ፍሉጥ ሰብ ወይ'ውን ካልእ ነገር ናብ ጎግል ከፊትኩም ምፍታሽኩም ኣይክተርፍን እዩ።

ጉግል ኣብ ነብሲ ወከፍ ካልኢት 40 ሽሕ ዝኸውን ከምዚ ዓይነታት ሕቶ ይቀርቦ፤ እዚ ብምዓልቲ ክረአ እንከሎ ልእሊ 3.5 ሚልዮን ኣቢሉ ከምዝበጽሕ ጸብጻብ ፎርብስ ይሕብር።

ካበዚኦም፡ 'planet earth' እቲ ዝበዝሐ ብተጠቀምቲ ጉግል ዝድለ ሓረግ ኮይኑ ንረኽቦ።

ጉግል ዘይሓዞ ሓበሬታ የሎን፤ መወዓዉዒ ድዩ፡ ናይ ቢዝነስ ዉጥናት ከምኡዉን ናይ ሰባት ውልቃዊ ሓበሬታ ከዚኑ ይርከብ።

ክሳብ ክንደይ ኢና ግን ብዛዕባ ጉግል ንፈልጥ?

እቲ ሓቂ እነሆ፤ ሓበሬታ ደሊኹም ናብ ጉግል ክትዉከሱ ከለኹም፡ ጉግል ድማ ብዛዕባኹም ሓበሬታ ይእክብ ኢዩ።

እምበኣር 'ከምዚ ኸ ኣሎ ድዩ?' ከብሉኹም ዝኽእሉ ዓሰርተ ሓቅታት እነሆ።

1. ስም

ምልክት ጎግል ጎሊሑ ክረአ እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጉግል እንታይ እዩ?

ጉግል 'Google' ጌጋ ኣጸሓሕፋ ናይ ቁጽሪ 'googol' ኮይኑ፡ ትርጉሙ ከኣ ንቁጽሪ ሓደ ብድሕሪኡ 100 ዜሮታት ምስ ወሰኽናሉ ዝውሃቦ ስያመ እዩ።

ቀደም ነቲ ቅኑዕ ኣጸሓሕፋ ጉጎል ብጌጋ ጉግል ይጽሕፍዎ ሰለ ዝነበሩ መሓዝቱ ድማ ነዚ ክጥቀሙ መረጹ።

2. ባክራብ 'Backrub'

ኣብ ባሊ ኣብ ደገ ዝተነጸፈ ምንጻፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነ ሰርጌ ብሪን፡ ኣብ ፈለማ ባክራብ ማለት መድረዚ ሕቖ ዝብል ስም'ዩ ሂብዎ ነይሩ።

እቲ ምኽንያት ድማ፡ ሰባት ኣብኡ ዝረኽብዎ ሓበሬታ ኣብኡ ካብ ዝሰፈሩ ካልኦት መርበብ ሓበሬታት ዝርከብ ስለ ዝኾነ ኢዩ።

ድሒሩ ግና ነቲ ስም ክቕይሩ ተገዲዶም ኢዮም።

3. ዝቐነነ

"askew" ኢልኩም ኣብ ጉግል ክትእልሹ ከለኹም፡ እቲ ገጽ ይቐንን
መግለጺ ስእሊ, ኣይትሰከፉ፡ እቲ ጸገም ኣብቲ ስእሊ'ዩ

ጉግል መዛነዪ ትሕዝቶታት እዉን ኣለዎ።

ኣብ ጉግል "askew" ዝብል ቃል እንታሊሽኩም፡ እቲ ዝመጸኩም ዉጽኢት ረኣይዎ።

4. ኣጣል

ክልተ ኣጣል ምስ በሩህ ሰማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ሳእሪ ብወገን ጉግል ሓምላይ ኢዩ።

ጉግል ንሓምላይ ተበግሶ ከምዝድግፍ'ዩ ዝገልጽ፡ በዚ ድማ'ዩ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝረከብ ሳዕሪ ኣብ ክንዲ ብዓጻዲት መኪና ብኣጣል ከም ዝብላዕ ዝገብረ።

ግዝኣት ካሊፎርንያ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ጉግል፡ ከባቢ 200 ዝኾና ኣጣል ነቲ ሳዕሪ ክበልዓ እንተ ርኣኹም፡ ኣጣል ናይ ዘፍሪ ሓረስታይ ቀጽሪ ከይመስለኩም።

እተን ኣጣል ናይ ጉግል ኢየን።

5. ኣብ ምዕባይ ዝርከብ ትካል

ምልክታት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተለጠፎም ትርብዒታት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትጥቀምሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብመን ከም ዝዉነን ዶ ትፈልጡ?

