ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን ህይወት ስደትን - ቃለመሕትት ቢቢሲ ምስ ገዱ ኣንዳርጋቸው

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ሓደ ዝዀነ ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ ንኽልል ኣምሓራ ካብ 2014 ክሳዕ ለካቲት 2019 ንሓሙሽተ ዓመታት መሪሑ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ካብ ምያዝያ 2019 ክሳዕ 3 ሕዳር 2020 ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኰይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪኡ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወለዓሉ ንጽባሒቱ፡ ኣማኻሪ ድሕነት ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ከም ዝተሸየመ ተገሊጹ ነይሩ።
ድሕሪኡ ግን ምስ መንግስቲ ዝነበሮ ዝምድና እናሻሕከረ መጺኡ፡ ኣብ ባይቶ ንኽልል ኣምሓራ ዝምልከት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከይእወጅ ብትሪ ዝቃወም መደረ ድሕሪ ምክያዱ፡ ንሃገር ለቒቑ ወጺኡ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሳልሳይ ዲግሪኡ ዘጠናቐቐ ኰይኑ፡ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ብስደት ይነብር ኣሎ። ቢቢሲ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ኣብ ባይቶ ዝገበሮ መደረ ንደሓር ብዛዕባ ዘሕለፎም ኣዋርሕ፡ ህይወት ስደቱን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ሓቲትዎ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ናብ ስደት ቅድሚ ምምራሕካ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክልል ኣምሓራ ብምቅዋም ኣብ ባይቶ ተሪር መደረ ኣስምዒካ ነይርካ። ሓሳብካ ንምዝዛም እናተማሕጸንካ ዝገበርካዮ መደረ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዝተሰምዓካ ስምዒት እንታይ ነይሩ?
ገዱ፡ ኣብቲ ብ2021 ዝተኻየደ መረጻ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኰይነ ተመሪጸ ነይረ። ኣብቲ እዋን ምስ መንግስቲ ዝነበረኒ ዝምድና ብኸቢድ እናሻሕከረ ዝመጽኣሉ እዋን ብምንባሩ፡ ኣብቲ ባይቶ ብዙሕ ተሳቲፈ ኣይፈልጥን። ምናልባት ብጠቕላላ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ጥራይ ክኸውን ዝኽእል ተሳቲፈ።
ሽዑ ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ህጹጽ እዋን ምስ ኣወጀን ነቲ ኣዋጅ ንምጽዳቕ ናብ ባይቶ ሒዝዎ ምስ ቀረበን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጃምላዊ ሞት ከም ዝተኣወጀ ገይረ እየ ወሲደዮ።
ስለዚ ዕድል እንተ ረኺበ ክዛረብ፡ እንተ ዘይረኺበ ድማ እንተ ወሓደ ኢደይ ኣውጺአ ተቓውሞይ ከስምዕ ኣለኒ ኢለ እየ ናብቲ ባይቶ ኣትየ። ምስ ኣቶኹ ብኣጋጣሚ ዕድል ረኺበ፡ ነቲ ዝበልኩዎ ተዛሪበ። እዚ ንዓይ ክገብሮ ዝኽእል ዝነበርኩ ናይ መወዳእታ ነገር እዩ ነይሩ። ካብዚ ወጻኢ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረንን፡ ነቲ ውሳነ ከትርፎ ኣይክእልን እየ፣ ስምዒተይ ክገልጽ ግን ነይሩኒ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ነይሩኒ። በቲ ኣጋጣሚ ድማ ነዚ ገይረ።
ቢቢሲ፡ካብቲ ባይቶ ምስ ወጻእካ ንመን ኢኻ ረኺብካ?
