ጉግል ብዛዕባኹም ብዙሕ ይፈልጥ፤ ንስኹም ከ ብዛዕባ ጉግል እንታይ ትፈልጡ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉግል መበል 20 ዓመቱ የብዕል ኣሎ። በዚ ምኽንያት ብዛዕባ ጉግል ምናልባት ዘይትፈልጥዎ 10 ነጥብታት ቀሪብና ኣሎና።
ሂወትኩም ቅድሚ ጉግል ከምይ ከምዝነበረዶ ሓሲብኩም ትፈልጡ? ሓደ ሓበሬታ ብቅልጡፍ ምስ እትደልዩ ንመን ትውከሱ ኔርኩም?
ዝኾነ ነገር ምስ እትደልዩ፥ ቤትመግቢ ክኽውን ይኽእል፡ ፈለግ፡ ፍሉጥ ሰብ ወይ'ውን ካልእ ነገር ናብ ጎግል ከፊትኩም ምፍታሽኩም ኣይክተርፍን እዩ።
ጉግል ኣብ ነብሲ ወከፍ ካልኢት 40 ሽሕ ዝኸውን ከምዚ ዓይነታት ሕቶ ይቀርቦ፤ እዚ ብምዓልቲ ክረአ እንከሎ ልእሊ 3.5 ሚልዮን ኣቢሉ ከምዝበጽሕ ጸብጻብ ፎርብስ ይሕብር።
ካበዚኦም፡ 'planet earth' እቲ ዝበዝሐ ብተጠቀምቲ ጉግል ዝድለ ሓረግ ኮይኑ ንረኽቦ።
ጉግል ዘይሓዞ ሓበሬታ የሎን፤ መወዓዉዒ ድዩ፡ ናይ ቢዝነስ ዉጥናት ከምኡዉን ናይ ሰባት ውልቃዊ ሓበሬታ ከዚኑ ይርከብ።
ክሳብ ክንደይ ኢና ግን ብዛዕባ ጉግል ንፈልጥ?
እቲ ሓቂ እነሆ፤ ሓበሬታ ደሊኹም ናብ ጉግል ክትዉከሱ ከለኹም፡ ጉግል ድማ ብዛዕባኹም ሓበሬታ ይእክብ ኢዩ።
እምበኣር 'ከምዚ ኸ ኣሎ ድዩ?' ከብሉኹም ዝኽእሉ ዓሰርተ ሓቅታት እነሆ።
1. ስም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉግል እንታይ እዩ?
ጉግል 'Google' ጌጋ ኣጸሓሕፋ ናይ ቁጽሪ 'googol' ኮይኑ፡ ትርጉሙ ከኣ ንቁጽሪ ሓደ ብድሕሪኡ 100 ዜሮታት ምስ ወሰኽናሉ ዝውሃቦ ስያመ እዩ።
ቀደም ነቲ ቅኑዕ ኣጸሓሕፋ ጉጎል ብጌጋ ጉግል ይጽሕፍዎ ሰለ ዝነበሩ መሓዝቱ ድማ ነዚ ክጥቀሙ መረጹ።
2. ባክራብ 'Backrub'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነ ሰርጌ ብሪን፡ ኣብ ፈለማ ባክራብ ማለት መድረዚ ሕቖ ዝብል ስም'ዩ ሂብዎ ነይሩ።
እቲ ምኽንያት ድማ፡ ሰባት ኣብኡ ዝረኽብዎ ሓበሬታ ኣብኡ ካብ ዝሰፈሩ ካልኦት መርበብ ሓበሬታት ዝርከብ ስለ ዝኾነ ኢዩ።
ድሒሩ ግና ነቲ ስም ክቕይሩ ተገዲዶም ኢዮም።
3. ዝቐነነ

ጉግል መዛነዪ ትሕዝቶታት እዉን ኣለዎ።
ኣብ ጉግል "askew" ዝብል ቃል እንታሊሽኩም፡ እቲ ዝመጸኩም ዉጽኢት ረኣይዎ።
4. ኣጣል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉግል ንሓምላይ ተበግሶ ከምዝድግፍ'ዩ ዝገልጽ፡ በዚ ድማ'ዩ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝረከብ ሳዕሪ ኣብ ክንዲ ብዓጻዲት መኪና ብኣጣል ከም ዝብላዕ ዝገብረ።
ግዝኣት ካሊፎርንያ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ጉግል፡ ከባቢ 200 ዝኾና ኣጣል ነቲ ሳዕሪ ክበልዓ እንተ ርኣኹም፡ ኣጣል ናይ ዘፍሪ ሓረስታይ ቀጽሪ ከይመስለኩም።