ካብ 2010 ንደሓር፡ ኣብ ርእሲ ጂመይል፡ ጉግል ማፕ፡ ጉግል ድራይቭን ጉግል ክሮምን፤ ጉግል በብእዋኑ ዝተፈላለዩ ናይ ተክኖሎጂ ኩባንያታት ክዕድግ ጸኒሑ ኣሎ።

ምናልባሽ ዘይፈለጥኩም እንተኾንኩም፡ በኣል ኣንድሮይድ፡ ዩቲዩብ፡ ዌዝ፡ ከምኡዉን ኣድሰንስን ካልኦት 70 ኩባንያታትን ብጉግል ይዉነኑ።

6. ዱድል

ተማሃሪ 7ይ ክፍሊ፡ ርያን ሸያ፡ ኣብ ሚያዝያ 29 2014 ንጉግል ዘዳለዎ ዱድል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተማሃሪ 7ይ ክፍሊ፡ ርያን ሸያ፡ ኣብ ሚያዝያ 29 2014 ንጉግል ዘዳለዎ ዱድል

ዱድል ዝተሰምየ ናይ ዉድድር መድረኽ፡ ኣሜሪካ ዝርከቡ ተማሃሮ ካብ ምልክት እቲ ትካል ተበጊሶም ዝተፈላለየ ትርጉም ዝህቡ ጭሕግርጋራት ክፈጥሩ ዘተባብዕ ኢዩ።

እዚ ዉድድር ካብ ዝፍልም ነደሓር ኣርማ ናይ ጉግል በብመዓልቱ ክቀያር ይርአ።

ሓደ ሓደ እዋን ምስ ብደረጃ ዓለም ዝኽበሩ በዓላት ብምትሕሓዝ እቲ ምስሊ ይቕየር ኢዩ።

7. ካልኦት ዘይረኸብዎ ንጉግል ዘጋጠመ ዕድል

ጉግል ምስ ካልኦት ኣናደይቲ ድሕረ ገጻት ክወዳደር ከሎ

ኣብ 1999 ላሪን ሰርጌን ንጉግል ብ 1 ሚልዮን ዶላር ክሸጥዎ ፈቲኖም ነይሮም፡ ወላ ዋጋ እንተ ኣጉደሉ'ዉን ዝዕድገሎም ኣይረኸቡን።

ሎሚ ዋጋ ጉግል ልዕሊ 300 ቢልዮን ዶላር ኢዩ። ሽዑ ብዘይምዕዳጉ ዝጠዓሱ ብዙሓት ከም ዝህልዉ ኣይጠራጠርን።

8. ጭርሖ

'ክፉእን' 'ጽቡቕን' ኣብ ዕንቛቕሖ ዝተስኣለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ሕሱም ኣይትኹን" ካብ ቀዳሞት ጭርሖታት ናይቲ ትካል ኢዩ።

እቲ ትካል ነዚ ጭርሖ ይሰርሓሉ ዶ ኣሎ? መልሲ ናባኹም። .

9. ጉዳይ መግቢ ኣገዳሲ ኢዩ

ቅርጺ ናይ ኣንድሮይድን ቁራጽ ናይ ቺልየጃ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ጉግል ሳንፍራንሲስኮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ዋና ቤት ጽሕፈት ጉግል ዘይሰኣን ነገር እንተሎ መግቢ'ዩ

ብመሰረት መጽሔት ፎርብስ፡ ኣቦ ጉግል ዝኾነ ሰርጌ ብሪን፡ ዝኾነ ናይ ጉግል ቤት ጽሕፈት መግቢ ካብ ዝርከበሉ ስፍራ ልዕሊ 60 ሜትሮ ክርሕቕ ከም ዘይብሉ ቀደም ኢዩ ወሲኑ።

ሎሚ ሰራሕተኛታት ጉግል፡ ቃሕ ኣብ ዝበሎም ክረኽብዎ ዝኽእሉ ብሉጽ መግብታትን ቡንን ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ይቕረበሎም።

10. ቀንዲ መሓዛ ጉግል

ከልቢ ኣብ ኦፊስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነባራት ሰራሕተኛታት ጉግል (Googlers) ከምኡዉን ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ጉግል (nooglers) ኣኽላባቶም ናብ ቦታ ስርሖም ክማልኡ ይፍቀደሎም፤ ሓንትስ ዘይርብሹን ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ፈቐድኡ ዝሸኑን ኣይኹኑ።