ገዱ፡ ኣብቲ ባይቶ ተሳተፍቲ ካብ ዝነበሩ፡ ክወጽእ ከለኹ ዘይርስዖም ዝረኸብኩዎም ሰባት ኣለዉ። "እቲ ክልል ክፈርስ ዲኻ ትደሊ ዘለኻ?" ዝበሉኒ ሰባት ነይሮም። ኣነ፡ እቲ ክልል ብወተሃደራዊ መንገዲ ክጽገን እዩ ዝብል እምነት የሎንን። ናተይ ሕቶ፡ ሰራዊት ምክልኻል ካብቲ ክልል ይውጻእ ወይ ናብ መዓስከሩ ይእቶ እሞ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ዘተ ተገይሩ እቲ ጸገም ይፈታሕ ዝብል እዩ ነይሩ። ስምዒት ናይቲ ህዝቢ እፈልጦ እየ። እቲ ህዝቢ ብኸቢድ ተቘጢዑ እዩ። ነቲ ዝተቘጥዐ ህዝቢ ንውሱን ግዜ ከተሳቕዮን ክትቀትሎን ይከኣል ይኸውን፣ ብሓይሊ ከተንበርክኾ ግን ኣይከኣልን እዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረኒ፡ ነዚ ኣረዲአዮም እየ። ካብ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ካብ ብዙሓት ሰባት ተደዊሉለይ እዩ። ካብ ሰበስልጣን ግን ዝደወለለይ ወይ ዝረኸበኒ ሰብ የሎን።
ድሕሪኡ ግን ናይ ጸጥታ ሰባት ካባይ ተፈልዮም ኣይፈልጡን። "ምስኡ ዘለኹም ዝምድና እንታይ እዩ?" ብዝብል፡ ናብ ቤተይ ዝመጽኡ ዝነበሩ ገለ ሰባት ንሸሞንተ መዓልታት ዝተኣስሩ ኣለዉ። "ዓሪፍኩም ኮፍ በሉ" ብዝብል ንድሕነተይ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኣባላት ሓለዋ ከይተረፉ ምፍርራሕ ይበጽሖም ነይሩ። መኪና ብምምራሕ ዘገልግለኒ ዝነበረ ወዲ ሓብተይ ነይሩ። ንትሽዓተ መዓልታት ምስ መኪናኡ ኣበይ ከም ዝወሰዱዎ ከይተፈለጠ ድሕሪ ምጽናሕ ፈንዮሞ። ዝዀነ ምንቅስቓስ ከይገብር ኢሎም እዮም ነዚ ኵሉ ዝገብሩ ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ፡ ብ11 መስከረም 2023 ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ምስ መጽአ፡ ናብ ሓያት ሪጀንሲ ከይደ ምስኡ ተዘራሪበ ክወጽእ ከለኹ፡ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ መካይን ዝሓዙ ኣባላት ጸጥታ መጺኦም ቡልጋርያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ጐደና ከቢቦምኒ።
ንሓላውየይ ወሲዶም ኣጽዋሩ መንዚዖም፡ ተለፎናትና ወሲዶም፡ ነቲ መራሕ መኪና ኣውሪዶም፡ ንዓይ'ውን ፈቲሾም ተለፎነይ ወሲዶም። ፖሊስ ትራፊክን ህዝብን ክጭድር ምስ ጀመረ፡ ሓዲጐምና ከይዶም። ነቶም ኣባላት ሓለዋን ነቲ ኣቕሑን ሒዞም ከይዶም። ኣነ ናብ ቤተይ ተመሊሰ። ድሕሪኡ ካብ ገዛ ኣይወጻእኩን። በብመዓልቱ ናይ ጸጥታ ሰባት ይመጽኡ ነይሮም። ሰብ ክሳዕ ዝድቅስ ከኣ ይጸንሑ። በዚ ኣገባብ'ዚ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝመስል ኵነታት ኰይነ እየ ጸኒሐ።

ምንጪ ስእሊ, screen grab
ቢቢሲ፡ኣብቲ ባይቶ ተሪር መደረ ክትገብር ከለኻ፡ እዚ ክመጸኒ እዩ ዝብል ስግኣት ኣይነበረካን ድዩ?
ገዱ፡ ካብ መፋርቕ 2022 ኣትሒዙ ዝከታተሉኒ ናይ ጸጥታ ሰባት ከም ዘለዉ እፈልጥ ነይረ። ሰባት'ውን ስእሊ እናልዓሉ ይህቡኒ ነይሮም እዮም። ሓበሬታ ነይሩኒ እዩ። ጸኒሑ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ዕጥቁ ንምፍታሕ ዝተወስደ ስጕምቲ ስዒቡ ተቓውሞ እናሓየለ ምስ ከደ፡ ኣብ ልዕለይ ዝነበረ ክትትል እውን እናኸረረ ከይዱ።
ካብ ስራሕ ናብ ገዛይ ጥራይ እየ ዝኸይድ ነይረ። መብዛሕትኡ ግዜይ ኣብ ገዛ እየ ዘሕልፎ ነይረ። ዝዀነ ምኽንያት ይድለየለይ ከም ዝነበረን ሓደጋ ክወርደኒ ከም ዝኽእልን ግምት ነይሩኒ እዩ። ኣነ'ውን ንርእሰይ ኣእሚነያ እየ ነይረ። ስለዚ፡ ኣብቲ ባይቶ ንምዝራብ ክሓስብ ከለኹ፡ ቅትለት ሓዊሱ ማእሰርቲ ወይ ካልእ ክመጽእ ከም ዝኽእል ንነብሰይ ኣእሚነ እየ ተዛሪበ። ዝመጽአ እንተ መጽአ ምቕባሉ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ዝህብ እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ።
ቢቢሲ፡ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝመስል ኵነታት ከም ዝጸናሕካ ጠቒስካ፡ እዚ ብዝፈጠረልካ ስግኣት ምንቅስቓስካ ስለ ዝገደብካ ድዩ ወይስ መንግስቲ ከይትንቀሳቐስ ስለ ዝኸልከለካ?
