ጉግል፡ ዓለም ዝቐየረ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ተምሃሮ

(Google)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጉግል

ቆልዓ ፦ " ኣቦይ! ድሕሪ ሞት እንታይ ክፍጠር ይኽእል?" ኣቦ ፦ " እንድዒ ዝወደይ። ብርግፀኝነት ማንም ክፈልጥ ኣይኽእልን። ንምንታይ ንጉግል (Google) ዘይትሓቶ?"

ብርግፅ፡ ዋላ እኳ ጉግል ድሕሪ ሞት ሂወት ከም ዘሎ እንተዘይነገረና፡ ጉግል ዝብል ቃል ግን፡ ብዝለዓለ ደረጃ ኩሉ ግዘ ኣብ ዘረባና እንደጋግሞ እዩ።

ካብ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ካሊፎርኒያ ዝተወሰደ፡ ጉግል፡ አብ መላእ ዓለም ንክባፃሕ ዕስራ ዓመታት ጥራሕ እዩ ወሲድሉ።

ቅደሚ ጉግል ኣብ ኢንተርኔት ሓበሬታ ምድላይ ክንደየናይ ከቢድ ከም ዝነበረ ንምግማቱ ኣየፀግምን።

ብርግፅ መስረቲ ጉግል ላሪ ፔጅን ሰርጌ ብሪንን፡ ሓበሬታ ንምእላሽ ዝሐሸ መንገዲ ንምፍጣር ብዙሕ ድሌት ኣይነበሮምን።

ይኹን 'ምበር ተበግሶ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ብዙሕ ሙሁራዊ ምንቕቓሕ ፈጢሩ'ዩ።

ዓለም ዝቐየሩ ተምሃሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰርጌ ብሪንን ሌሪ ፔጅን ጉግል እንትፈጥሩ መፅናዕታዊ ፅሑፎም ተኣማንነት ክረክብ ፅዒሮም።

ኣብ ትምህርቲ ዓለም፥ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብተደጋጋሚ እንተተሓቲሞም መለክዒ ተኣማንነት እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብተደጋጋሚ እንተተጠቒሶም ከዓ መግለፂ ክብሪ ይኸውን።

መስረቲ ጉግል ድማ ኩሎም ፈለጋት መርበብ (links) ዝትንትንሉ ሜላ እንተድኣ ረኺቦም፡ ኣብ ዝኾነ ርእሰ ጉዳይ ተኣማንነት ከምዘሕድሩ ተገንዚቦም።

እዚ ድሕሪ ምትግባር ሜልኦም ኣብ ዘማሓየሽሉ እዋን፡ ዝበለፀ መድለይ ሓበሬታ ከም ዝረኸቡ ተረዲኦም።

በዚ ድማ ፈለምቲ እቲ ሓሳብ ፔጅን ብሪንን፡ ብቐሊሉ ቀልቢ ሰብ ሃፍቲ ብምስሓቦም፡ ጉግል፡ ካብ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ናብ ውልቀ ትካል ተሰጋጊሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ጉግል ኣብ ዓለም ብዓሰርተታት ቢልዮናት ካብ ዘትርፉ ትካላት ዓለም ሓደ እንትኸውን፥ ፈለማ እንትጅመር ግን መስረትቱ ዘውፅእዎ ዝነበሩ ገንዘብ፡ ብኸመይ ክመልሱዎ ከም ዝኽእሉ ግልፂ ኣይነበሩን።

ቅልጣፈን ግልፅነትን

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብ2001 ምልክታት ብዝተጠወቑ ቁፅሪ፡ ሒሳብ ዝኽፈለሉ መስርሕ ዝፈጠረ ጉግል፡ መላለይቲ ምልክተኦም ኣብ ኢኒንተርኔት ብዝተጠወቐሎምን ሰባት ብዝረኣይዎን ቁፅሪ ንጉግል ይኸፍሉ።

እዚ ድማ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝላለዩ ምልክታታት ንላዕሊ ውፅኢታዊ ኮይኑ።

ጋዜጣታት

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጣታት ምልክታ ኣብ ምልላይ ብዝለዓለ ደረጃ ቀኒሶም እዮም።

ኣብዝሓ ሰባት ኣብ ጋዜጣ ዝሓልፉ ምልክታታት ካብ ምርኣይ ብዝዘለለ በቲ ዝሽየጥ ነገር ድሌት ኣይሓድሮምን።

ሚድያታት ንሓድሽ ቢዝነስ ሞዴል ዝገብርኦ ውድድር እውን ውፅኢት ኣለሻ ጉግል እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ጉግል እንደልየሎም ሓደሽቲ ቴክኖሎጅታት እውን መነባብሮ ደቂ ሰባት ለዊጦሞ እዮም።

ብኣውርኡ ድማ ሰባት ግዘኦም ካብ ምቑጣብ ብዝዘለለ፡ ኣብ ቀጥታ መስመር ኢንተርኔት ስራሕቲ ንግዲ እንተሳልጡ፡ ካብ ሕትመት ንላዕሊ ብሰለስተ ዕፅፊ ብምቕልጣፍ፡ ብኣማኢት ቢልዮናት ውፅኢታውያን ከም ዝኾኑ ይግለፅ።

ግዴታዊ ዓብላልነት

ኣብ ቀጥታ መስመር ኢንተርኔት ዝድለዩ ነገራት ብቐሊሉ ንኽርከቡ ዘኽኣለ ጉግል፡ ፍሉይ ድሌት ዘለዎም ዓማዊል ዝደልይዎ ነገር፡ ኣብ ከባቢኦም ካብ ዘሎ ሹቕ ንላዕሊ ኣብ ኢንተርኔት ምዕዳግ ክመርፁ ልዑል ተራ ኣበርኪቱ እዩ።

እዚ ኣጋጣሚ ንነጋዶን ዓማዊልን ጥዑም ዜና'ዩ ነይሩ።

ሓደ ፀገም ግና ተኸሲቱ። ጉግል 90 ሚእታዊ ኣለሻ ዕዳጋ ዓለም ብምቁፅፃሩ ኣማኸርቲ ንግዲ ኣብ ልዕሊኡ ስኖም ነኺሶምሉ።

ጉግል ኢትዮጵ

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1990ታት ኣለሻ ንባዕሉ ንሕንሕ ዝበዝሖ ዓይነት ንግዲ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ተፈትወ ተፀልአ፡ ጉግል ዓብላሊ ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ ጉግል ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ መርበብ ሓበሬታታት ንላዕሊ ውድድር ዕዳጋ ዓለም እናመርሐ ይርከብ።

እዚ ድማ መፃኢ ዕድል እቲ ትካል ብሩህ ምዃኑን ንመፃኢ ወለዶ ዝኸውን እኹል ፍልጠት ከም ዝኸዘነን ሓባሪ እዩ።