ጣልያን፡ 15 ዓመት ናብ ስራሕ ከይወፈረ ወርሓዊ ደሞዝ ክወስድ ዝጸንሐ ሰብ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ኣብ ሆስፒታል ጥልያን ዝሰርሕ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ንዝሓለፈ 15 ዓመታት ናብ ስራሕ ከይወፈረ ብኾፉ ደሞዝ ክወስድ ከም ዝጸንሐ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
እቲ ወልቀ ሰብ ካብታ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ መካታንዛሮ እትርከብ ችያቾ እትብሃል ሆስፒታል ካብ 2005 ጀሚሩ ንሓንቲ መዓልቲ'ውን ናብ ስራሕ ወፊሩ ኣይፈልጥን።
እቲ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ውልቀ ሰብ ብምጥፍእን ምንዘዐ ገንዘብን ክሲ ቀሪብዎ ይምርመር ከም ዘሎ ኣንሳ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣቃሊሓ።
እቲ ሰራሕተኛ ሆስፒታል ዝነበረ ውልቀ ሰብ ናብ ስራሕ ከይወፈረ ክሳብ ሕጂ ብጠቕላል 538 ሽሕ ዩሮ ደሞዝ ተቐቢሉ።
ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሽዱሽተ ማናጀራት'ውን ምስ ናይ'ዚ ውልቀሰብ ክሲ ብዝተሓሓዝ ይሕተቱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
መንግስቲ ዓዲ ጣልያን ኣብ ህዝባውያን ጽላታት ይፍጸም ኣሎ ንዝብሃል ምጥፋፋኣትን ብኩራት ሰራሕተኛታትን ኣመልኪቱ ምጽራይ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዩ ጉዳይ ናይዚ 15 ዓመት ከይሰረሐ ደሞዙ ዝተቐበለ ውልቀ ሰብ ክፈልጦ ክኢሉ።
ፖሊስ ዓዲ ጣልያን ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ 2005 እዩ ኣብቲ ሆስፒታል ተቆጺሩ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ነቲ ስራሕ ገዲፍዎ።
እቲ ውልቀ ሰብ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሓሉ ዝነበረ ግዜ ነታ ሓላፊቱ ዝነበረት ብዛዕብኡ ሕማቕ ጸብጻብ ከይተቕርብ ኣፈራሪሕዋ ከም ዝነበረ ፖሊስ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ንሳ'ውን ነዊሕ ከይጸንሐት ጥሮታ ስለ ዝወጽአት ተኪእዋ ዝምጽአ ውልቀ ሰብ ይኹን ምምሕዳር ዓቕሚ ሰብ እቲ ሆስፒታል ብኩራት ናይዚ ክሱስ ከይስተውዓለሉ ክኸዱ ጸኒሖም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