ገዱ፡ ኣብ የማንን ጸጋምን ገዛይ ብቐጻሊ ክልተ መካይን ይመጽኣ ነይረን። ነቶም ኣባላት ጸጥታ ንፈልጦም ኢና፡ ይመላለሱ ነይሮም። እዚ ከኣ "ከይትወጽእ" ኢሎም ንምፍርራሕ እዩ ነይሩ። ንምውጻእ ፈቲነ ነይረ እየ። ሓደ እዋን ምስ ኣምባሳደር ሕብረት ኤውሮጳ ቈጸራ ነይሩኒ። ናብኡ ክኸይድ ከለኹ፡ ስዒቦምኒ። ብየማንን ጸጋምን ክልተ መካይን እየን ነይረን። ናብቲ ኣፍደገ ምስ ቀረብኩ፡ ናይ ምጭዋይን ምኽባብን ዝመስል ኣሰላልፋ ምስ ረኣኹ፡ ብኻልእ መንገዲ ተጠውየ ናብ ቤተይ ተመሊሰ።
ቀንዲ ድሌቶም ምስ ሰባት ከይራኸብ ምግባር እዩ'ምበር፡ ክንኣስረካ ወይ ክንቀትለካ፡ ወይ ካልእ ክንገብረካ እንተ ዝብሉስ ኣብ ኢዶም እዩ ነይሩ። መን ከልካሊ ኣለዎም? ሕጊ የሎን፡ ስርዓት የሎን፡ ገለ የሎን። ስለዚ ካብ ገዛ ከይወጽእ ኢሎም እዮም ነዚ ዝገብሩ ነይሮም። ብዓልቲ ቤተይ ናብ ቤተክርስትያን እንተ ከይዳ "መን ኣሎ?" ኢሎም ይስዕቡዋ። ኣብ ቤተይ ጋሻ መጺኡ እንተ ከይዱ ይከታተሉ። ምትኵታዃት ነይሩ እዩ። ኣብ ገዛይ ጥራይ ክቕመጥ ጸቕጢ ይግበረለይ ነይሩ። ብሰንከይ ሓደጋ ከይበጽሖም ኢለ ነቶም ሓለውተይ እውን ብኡንብኡ እየ ኣሰናቢተዮም። ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ወርሒ በዚ ኵነታት እዚ እየ ጸኒሐ።
ቢቢሲ፡ብኸመይ ካብ ሃገር ክትወጽእ ክኢልካ?
ገዱ፡ ካብ ሃገር ዝወጻእኩ ብለይቲ እዩ። ሕጂ ክነግረካ ብዘይክእል ኵነታት ሰባት ሓጊዞምኒ እዮም።
ቢቢሲ፡ሕጂ ህይወት ስደት ከመይ ኣሎ?
ገዱ፡ ስደት ስደት እዩ። ብፍላይ ከማይ ዕድመ እናደፍአ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ስደት ንዝዀነ ሰብ ዝምነዮ ኣይኰነን። ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ንሃገርን ሕብረተሰብን ክልውጥ እየ ኢለ ዝሓስብ ዝነበርኩ ሰብ፡ ናብዚ ምውዳቐይ ዘሕዝን ገጽታ ኣለዎ።
ብኻልእ መዳይ ድማ እቲ ናተይ ኣነባብራ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ዝዀነ ይዅን ሰብ ዝሓሸ እዩ። ኣመሪካ ሃገር ናጽነት እያ። ሕግን ስርዓትን ኣኽቢርካ ክሳብ ዝነበርካ፡ ካብቲ ኣብዚ ሃገር ዝነብር ሰብ ብዘይፍለ መንገዲ እየ ዝነብር ዘለኹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝዀነ ሰብ፡ ሰበስልጣን እውን እንተዀኑ ኵሎም ስግኣት ኣለዎም። ሃብታም ኰነ ድኻ ኣብ ውሽጢ ስግኣት እዩ ዝነብር ዘሎ። ስለዚ፡ እግዚኣብሄር ይመስገን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እየ ዘለኹ።
ቢቢሲ፡ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስራሕ መዐሸጊ-መካይን (ፓርኪንግ) ተዋፊርካ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ነይሩ። ገለ ሰባት ምስ ንጽህና ኣተኣሳሲሮሞ ኣለዉ። ካልኦት ድማ ብኸመይ ኣብዚ ደረጃ መነባበሪ ስኢኑ ክብሉ ሓሳባቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ብኸመይ ኢኻ ናብዚ ስራሕ ኣቲኻ?