እተን ኣጣል ናይ ጉግል ኢየን።
5. ኣብ ምዕባይ ዝርከብ ትካል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ 2010 ንደሓር፡ ኣብ ርእሲ ጂመይል፡ ጉግል ማፕ፡ ጉግል ድራይቭን ጉግል ክሮምን፤ ጉግል በብእዋኑ ዝተፈላለዩ ናይ ተክኖሎጂ ኩባንያታት ክዕድግ ጸኒሑ ኣሎ።
ምናልባሽ ዘይፈለጥኩም እንተኾንኩም፡ በኣል ኣንድሮይድ፡ ዩቲዩብ፡ ዌዝ፡ ከምኡዉን ኣድሰንስን ካልኦት 70 ኩባንያታትን ብጉግል ይዉነኑ።
6. ዱድል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዱድል ዝተሰምየ ናይ ዉድድር መድረኽ፡ ኣሜሪካ ዝርከቡ ተማሃሮ ካብ ምልክት እቲ ትካል ተበጊሶም ዝተፈላለየ ትርጉም ዝህቡ ጭሕግርጋራት ክፈጥሩ ዘተባብዕ ኢዩ።
እዚ ዉድድር ካብ ዝፍልም ነደሓር ኣርማ ናይ ጉግል በብመዓልቱ ክቀያር ይርአ።
ሓደ ሓደ እዋን ምስ ብደረጃ ዓለም ዝኽበሩ በዓላት ብምትሕሓዝ እቲ ምስሊ ይቕየር ኢዩ።
7. ካልኦት ዘይረኸብዎ ንጉግል ዘጋጠመ ዕድል

ኣብ 1999 ላሪን ሰርጌን ንጉግል ብ 1 ሚልዮን ዶላር ክሸጥዎ ፈቲኖም ነይሮም፡ ወላ ዋጋ እንተ ኣጉደሉ'ዉን ዝዕድገሎም ኣይረኸቡን።
ሎሚ ዋጋ ጉግል ልዕሊ 300 ቢልዮን ዶላር ኢዩ። ሽዑ ብዘይምዕዳጉ ዝጠዓሱ ብዙሓት ከም ዝህልዉ ኣይጠራጠርን።
8. ጭርሖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ሕሱም ኣይትኹን" ካብ ቀዳሞት ጭርሖታት ናይቲ ትካል ኢዩ።
እቲ ትካል ነዚ ጭርሖ ይሰርሓሉ ዶ ኣሎ? መልሲ ናባኹም። .
9. ጉዳይ መግቢ ኣገዳሲ ኢዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት መጽሔት ፎርብስ፡ ኣቦ ጉግል ዝኾነ ሰርጌ ብሪን፡ ዝኾነ ናይ ጉግል ቤት ጽሕፈት መግቢ ካብ ዝርከበሉ ስፍራ ልዕሊ 60 ሜትሮ ክርሕቕ ከም ዘይብሉ ቀደም ኢዩ ወሲኑ።
ሎሚ ሰራሕተኛታት ጉግል፡ ቃሕ ኣብ ዝበሎም ክረኽብዎ ዝኽእሉ ብሉጽ መግብታትን ቡንን ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ይቕረበሎም።
10. ቀንዲ መሓዛ ጉግል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነባራት ሰራሕተኛታት ጉግል (Googlers) ከምኡዉን ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ጉግል (nooglers) ኣኽላባቶም ናብ ቦታ ስርሖም ክማልኡ ይፍቀደሎም፤ ሓንትስ ዘይርብሹን ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ፈቐድኡ ዝሸኑን ኣይኹኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







