ወዲ 53 ዓመት ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፡ካዙዮኪ ሚውራ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ፈሪሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኩዕሶ እግሪ ጃፓን ብዕድመ ዝዓበየ ሸቶ ዘመዝገበ ዝብል ክብረ ወሰን ዘለዎ ወዲ 53 ዓመት ካዙዮኪ ሚዩራ፡ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ምስ ጋንታ ዮካሃማ ክጻወት ፈሪሙ።
ሚውራ ሊግ ጃፓን 2021 ቅድሚ ምጅማሩ፡ 26 ለካቲት 54 ዓመቱ ክመልእ እዩ።
እቲ ኣጥቃዒ ሃገራዊት ጋንታ ጃፓን ነበር ኣብ 2005 ናብ ጋንታ ዮካሃማ ዝተጸንበረ ኮይኑ ንመበል 17 ናይ ውድድር ዘበን እዩ ንጋንትኡ ክስለፍ።
"ንኩዕሶ እግሪ ዘለኒ ባህግን ድልየትን እናወሰኸ ጥራሕ እዩ ዝኸይድ ዘሎ"ይብል ሚውራ።
ኣብ 1986 ምስ ብራዚላዊት ጋንታ ሳንቶስ ዓለምለኻዊ ናይ ኩዕሶ እግሪ ሞይኡ ሓደ ኢሉ ዝጀመረ ሚውራ፡ ኣብ 2017 ወዲ 50 ዓመት ኮይኑ ኣብ ሊግ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ቴስፓኩሳቱ ጉንማ ዘቑጸራ ሸቶ፡ ኣብ ሊግ ጃፓን እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን ኣኽኢላቶ እያ።
"ንጉስ ካዙ" ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ እዚ ተጻዋታይ፡ ኣብ ጃፓን ኣዝዩ ፍቱው ተጻዋታይ ክኸውን ከሎ፡ ጄ ሊግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ጃፓን ኣብ 1993 ክጅመር ከሎ ምልክት እቲ ሊግ ነይሩ።
ንጃፓን ኣብ 89 ጸወታታት ተሰሊፉ 55 ሸቶታት ዘቑጽረ እንትኾን፡ ኣብ ጣልያን፣ ክሮሽያን ኣውስትራልያን ኣብ ዝርከባ ጋንታታት እውን ተጻዊቱ እዩ።
![ቤት-ጽሕፈት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ [ካፍ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/11A15/production/_110931227_18f87a45-31fc-48d1-bd24-a76d04ea7481.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