ገዱ፡ ናብዚ ሃገር ክመጽእ ከለኹ ጥራሕ ኢደይ እየ መጺአ፣ ዝዀነ ነገር ኣይነበረንን። ንምንባር ዘድልየኒ ነገር ሰሪሐ ክረክብ ነይሩኒ። እዚ ስራሕ እዚ ድማ ኣብቲ እዋን ዝረኸብኩዎ ስራሕ ኰይኑ።
እዚ ጥራይ እውን ኣይኰነን፡ ብውሱን ደረጃ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝነብሮ ብዝሓሸ መንገዲ ክነብር ዝገብረኒ ዘሎ እዩ። ብኻልእ ወገን ሰብ ዝተፈላለየ ነገር ከልዕል ይኽእል እዩ።
ንኽልል ኣምሓራ ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበርኩ እዋን፡ እቲ ክልል ብቢልዮናት ገንዘብ ባጀት ዝምድብ እዩ ነይሩ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እውን ሃብቲ ሃገር ዘንቀሳቕስ ዓቢ ትካል እዩ። ይዅን'ምበር፡ እዚ ኵሉ ንዓይ ዝተመደበ ገንዘብ ኣይኰነን። ደሞዝተኛ እየ።
ስደተኛ ክኸውን እየ ኢለ እውን ሓሲበ ኣይፈልጥን። ካብ ሃብቲ ህዝቢ ወሲደ ናብራይ ከመሓይሽ እየ ኢለ ሓንቲ መዓልቲ'ውን ሓሲበ ኣይፈልጥን። ሰብ ኣይኣምንን ይኸውን። ግን መብዛሕትኡ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣመራርሓ ጽቡቕ ባህሊ ነይርዎ ክበሃል ይከኣል እዩ። ርእሰ ምምሕዳራት ከም ኣብነት ምልዓል ይከኣል እዩ። ብጡረታኦም እዮም ዝነብሩ። ዘግየጸ ናብራ የብሎምን።
መብዛሕትኡ ሰብ ሓላፍነቱ ተጠቒሙ ናይ ምርሳይ ባህሊ ዘይነበሮ ክልል እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን "ዕድመ ንብልጽግና" ኵሉ ነገር ተቐይሩ ካልእ ታሪኽ መጺኡ ኣሎ። ኣነ ኣብ ዝሓለፉ 26 ዓመታት ዝለዓለ መሃያ ዝኽፈል ዝነበርኩ እየ። ግን መሃያ ኢትዮጵያ ተደሚሩ ክመጽእ ዝኽእል መጠን ኵላትና እንርድኦ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ንብረት፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ገንዘብ ከተቐምጥ ዘኽእል ድሌት ኰነ ዓቕሚ ኣይነበረንን። በዚ ምኽንያት፡ ገዛእ ርእሰይን ሻንጣይን ጥራይ እየ ሒዘ መጺአ።
ቢቢሲ፡ ሕጂ እትመሓዳደር ዘለኻ በዚ ስራሕ እዚ ዲኻ?
ገዱ፡ እወ። በዚ ስራሕ እዚ እየ ዝመሓዳደር ዘለኹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢቢሲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሃገራውያን ሓላፍነታት ሰሪሕካ ኢኻ፣ ሳልሳይ ዲግሪኻ እውን ኣጠናቒቕካ ኢኻ። ናብ ስደት ምስ መጻእካ፡ ካብ መራሕቲ፡ ሰበስልጣን ወይ ትካላት ዝቐረበልካ ናይ ስራሕ ዕድል ወይ ሕቶ ኣይነበረን ድዩ?
ገዱ፡ ኣነ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት እናረኣኹ ከመልክት ጸኒሐ እየ። ክሳዕ ሕጂ ኣይተጸዋዕኩን። ንመጻኢ ግን ከምኡ ዝኣመሰሉ ነገራት ክህሉ ይኽእል እዩ ኢለ እግምት።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኵነታት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ምስ ጉዳያት ወጻኢ ብዝተኣሳሰር ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምስ ዘጽንዑን ብዛዕባ ሰላም ምስ ዝሰርሑን ትካላት ይራኸብን ይዛተን እየ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘሎኒ ኣረኣእያ ከካፍሎም ዝድውሉ ብዙሓት ኣካላት ኣለዉ። ካብኡ ወጻኢ ግን ብብሕተይ ዝረኸቦ ኰነ ንብሕተይ ዝኸውን ዝተደዋወልኩዎ ወይ ዝሓተትኩዎ የሎን።
ቢቢሲ፡ እቲ ለውጢ ክመጽእ ከሎ ብዙሕ ተስፋ ነይሩ። ነዚ ለውጢ ኣብ ምምጻእ "ቲም ለማ" ብቐንዱ ይጥቀስ እዩ። ሕጂ ንስኻ ኣብ ስደት ኢኻ ዘለኻ። ለማ መገርሳ'ውን ስቕታ መሪጹ ኣሎ። ነቲ ጕጅለ (ቲም) ዘፍረሶ እንታይ እዩ?
