መግቢ ብኣፋ ክትኹልስ ዘይተዓደለት ፍልጥቲ በዓልቲ ሞያ ክሸና መግቢ

ምንጪ ስእሊ, Amy Maidment
ሎሬታ ሃርሜስ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት መግቢ ዝበሃል ናብ ኣፋ ኣሕሊፋ ኣይትፈልጥን። እዚ ግን መግቢ ካብ ምብሳል ወይ ምድላው ኣይኣገዳን።
ዝሰርሓቶ መግቢ ጨው በዚሕዎ’ዶ ውሒድዎ ጥዒማ’ኳ ክትፈልጦ እንተዘይከኣለት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢንስታግራም ግን ብዙሓት ፈተውቲ ኣፍሪያ’ላ።
ዘብሰለቶ ድንሽ ናብ ኣፋ ክተሕልፎ ስለዘይትኽእል ንሃፍኡ ተጠዓዕሞ። እኽልን ማይን ብኣፋ ሓሊፉ ማለት ከቢድ ስቓይ እዩ።
ነቲ ብዝተለመደ መገዲ ኣጠዓዒማ ክትምገቦ ዘይከኣለት መግቢ ግን መሊኣ ክትርሕቖ ኣይመረጸትን፤ ዝስምዓ ቓንዛ እናተጻወረት ኣብ ክሽነ ክትውዕል ወሲና’ላ። ኣበሳስላ ማለት ምድላው ምግቢ ብትምህርቲ ዝረኸበቶ ሞያ’ዩ።
“ምስ ኣደይን ሓፍተይ ኣብ ሓደ መኣዲ ኮፍ ኢልካ መግቢ ምምጋብ ፍሉይ ታሕጓስ’ዩ ዝፈጥረልካ” እትብል ሎሬታ ነዚ ካብ ዘይትዕደል ግን ሽድሽተ ኣዋርሕ ተቖጺሮም።
ጓል 23 ዓመት ሎሬታ ብፈሳሲ መልክዕ ካብ ዝወሃባ መግቢ ወጻኢ ቤተሰባ ንመኣዲ ከቢቦም ኮፍ ኣብ ዝብሉሉ ጊዜ ኣብ ውሽጢ ክፍላ ኮፍ ካብ ምባል ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብላን።
ተኸሺኑ ዝተዳለወ ስጋ ደርሆ ኣልዒላ ክትምገብስ ይትረፍ ፋርኬታ ኣልዒላ ብኢዳ ክትሕዝ እውን ዘገረም ነገር’ዩ ዝኾና ነይሩ።
ቁሩብ ዘሕጉሳ ሓደ ዕድል ረኺባ ነይራ። ካብቲ ኣብ ብያቲ ዝቐርብ መግቢቁሩብ ክትኹልስ በቒዓ። ነዚ ዝገበረ ከኣ ሓደ በዓልሞያ እዩ። ስለምንታይ መግቢ ክተበልዕ ከላ ከምዘሕምማ፤ ንምንታይከ ናብ ሽቓቕ ከይዳ ክትጥቀም ዘይትኽእል? ዝብሉ ነገራት ንምጽናዕ’ዩ ነዚ ዝገብር ዘሎ።
ሎሬታ ቆልዓ ኮይና ብቴሌቪዥን ንዝቐረብኡ ምድላዋት ክሸና መግቢ ብምክትታል ዘዝረኣየቶ እናፈተነት ንቤተሰባ ተቕርብ ነይራ። ጓል 11 ዓመት እናሃለወት ብፍላይ ኣዲኣ ኣብ ስራሕ ኣምሲያ ትመጽእ ብምንባራ መግቢ ኣዳልያ ትጽበያ።
ኣዲኣ ከምእትብሎ ሎሬታ መግቢ ክተብስል ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ንፈለማ ዝሰርሓቶ ብስልሲ ኮሚደረ ዝተዳለወ ፓስታ ክኸውን ከሎ፤ ብድሕሪኡ ግን ውሕልና ዝሓቱ ክብድ ዝበሉ መግብታት ምኽሻን ቀጺላትሉ።
ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኮይና ኣብ ሓደ ውድድር ክሸና መግቢ ተሳቲፋ ተዓዋቲት ክትኸውን በቒዓ ነይራ። ብዘይካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝካየዱ ውድድራት ምድላው መግቢ ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ውድድራት’ውን ተሳቲፋ ዋንጫ ዝረኸብትሎም ኣጋጣምታት ኣለዉ።
“ናይ ሎሬታ ብቕዓት ኣብ ክሽነ ብዝረኸበቶ ኩሉ ነገራት መግቢ ክተዳልው ምኽኣላ እዩ” ትብል ኣዲኣ ጁሊ።
