ቴክኖሎጂ፡ ማሕበራዊ መራኸብታት ንዓሌታዊ ጥቕዓት ክገትእዎ’ዶ ይኽእሉ?

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መዛዘሚ ግጥማት ዋንጫ ኣውሮጳ ምስ ጣልያን ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ምስተሰዓረት ኣብ ልዕሊ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓቱ ተጻወትቲ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝፍጸም ዓሌታዊ ጥቕዓታት ክስዕብ ከምዝኽእል ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።
ንምዃኑ ንኸምዚ ዝበለ ጥቕዓት መልሲ ክህብ ዝኽእል ቴክኖሎጂ ይህሉ’ዶ ይኸውን? ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢ’ኸ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ገና ናብ ድሕሪት ተሪፈን’ዶ ይኾና?
ኣብ ዝጥቅዑ መልእኽትታት ክትትል ክግበርን ምምእኻል ክህሉን ዝደፋፍኡ ርእይቶታት እናበዝሕወን ዝመጽኡ ኩባንያታት ማሕበራዊ ኩባንያ፤ ንትሕዝቶታት ዝቆጻጸሩ ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ክቖጽራ ጀሚረን። እቲ ስራሕ ጽዑቕ ምዃኑ ምስተገንዘባ ድማ፡ እቲ ስራሕ ብማሽናት ዝተሓገዘ ክኸውን ገይረን።
ኣብዚ ንፌስቡክ ከም ኣብነት እንተወሲድና ምስ ግብረ-ሽበራ ዝተሓሓዝ መልእኽቲ ዘሕልፉ ብዙሓት ትሕቶታት ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ክኣልይ ምኽኣሉ ይፍለጥ።
ኣብ 2017 ብኣልቃይዳን ጉጅለ እስላማዊ መንግስትን ካብ ዝተጠቅዑ መልእኽትታት ነቶም 99 ሚኢታዊት ካብ ሰባት ጥቆማ ከይበጽሖ ከሎ በቲ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ኣልይዎም።
ኣብዚ ሰሙን ግን ድኹም ጎንታት ቴክኖሎጂ ዝተረኣየ ይመስል። ኣብ ናይ ተጻዋቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ቡካዮ ሳካ ትዊተር ገጽ ኣብ ዝተልኣኸ መልእኽቲ፡ ካብ ‘ኢሞጂ’ ዝተወሰደ ምስሊ ህበይ ዝረኣየት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ክሪስቲና ክሪደል ናብ ትዊተር ምስ ሓበረት ዝረኸበቶ መልሲ “ቴክኖሎጂና እቲ ርእይቶ ምስ መምርሕታትና ዘይጻባእ ኮይኑ ረኺብዎ’ሎ” ዝብል ነይሩ።
እዚ መልእኽቲ ከኣ “ቴክኖሎጂና ምሉእ ኣይኮነን” ናብ ዝብል ዝወስድ’ዩ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ኢንስታግራም ዝኾነ ኣዳም ሞሰሪ ጌጋታት ከምዝተፈጸሙ ተኣሚኑ። “ንጸብጻብ ዝፍትሽን ዝሰርዕን ቴክኖሎጂ ኣለና፤ ብጌጋ ድማ ብጹም ዘይኮኑ እናሃለዉ ንገሊኦም ርእይቶታት ዘይሓደገኛ ኢልና ሰሪዕናዮም። እዚ ጸገም ሪኢናዮ ኣለና” ክብል ንናይ ክርስቲና ርእይቶ መልሲ ሂቡ።