ገዱ፡ እቲ ለውጢ ብውሑዳት ሰባት ኣይኰነን መጺኡ። ድሌት ህዝቢ ዝወለዶ እዩ። ውሑዳት ሰባት መራሕቲ ናይቲ ለውጢ ነይርና ኢለ ኣይወስዶን። እቲ ለውጢ ከም ዝመጽእ ዝገበረ ኢህወዴግ እዩ። ነቲ ዝመጽአ ለውጢ ንቕድሚት ከም ዝስጕም ዝገበሮ ውድብ እምበር ውልቀሰባት ኣይኰኑን። ንውልቀሰባት ኣልዒልካ ከም ፈጠርቲ ገይርካ ናይ ምርኣይ ኵነታት ነይሩ እዩ - እዚ ጌጋ ነይሩ በሃላይ እየ። ዳሕራይ በቲ ውጽኢቱ ምስ ረኣናዮ ከኣ ከምኡ ከም ዘይኰነ ርኢናዮ ኢና።
ቢቢሲ፡ ሕጂ ምስ ለማ ትራኸቡ ዲኹም?
ገዱ፡ ከምኡ ሓሓሊፉ። ኵሉ ግዜ እንራኸብ ኣይኰንናን። ሓሓሊፉ ብተለፎን ንራኸብ ኢና። ሰላምታ ንለዋወጥ።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ጉዳያት እታ ሃገር እትዘራረብሎም ነገራት ኣለዉ ድዮም?
ገዱ፡ ኣይፋል፡ ኣይተዘራረብናን። ሕጂ ንሱ ዘለዎ ኵነታት'ውን ኣብዚ ጉዳይ ብዙሕ ድሌት ስለ ዘይብሉ፡ ካብ ሰላምታ ሓሊፍና ናብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ብዙሕ ኣይንኣቱን ኢና።
ቢቢሲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን መዓስ ኢኹም ተዘራሪብኩም?
ገዱ፡ ኣይዝክሮን።
ቢቢሲ፡ እቲ ለውጢ ክመጽእ ከሎ፡ ካልእ ምንቅስቓስ ጥምረት "ኦሮ-ማራ" እዩ ነይሩ። ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምፍጣር ጻዕርታት ይግበር ነይሩ እዩ። ይዅን'ምበር፡ ኣብ ክልል ኦሮምያን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ቅትለት፡ ምምዝባልን ጭውያን ክፍጸም ከም ዝጸንሐ ይግለጽ ነይሩ። ንስኻ ኣብ ስልጣን ከም ዝነበረ ሓደ ኣምሓራይ ፖለቲከኛ መጠን፡ ነዚ ደው ንምባል እንታይ ተራ ተጻዊተ ትብል?
ገዱ፡ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምፍጣር ዝዕመም ስራሓት ይህሉ እዩ። ክቕጽል እውን ኣለዎ። ግናኸ፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ኦሮምያ ንዝቕተሉን ዝመዛበሉን ሰባት፡ ብእምነተይ ብቐንዱ ዝወሃሃድ ብመንግስትን መንግስቲ ብዝድግፎም ኣካላትን እዩ። መንግስቲ ዝድግፎም ዘይስሩዓት ውዳበታት ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ድማ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ጸጥታ እዩ ጉድኣት ዘውርደሎም ዘሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ወለጋ ቍሸታት ዝነደደ ብሓይልታት ጸጥታ ኦሮምያ እዩ። ዝተፈላለየ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ቍሸታት ሓረስቶት ነዲዱ እዩ ክመዛበሉ ተገይሩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ልማዳት ብዙሕ ግዜ ዝደጋገሙ እዮም።
ኣብኡ ከለኹ እዚ ክእረም ብዙሕ ጻዕሪ ገይረ እየ። ምናልባት ምስ መንግስቲ ዘይምርድዳእ ከም ዝፍጠር ዝገበረ እውን፡ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ክእረም ብምሕታተይ እዩ ነይሩ።
ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ሰላማዊ ህዝቢ እዚ ከይበጽሕ፡ መንግስቲ ተራኡ ክጻወት ዝከኣለኒ ፈቲነ እየ። ሕጂ እውን ከም ፖለቲከኛ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒ ደው ከብልን መሰልን ድሕነትን ናይዞም ሰባት ከረጋግጽን ብወገነይ ቃልሲ አካይድ ኣለኹ።
ግናኸ መንግስቲ ነቲ ቀዳማይ ሓላፍነቱ ንምውጻእ ብዙሕ ድልውነት የብሉን። ብኣንጻሩ፡ መንግስቲ ከም ሽፍታ ኰይኑ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ። ከምዚ ዓይነት ስርዓትን ኣገዛዝኣን ብናይ ውልቀሰባት ቃልሲ ይልወጥ እዩ ኢለ ኣይሓስብን። ሕብረተሰባዊ ዝዀነ ቃልሲ ጥራይ እዩ ከተዓራርዮ ዝኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢቢሲ፡ ድሕሪ ኲናት ትግራይ፡ ንስኻ ዝተቓወምካዮ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ፡ እቲ ትመርሖ ዝነበርካ ክልል ኣምሓራ ናብ ግጭት ካብ ዝኣቱ ሰለስተ ዓመቱ ደፊኑ ኣሎ። እቲ ግጭት ማሕበራውን ቍጠባውን ጉድኣት የስዕብ ኣሎ። ነዞም ክልተ ክልላት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ዝሸመሞም እንታይ እዩ?