እቲ መግቢ ምምጋብ ዘኸትሎ ቅልውላው ጥዕና [‘ኢቲንግ ዲስኦርደር] ገና ጓል 15 ኮይና’ዩ ዘጋጠማ። ገና ቖልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን’ውን መግቢ ናይ ዘይምሕቓቕ ጸገማት የጋጥማ ከምዝነበረ ትዝክር። በዚ ምኽንያት ከኣ ዝበልዓቶ መግቢ ክኹርኩሓን ስቓይ ክፈጥረላን ጀሚሩ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ድማ ቃንዝኡ እናወሰኸ ከይዱ።
ሎሬታ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስዛዘመት ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ዓብዪ ኮሌጅ ምድላው መግቢ ኣትያ’ኳ እንተነበረት ብሰንኪ ኩነታት ጥዕንኣ ግን ነቲ ኣብ ሰለስተ ዓመት ዝውዳእ ትምህርቲ ገና ሓደ ዓመት ምስተምሃረት ኣቋሪጻቶ።
ትምህርታ ኣቋሪጻ ዝበዝሕ ጊዜኣ ኣብ ዓራት ክተሕልፍ ዝተገደደት ሎሬታ ሕማማ ንሰብነታ ኣድቀቖ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ንጸገም ኣእምሮኣዊ ጥዕና ተቓሊዓ። ብዙሕ ጊዜ ነብሰ ቕትለት ንምፍጻም ከምዝፈተነት’ያ ትዛረብ።
ሓደ እዋን ናብ ሚዛን ደይባ ክብደት ሰብነታ ኣብ ዝተመዝነሉ ጊዜ 25 ኪሎ ኮይና፤ እዚ ከኣ ብህይወት ንምጽንሓ’ውን ከምዝፈታተኖ ዶክተራ ሓቢርዋ። በዚ ምኽንያት’ውን ንቓንዝኣ እናተጻወረት ክንድዝኸኣለቶ መግቢ ክትወስድ ፈቲና።
ሓገዝ ሕክምና ንኽትርከብ ብዝብል ናብ ሓደ ማእኸል ምስተወሰደት ኣብ መዓልቲ ሽድሽተ ጊዜ መግቢ ክትምገብ ተነጊርዋ። ሰለስተ ጊዜ ክብድ ዝበሉ መግብታት ሰለስተ ጊዜ ድማ ከም ብሽኩቱ ዝበሉ ቅልል ዝበሉ ክትወስድ ግድን ነይሩ።
ንሳ ነቲ ዝቐረባለ መግቢ ከይወደአት ካልኦት ተሓከምቲ ካብ ኮፍ ዝበሉሉ ቦታ ክለዓሉ ኣይፍቀደሎምን። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ተሓከምቲ ይቕየምዋ ምንባሮም ትዛረብ።
ኩሎም ተሓከምቲ ከኣ ብድሕሪ መኣዲ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ጥቡቕ ክትትል ይግበረሎም ነይሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብዝተፈላለየ መገዲ ነቲ መግቢ ከየውጽእዎ ብዝብል’ዩ።
ሎሚ ከመይ ኣላ?
ንዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ምርመራን መጽናዕትን ፍርቂ ክፋል ከብዲ ሎሬታ ካብ ረብሓ ዘይብሉ ምዃኑ ተረጋጊጹ። እቲ ሕማም ብዘርኡ (ብተዋርሶ) ከምዝመጽእ እውን ሓኻይም ክፍልጡ ኪኢሎም።
በዚ ምኽንያት ድማ ሎሬታ መግቢ ክትምገብ ክትግደድ ከምዘይብላ ተፈሊጡ። መግቢ ናብ ኣፋ ካብ ዝሓልፍ ከኣ ሽድሽተ ዓመታት ተቖጺሮም ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን ንመግቢ ዝትክእ ነገር እትረኽበሉ መገዲ ን 18 ሰዓታት ብኢዳ ተሸኪመቶ ብእትዘውር ቱቡ ኣቢላ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ትቦ ብኣፍልባ ሰጊሩ ነቲ ብፈሳሲ መልክዕ ዝተዳለወ መግቢ የመሓላልፍ።
ሎሬታ ግን ነዚ ኩሉ ቃንዛ ተጻዊራ ነቲ ፈጺማ ክትለኽፎ ዘይትኽእል መግቢ ከሺና ክተዳሉ ትውዕል ኣላ። ነቲ እተዳልዎ መግቢ ክትጠዕሞ ዘይምኽኣላ ድማ ኣብ ኢንስታግራም ብዙሓት ሰዓብቲ ክተፍርይ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







