ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ማሕበራዊ መራኸብታት ምጥቃም ደው ከብላ ምዃነን ኣፍሊጠን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጋንታታት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ፣ ኢንግሊሽ ፉትቦል ሊግን ሱፐርሊግ ደቂኣንስትዮን ንኣርባዕተ መዓልታት ካብ ተጠቓምነት ንክዕቀባ ምውሳነን ሓቢረን።
እተን ጋንታታት ናብዚ ውሳነ ዝበጽሓ ኣብቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ዝረኣዩ ዘርኣዊ ጥቕዓትን ምግላልን ንምቅዋም ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ኣድማ ምቁራጽ ተጠቓምነት ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት’ዩ ክጅምር።
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ፣ እቲ ጉዳይ ይምልከተና ዝብሉ ኣካላትን ‘ኪክ ኢት ኦፍ’ ዝተበሃለ ኣንጻር ምግላል ዝቃለስ ትካል ኣብዚ ተቓውሞ ክሳተፉ’ዮም።
ኣቦ መንበር ‘ኪክ ኢት ኦፍ’ ሳንጃይ ባንዳሪ “እዚ ኣድማ በቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ከምዘማረርና ዘርእይ እዩ” ክብል ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ “ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብዚ እዋን ኣዝዮም መርዛማት ንዝኾኑ ጥቕዓታት ተሳጢሖም ይርከቡ። ሓቢርና ነዚ ኣድማ ነካይይድ ዘለና ድማ ዝምልከቶም ሓለፍቲ መልእኽትና ንኽበጽሖም ብዝብል’ዩ። ስጉምቲ ክትወስዱ ንደልይ ኢና። ለውጢ ክተምጽኡ ኢና ንብህግ” ኢሉ።
እቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ነቶም ብሕቡእ ጥቕዓታት ዝፍጽሙ ዘይኮነስ ንማሕበረሰብ ኩዕሶ እግሪ ዝምችዉ ክኾኑ ከምዘለዎም ድማ ሓቢሩ።
ምስ ሕብሪ ቆርበቱ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተደጋጋሚ ጥቕዓት ዝበጽሖ ተጻዋቲ ጋንታ ሼፊልድ ዩናይትድ ዴቪድ ማክጎልድሪክ “እቲ እዋን ሕዚ እዩ” ክብል ነቲ ወፍሪ ዘለዎ ድጋፍ ገሊጹ።
“ኣባይ ዝበጽሐ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተጻወትቲ’ውን በጺሑ እዩ። ዝኾነ ነገር ክግበር ኣለዎ። ንሕብሪ ቖርበት መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ምፍጻም ንብዙሓት ዝቐልል ተግባር’ዩ” ኢሉ።
ጋንትኡ ትማሊ ቀዳም [24/04/2021] ምስ ብራይተን ኣብ ዝነበራ ግጥም ሓንቲ ሽቶ ኣቑጺሩ ክትዕወት ብድሕሪ ምግባሩ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ንሓሳብ ሱፐር ሊግ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣወጊድና ንዘርኣውነት ግን ስለምንታይ ክንስዕሮ ዘይከኣልና?” ክብል ሓቲቱ።
ንዓሌታዊ ጥቕዓት ተቓሊዑ ዝነበረ ኣጥቃዓይ ጋንታ ብራይተን ኒል ሞፔም ብወገኑ ንስካይ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “እቲ ኣድማ ትኽክለኛ እዩ” ክብል ደጊፉ።
ብመሰረት እቲ ዝካየድ ኣድማ ጋንታታት፣ ኣመሓደርትን ማሕበር ዳኛታት ኩዕሶ እግርን ንመዓልታት ካብ ትዊተር፣ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ነነብሶም ከርሕቖ ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።
ቅድሚ ሰሙናት ኣቢሉ ጋንታ ስዋንሲ ሲቲ ኣብ ልዕሊ ተጻወትቲ እታ ጋንታ ብዝተፈጸመ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ኣድማ ኣካይዳ ምንባራ ይዝከር።
ጋንታታት በርሚንግሃምን ስኮትላንዳዊት ሬንጀርስን እውን ተመሳሳሊ ኣድማ ኣካይደን ነይረን።
ተጻዋቲ ጋንታ ኣርሰናል ነበር ቲዬሪ ሄንሪ ድማ ብዓሌታውን ካልኦት ጥቕዓታትን ምኽንያት ካብ ተጠቓምነት ማሕበራዊ ሚድያ ንነብሱ ከምዘርሓቐ ኣፍሊጡ’ዩ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸብታት ነቲ ጸገም ክፈትሕኦ እንተዘይኪኢለን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ፌስቡክ ድማ ከበድቲ ስጉምትታት ክወስድ ምዃኑ ኣብ ወርሒ ለካቲት ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።
ብፌስቡክ ዝመሓደር ኢንስታግራም ብወገኑ ተጠቀምቲ መሓዙቶም [‘ፍሬንድስ’] ካብ ዘይኮኑ ሰባት መልእኽቲ ከይበጽሖም ዘኽእል መገዲ ንምትእትታው ውጥን ከምዘለዎ ቅድሚ ሰሙን ኣፍሊጡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