ገዱ፡ ኣብ ትግራይ ኰነ ኣብ ኣምሓራ ዘሎ ኵነታት ብሰላማዊ ዘተ ዘይፈታሕ ጸገም ኣይኰነን። ብዘተን ዝርርብን ክፍታሕ ዝኽእል ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ቍጠባውን ሕቶታት ዘለዎ እዩ፣ ክፍታሕ ዝኽእል እዩ። ግናኸ እቲ ኣገዛዝኣ ነቲ ጸገማት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ድልውነት የብሉን። ንኣጋጣሚ ኲናት ተጠቒሙ ነቲ ከባቢ ከዳኽም እዩ ዝደሊ ዘሎ።
ንኽልል ኣምሓራ ክሓድጎ ከለኹ፡ ብሓፈሻ ካብ ኣጸደ ህጻናት ኣትሒዙ 6 ሚልዮን ዝግመት ተማሃራይ ነይሩ። ሕጂ ክሳዕ 8 ሚልዮን ተማሃራይ ትጽቢት ይግበር ነይሩ። ዝመሃር ዘሎ ግን 3.5 ሚልዮን ተማሃራይ ጥራይ እዩ። እዚ'ውን ብዝተቋረጸን ብተዛማድን ኣብ ከባቢ ከተማታትን እዩ ዘሎ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተጀመሩ ኵሎም መሰረተ-ልምዓታት ደው ኢሎም ኣለዉ። ናይቲ ክልል ገንዘብ እውን ንዂናት እዩ ዝውዕል ዘሎ። እቶም ዝነበሩ መሰረተ-ልምዓታት እውን ይዓንዉ ኣለዉ። ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን፡ ኣብያተ ትምህርትን ብድሮን ይድብደቡ ኣለዉ። ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ ናይ እምነት ቦታታት ንዘለዉ ሰባት ከይፈለየ እዩ ጃምላዊ ቅትለት ዘካይድ ዘሎ።
እዚ ስርዓት'ዚ ምስምስ ደልዩ ነቲ ብፖለቲካዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ናብ ኲናት ቀይሩ፡ ነቲ ከባቢ ንምድኻም ልዑል ድሌት ከም ዘለዎ እዩ ዘርኢ። ብሰላም ንምፍታሕ ጻዕሪ ክገብር'ውን ኣይረአን እዩ።
ቢቢሲ፡ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዕጡቓት ናብ ሰላም ክመጽኡ ብተደጋጋሚ ጻውዒት የቕርብ ነይሩ እዩ።
ገዱ፡ ምኽንያት ኣለና ኢሉ ንቓልሲ ዝወጽአ ሓይሊ ብኸመይ ኢኻ ኢድኩም ሃቡ ትብሎ? "ኢድኩም ሃቡኒ እሞ ናተይ ተቐቢልኩም ብሰላም ንበሩ፡" እዩ ዝብሎም ዘሎ። ነቲ ዘልዓልዎ ፖለቲካዊ ሕቶ ንምፍታሕ ዘኽእል ናይ ዘተን ሰላማዊ ዝርርብን ሓሳብ የብሉን። "ሕደጉዎ እሞ ንዑ" እዩ፣ ከምኡ ድማ ክኸውን ዝኽእል ኣይኰነን። ንሰላም ዝዀነ ዓይነት ድልውነት ዘይብሉ ኣገዛዝኣ ምዃኑ እዩ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ።
ቢቢሲ፡ ንስኻ'ውን እኮ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ንሓይልታት ትግራይ ንምውጋእ ምስ ካልኦት ሰበስልጣን ኴንካ ወፍሪ ክትመርሕ ተራኢኻ ኢኻ። ሽዑ ኣማኻሪ ድሕነት ቀዳማይ ምኒስተር ኢኻ ነይርካ።
ገዱ፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ክልተኡ ወገናት ድሌት ኲናት ነይሩ እዩ። ኣብ ክልተኡ ወገን ፕሮፖጋንዳ ልዑል እዩ ነይሩ። ኣብ ትግራይ፡ ኣብ መንግስቲ ፈደራል ኰነ ብወገን ኣምሓራ። እዞም ኵነታት ናብ ኲናት ከየምርሑ ተቓውሞ ነይሩኒ እዩ።
ኣነ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፍኩ፡ ብፍላይ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ጉድኣት ኣብ ዘብጽሕሉ ግዜ፡ ዝመረረኒ ነገር ስለ ዝነበረ እዩ። እቲ ዝበጽሐ ዕንወት'ውን ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ። ንምክልኻል ብወገነይ ግደይ ክጻወት ነይሩኒ።
ከምኡ ኰይኑ ግን ብዓል ስልጣን መንግስቲ ስለ ዝነበርኩ ደፊርካ ምዝራብ ዝከኣል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብቲ መንግስታዊ መዋቕር ኰይነ ኲናት ከይውላዕ ናተይ ግደ ንምጽዋት ፈቲነ እየ። ናብ ኲናት ዘምርሑ ፍረጃታት ስለ ዝነበሩ፡ ኣብኦም ተቓውሞ ነይሩኒ። ዳሕራይ ግን እቲ ኲናት ብፍላይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ኣተወ፡ ንህዝቢ ኣብ ምልዕዓል ተራ ነይሩኒ እዩ።
