ዲድየር ድሮግባ፡ ካብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዓርሱ ከግልል ወሲኑ

ፍሉጥ ኣይቬሪ ኮስታዊ ተጻዋቲ ቼልሲ ነበር ዲድየረ ድሮግባ፡ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ጠጠው ከብል ወሲኑ።
እዚ ወዲ 40 ዓመት ፍሉጥ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ግጥም ኣውዲቅካ ኣምሕላፍ ክለባት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ጋንትኡ እንተተዓዊታ፡ ኩዕሶ እግሪ ንዘቋርፀሉ ግዜ ፅቡቕ መዛዘሚ ክኾነሉ'ዩ።
ዲድየር ድሮግባ፡ ብኽፋል ንዝውንና ኣሜሪካዊት ጋንታ ፎኔክስ ራይዚንግ ብኣጥቀዓይነት ዝጻወት ዘሎ ኮይኑ፡ ናብ ፍጻመ ጸወታ ሊግ ሶከር ዩናይትድ'ውን ክትኣቱ ኣኽኢልዋ'ዩ።
ቤርኬ ካባይ፡ ወናኒ ጋንታ ፎኔክስ ኮይኑ፡ ንድሮግባ ናብታ ጋንታ ክጽምበር'ውን ገይሩ።
ቤርኬ "ጋንታና ንዝህልዋ ናይ መወዳእታ ግጥም ጽዋዕ ኣሜሪካ ትማሊ እናተጓዓዝና፡ ኣዛሪበዮ ነይረ። እታ ጋንታ ዓወት ንኽተመዝግብ ኣብ ፅቡቕ ስለልቦናዊ ብቕዓት'ዩ ነይሩ። ንሱ ሰላማውን ነታ ጋንታ ጽቡቕ ነገር ዘምጽአን ብምዃኑ፡ ብዝገብሮ ነገር ሕጉስ'የ" ኢሉ።

ዲድየር ድሮግባ
- ኣብዚ ሕጂ እዋን ንጋንታ ፎኔክስ ራይዚንግ ይጻወት ኣሎ
- ዝበዝሐ ሸቶ ንሃገራዊት ጋንትኡ ዘመዝገበ ድሮግባ፡ ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ኣይቬሪ ኮስት'ውን ነይሩ
- ኣብ 2006ን 2009 ሽልማት ኣፍሪቓዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ወሲዱ
- ኣብ 2004፡ ብ2.4 ሚሊዮን ፓውንድ ንጋንታ ቼልሲ እንትፍርም፤ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝኸበረ ኣይቮርያዊ ኮይኑ
- ኣብ 2012 ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ልዕሊ 100 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኽኣለ፡ ቐዳማይ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ተባሂሉ
- ኣብ ዓመተ 2006/07 ኣብ ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ ጥራሕ 20 ሸቶታት ብምምዝጋብ ወርቂ ጫማ ተሸሊሙ

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