ኣብ ዙርያ ቴክኖሎጂ ዝጽሕፍ ቻርለስ ኣርቸር ግን “እቲ ቴክኖሎጂ ፍጹም ኣይኮነን ምኽንያቱ ዝሰርሕዎ ሰባት ንነብሶም ፍጹም ስለዘይኮኑ” ክብል ንኢንስታግራም ዝውንን ኩባንያ ፌስቡክ ብዙሕ ይጽዕር ኣሎ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ኣረዲኡ።
ኣብ ኢሞጂ ዝርከብ ምስሊ ህበይ ናብ ጸሊም ተጻዋቲ ምልኣኽ ብዙሕ ጸገም ከምዘይብሉ ንቴክኖሎጂ ምሕባር ዝነቅፍ ቻርለስ “ኣብ ኮምፒተር ነዚ ጸገም ንምቕያር ኮነ ካልኦት ከምዚኦም ዝበሉ ኣጥቃዕቲ ዝኾኑ ኢሞጂታት ከይለኣኹ ምግባር ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወስድ ስራሕ ኣይኮነን” ኢሉ።
ኣብ ዘጋርዲያን ኣራሚ ንቴክኖሎጂ ዝምልከቱ ጽሑፋት ዝነበረ ቻርለስ ኣርቸር ‘ሶሻል ዋርሚንግ’ ዝብል ርእሲ ዘለዎ መጽሓፍ ጽሒፉ’ሎ። መጽሓፉ ከኣ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ዋኒናት ዘሕድሮ ጽልዋ ይድህስስ።
ነቐፌትኡ ከኣ ብፍላይ ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ተጠቀምቲ ንገጹ ከመይ ክብለጹሉ ከምዝኽእሉ ክግንዘብን ከመይ ክቆጻጸሮ ከምዘለዎ ክዳለውን ዘይከኣለ ፌስቡክ የነጻጽር።
ፖለቲከኛታት ኣብዞም ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ጥቡቕ ክትትል ከምዝገብሩ ቃል ብምእታው ጎዳእቲ ዝኾኑ ትሕዝቶታት ካብ ገጾም ብቕልጡፍ ክኣልዩ እንተዘይኪኢሎም ዝቕጽዑሉ ሕጊ ክሳብ ምድላው ከምዝበጽሑ የጠንቅቑ።
ገለ ትካላት ነዚ ቅልጡፍ ፍታሕ ዝበልዎ ኣማራጺ ሒዞም ክመጽኡ ይረኣዩ ኣለዉ። ቢል ሚሸል ካብ ቢሲኤስ ዝተበሃለ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ሓደ ሓሳብ ኣካፊሉና። ኩባንያታት ማሕበራዊ ሚድያ ንመንነት ተጠቅምቶም ዘለልዩሉ መገዲ ብዛዕባ ምንዳይ።
“እዚ ማለት ከኣ ንጸባያትካ ተሓታቲ ናይ ምዃን ሓላፍነት እንተወሲድካ፤ ንእትብሎ ነገር ሓላፍነት ትወስድ እንተኾይንካ፤ መን ምዃንካ ክንፈልጥ እንተኺኢልና፤ ፍጹም ፍንፉንን ተቐባልነት ዘይብሉን ነገር እንተፈጺምካ ከምዚኦም ዝበሉ ድልየታትካ ከይትፍጽም ዝኽእልክል ይኸውን” ክብል የረድእ።
ገለ ኣባላት ቢሲኤስ ግን ነዚ ሓሳብ ዘይቅበሉሉ ምኽንያት ከቐምጡ ከለዉ፤ ብኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥለቡ መዘወሪ መኪና ፍቓድን መለለዩ መንነት [ታሴራ] ንዘይብሎምን ሰባት ዘጓንይ ከምዝኸውን ይገልጹ።
ማሕበራዊ መራኸብታት ንፈለማ ኣብ ዝተላለዩሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታትን መረጽትን፤ ፍሉጣት ሰባትን ደገፍቶምን ብማዕረ ክራኸቡ ዘኽእል ሓድሽ ምዕራፍ ዴሞክራሲያዊ ርክባት ከምዝፈጥር ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።
እዚ ሕልሚ ብምቕሃሙ ግን እቲ ደሓን ዝነበረ ተመሪዙ፤ ነገራት ብኸመይ ዝሓሹ ምግባር ይከኣል ኣብ ዝብል ምርድዳእ ተሳኢኑ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