ቢቢሲ፡ ብፍቓድካ ዲኻ ዘሚትካ ወይስ ቀዳማይ ምኒስተር ብዝሃቦ ትእዛዝ?
ገዱ፡ እቲ ወፍሪ ንዓይ እውን ብቐጥታ ዝምልከት እዩ። እቲ ከባቢይ እዩ ብዂናት ዝሕመስ ነይሩ። ነቲ ዕንወት ንምክልኻል ትእዛዝ ቀዳማይ ምኒስተር ኣየድልየንን ነይሩ። ብሓፈሻ ብናተይ ተበግሶ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል እዩ። እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ'ውን ከም ብዓል ስልጣን መንግስቲ ተራ ኣይነበረንን።
ኣብ ግዜ ኲናት ትግራይ ከም ብዓል ስልጣን መንግስቲ ብጠቕላላ ብዙሕ ተራ ኣይነበረንን። ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ግን፡ ህዝቢ ኣምሓራ ርእሱ ንምክልኻል ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ብንጥፈት ናተይ ተራ ተጻዊተ እየ ክብል እኽእል እየ።
ቢቢሲ፡ ውጽኢት ናይቲ ኲናት ይፍለጥ እዩ። ኣብ ትግራይ ኰነ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ከቢድ ዕንወት እዩ ኣውሪዱ። ኣብቲ ወፍሪ እቲ ብምስታፍካ ትጠዓስ ዲኻ?
ገዱ፡ ኲናት ብሓፈሻ ኣዕናዊ እዩ። ኣብዚ ኣዕናዊ ኵነታት ምስታፈይ ብሓፈሻ የሕዝነኒ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ደጋፊ ኣብ ዘይብሉ ህዝቢ ስቕ ኢለ ክርኢ ነይሩኒ ኢለ ኣይኣምንን እየ። ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝበጽሕ ዘሎ በደል ኣጥቢቐ እቃወም እየ። ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝበጽሕ ዘሎ'ውን እናተቓወምኩ እየ፡ ኣብቲ ኲናት ምስታፈይ፡ እቲ ኲናት ባዕሉ ምህላዉ እውን ዘሕዝን እዩ።
ቢቢሲ፡ ሕጂ ድማ እቶም መጀመርታ ዘይስሩዓት ዝነበሩ፡ ጸኒሖም ግን ብስም "ፋኖ" ዝተወደቡ ናይቲ ክልል ሓይልታት፡ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝዋግእዎም ዝነበሩ ሓይልታት ኰይኖም መንግስቲ ንምውዳቕ ጥምረት መስሪቶም ኣለዉ። ነዚ ጥምረት'ዚ ከመይ ትርእዮ?
ገዱ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብልጽግና ዝዋግኡ ጥራይ ከይኰኑስ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ምስዞም ሓይልታት ተዛትዩ ነቲ ጸገም ክፈትሖ እንተ ዝኽእል ሓጐሰይ መወዳእታ ኣይምሃለዎን ነይሩ።
ግናኸ ንሃገር ናብ ሓደጋ ህላወ ዘቃልዐን ንኢትዮጵያ ካብ ምህላው ናብ ዘይምህላው ክቕይር ዝኽእልን ዝኸፍአ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ በብተራ ኲናት እናኸፈተ፡ ንዅላትና ሓደጋ ህላወ ዝደቐነ ኣገዛዝኣ ኣሎ። እዚ ኣገዛዝኣ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ልዕልና ሕግን ከምጽእ ከም ዘይከኣለ ኣብዚ ሸሞንተ ዓመታት ተረጋጊጹ እዩ።
ስለዚ፡ እዞም ሓይልታት ዝተፈላለየ መርገጽን ኣረኣእያን እኳ እንተሃለዎም፡ ኣብዚ እዋን ናይ ኢትዮጵያን ህዝባን ስግኣት እዚ ስርዓት ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ስርዓት ብሓባር ነወግዶ ብምባል እዮም ንፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተጸምበሩ።
በዚ መዳይ፡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ሒዞም ናብዚ ደረጃ ምምጻኦም፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከም ዓቢ ዝላ ገይረ እየ ዝርእዮ።
ቢቢሲ፡ እዚ ኵነታት ብኢሱ ነታ ሃገር ናብ ዝገደደ ቅልውላው ኣይሸምማን ድዩ?
