ጉግል ሉን ብባሉናት ኣቢሉ ናብ ኬንያ ኢንተርኔት ከምዘእቱ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Loon
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ገጠራት ኬንያ ገዘፍቲ ናይ ኔትዎርክ ባሉናት ከምዝኣትዉ ተገሊፁ።
መሻርኽቲ ኩባንያ ትካል ጎግል ዝኾነ ሉን፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኔትዎርክ ንምትእስሳር ምስ ቴልኮም ኬንያ ፈላማይ ንግዳዊ ስምምዕ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።
ናይዚ ኩባንያ ኣንቴና፡ ቅልጣፈን ኣንፈትን ንፋስ ብምትንባይ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝንሳፈፍ እዩ።
ይኹን እምበር ዝተፈለለዩ ሰብ ሞያ፡ እዚ ሽርክና፡ ብጎግል ጥራሕ ናብ ዝተዓብለሉ ርክባት ከምርሕ ከምዝኽእል የጠንቅቑ።
እዚ ሉን ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕሮጀክት፡ ኣብ ባሉናቱ ዘለዉ ቴክኖሎጂታት ፡ መሻርኽቲ እዚ ትካል ኣብ ዝኾነ ኣልፋቤት ካምፓኒ ዝተምሃዙ እዮም።
ትካል ንግዲ ሉን ኣብ መእተዊ እዚ ወርሒ ዝተመረቐ ክኸውን ከሎ ብባዕሉ ሙሉእ ብምሉእ ከምዝሰርሕ ገሊፁ። ሉን ንፈለማ እዋን ኣብ ዝገበሮ ንግዳዊ ውዕሊ ድማ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ገጠራት ኬንያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከባፅሕ እዩ።
ዝርዝር እዞም ውዕልታት እንታይ ከምዘካተቱ ግና ግልፂ ኣይተገበረን።
ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ቴልኮም ኬንያ ማርዩስ ኣልዶ፡ "ብዝተኽኣለ መጠን ፈላማይ ናይ ሞባይል ንግዲ ናብ ኩሉ ንምብፃሕ ምስ ካምፓኒ ሉን ብምዃን ጠንኪርና ክንሰርሕ ኢና" ኢሎም።
እዚ ኔትዎርክ ሲስተም፡ ብመብረቕ ንከይውቃዕ ተገይሩ ከምዝተስርሐ እዚ ትካል ኣፍሊጡ።
እዚ በዓል ኣንቴና ባሉን፡ ግዝፈቱ ክንዲ ሓደ ሜዳ መፃወቲ ቴንስ እንትኸውን፡ ብዙሓት ድማ በዚ ቴክኖሎጂ ተደሚሞም ኣለዉ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሽርክና፡ ኔትዎርክ ዘቕርብ ትካል ቴልኮም ኬንያ ቻነላት ከቕርብ እንከሎ፡ ሉን ድማ ናብ ገጠራት ኬንያ ከባፅሕ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