ገዱ፡ እታ ሃገር እኮ ሕጂ'ውን ኣብ ቅልውላው እያ ዘላ። ካብዚ ዝኸፍአ ቅልውላው ክመጽእ ይኽእል ድዩ ዝብል ዘዘራርብ ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ቅልውላው እያ ዘላ። ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ቅልውላው ልዑላውነት ኣሎ። ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ከም ሃገረ-መንግስቲ ክትቅጽል ዘይትኽእለሉ ኵነታት እዩ ዘሎ። እቲ ጸገም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ እዮም እዞም ሓይልታት ምትሕብባር ዝገብሩ ዘለዉ። ኣብ መግለጺታቶም ዘነጸርዎ እውን ነዚ እዩ። ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ነቲ ኵነታት ኣግዲዱዎ እምበር ክፈትሖ ኣይከኣለን። ክፍትሖ እየ እንተ በለ'ውን ከም ዘይክእል ብግብሪ ተረጋጊጹ እዩ።
ቢቢሲ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ብምስራሕካ ከም እትሓፍረሉን ከም እትሓዝነሉን ገሊጽካ ኢኻ። ሕጂ ንድሕሪት ናብቲ ለውጢ ክትምለስ እንተ ትኽእል፡ እንታይ መተዓራረኻ ነይርካ?
ገዱ፡ ኣነ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ምዕያየይ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኸይ ዘሕዝነንን ዝሓፍረሉን እዩ ኢለ እየ። ምኽንያተይ ከኣ እቲ ለውጢ ምምካኑን ንሕማቕ ዕላማ ምውዓሉን ጥራይ ኣይኰነን። ንመሪሕነት ሃገር ዘይበቅዕ ሓይሊ፡ ንሃገር ዘፍርስ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ሕልኽላኽ ዘዳረገ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ንውሱን እዋን እኳ እንተዀነ ምስኡ ምዕያየይ የሕፍረኒ እዩ።
ብቐዳማይ ደረጃ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ዝቈጻጸረሉ፡ ምስ ዝደሊ ዝስርዘሉ፡ ምስ ዝደሊ ዘውርደሉ ትካላዊ ዝዀነ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ኢለ እኣምን። ሓደ ውልቀሰብ ስልጣን ተቘጻጺሩ ዝደለዮ ዝገብረሉ ኵነታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዳግማይ ብዘይምለስ መንገዲ ክዕጾ ኣለዎ ኢለ እኣምን።
ስልጣን መንግስቲ ብደሞክራስያዊ መረጻ ክረጋገጽ ከም ዘለዎ ኰይኑ፡ እዚ ፖፑሊስታዊ ናይ ጭፍራ ፖለቲካ ንብዙሓት ኣብ ጌጋ ከም ዝሸመመ እዩ ዝስምዓኒ። ብርትዕን ምኽንያትን ዘይኰነስ፡ ጽልኢ ብምውላዕ ወይ ምናባዊ ሕልሚ ብምፍጣር ብሆይ-ሆይታ ስልጣን ንምጭባጥ ካብ ዝግበር ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግቡእ ትምህርቲ ክወስድ ይግባእ።
ቢቢሲ፡ ካብዚ ንደሓር ፖለቲካዊ ሓሳብካ ብኸመይ ከተዐውት ኢኻ ትደሊ?
ገዱ፡ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ መብዛሕትኡ ዕድመይ ኣብ ፖለቲካ እየ ኣሕሊፈዮ። ኣብ መወዳእታ ውጽኢቱ ስደት እኳ እንተዀነ፡ ንሃገረይ ይጠቅም እዩ ኢለ ኣብ ዝሓሰብኩዎ ፖለቲካዊ ሓሳብ ርእይቶ ካብ ምሃብ ኣይቍጠብን እየ። ግናኸ ሕጂ ዝገብሮ ዘለኹ ሓሳበይ ምክፋል እዩ፣ ሰልፊ ምቋም ኰነ ናብ ሰልፊ ናይ ምእታው ሓሳብ የብለይን።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
