ናፅነት ካታሎንያ እንተተኣዊጁ ጋንታ ኩዕሶ ባርሴሎና ናበይ ክተብል'ያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ባርሴሎና ኣብ ጉዳይ ናፅነት ካታሎንያ ተዓዛቢት ጥራሕ ኮይና ኣይፀንሐትን።
ዕለተ ሰንበት - ሓደ ጥቅምቲ ንዝካየድ ዓርሰ ውሳነ ብዝምልከት ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ደገፋ ክትገልፅ ፀኒሓ'ያ። መንግስቲ ግን እቲ ዓርሰ-ውሳነ ሕጋውነት ከምዘይብሉ ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ።
ፖሊስ ነቲ ምንቅስቓስ ንዝድግፉ ሰበ-ስልጣንን ዝተፈላለዩ ናውቲ ዓርሰ-ውሳነን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ስዒቡ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ብርኪ እናተሰጋገረ መፂኡ።
ዓባይ ከተማኣ ባርሴሎና ዝኾነት ካታሎንያ፥ ካብ ስፔን ናፅነታ እንተኣዊጃ፥ ድምቀት ላሊጋ ንዝኾነት ጋንትኣ'ዶ ክትስእና ትኸውን? ዕድል ኤል ክላሲኮ (ኣብ ሞንጎ ባርሴሎናን ማድሪድን ዝግበር ፀዋታ) ኣብዚ'ዶ የእክል?
ጋንታ ባርሴሎና ኣበየኒኡ ሸነኽ ትውግን?
ኣመራርሓ ጋንታ ባርሴሎና ፖለቲከኛታት ከምዘይኮኑ ኣትሪሮም ይዛረቡ። እታ ጋንታ እውን ንናፅነት ዝወገነ ድምፂ ናይ ምሃብ ዕድል የብላን። ምናልባት ካታሎንያ ካብ ስፔን እንተወፂኣ ድማ ኣብ ኣየናይ ሊግ ከም እትፃወት ኣይትፈልጥን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እታ ጋንታ ግን ንዓርሰ-ውሳነ ዝወገነት እያ። ኣብ መእተዊ እዚ ወርሒ ገለ ሰበ-ስልጣን ካታላን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ነይሮም።
ሽዑ ቅሉፅ ፖለቲካዊ መግለፂ እንትትህብ "ንዴሞክራሲ፣ ናፅነት ሓሳብካ ምግላፅን መሰል ዓርሰ-ውሳነን" ዝፀቅጥ ክትብል ገሊፃቶ።
ዝተፈጠረ ይፈጠር፡ ኣበየናይ ሊግ ከም እትፃወት ዓርሳ ምምራፅ ከምትኽእል ትኣምን ትመስል።
ዓለም-ለኻዊ መፍለዪ
"ኣብ ዝነበርናሉ ሊግ ከም ስፓኞል ክንቅፅል ኢና" ይብሉ ምክትል ፕረዚደንት ጋንታ ባርሴሎና ካርሌስ ቪላሩቢ። ደገፍቶም ግን ንቅዋም ስፔን ከምዝውግኑ እዮም ዝሓስብዎም።
ፕረዚደንት ሊግ ኩዕሶ እግሪ ስፔን ጃቪየር ቴባስ ግን፡አንፃራዊ ቅዋም እዩ ዘለዎም። "ኣብ ካታሎኒያ ናፅነት እንተተኣወጀ'ውን ባርሴሎና ኣበየናይ ሊግ ከም እትፃወት ዓርሳ ኣይክትውስንን'ያ" ይብሉ።
________________________________________
ዓወታት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ባርሴሎና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
- 24 ፅዋዓት ላሊጋ ዓቲራ
- 29 ፅዋዓት ኮፓ ዴል ረይ ተዓዊታ (ልዕሊ ዝኾነት ትኹን ጋንታ)
- ምስ መነሓንሕታ ሪያል ማድሪድ 235 ዓበይቲ ግጥማት ኣካይዳ፡ ማድሪድ 95 እንትትዕወት ባርሳ 91 ግዘ ረቲዓታ፡ ዝተረፉ 46 ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን
_____________________________________
ካብታ ጋንታ ዝተረኸበ ተኣማኒ ፍልፍል ሓበሬታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዛጊድ ካብ ሓሳባት ዘይዘለለ ጉዳይ ኣመልኪቱ በታ ጋንታ ዝወሃብ ዕላዊ መግለፂ ከምዘይህሉ የረጋግፅ።
"ኮይኑ ግን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ብመሪሕነት ካብ ሞንጎ ዝልለያ ምዃንና ኢና ንኣምን። ንስፔን ሓዊሱ ዝኾነ ይኹን ሊግ ንዓና ንምትእንጋድ ህንጥው እዩ" ይብል።
"ላሊጋ ስፔን ብዘይ ባርሴሎና ዝኸውን ኣይመስለንን" ዝብል ኣሰልጣኒ ሪያል ማድሪድ ዚነዲን ዚዳን ብወገኑ "ከም ደጋፊ ኩዕሶ እግሪ፡ ብሓፈሻ ድማ ስፖርት ኮይነ ክርእዮ ኣይክልን" ክብል ሓሳቡ የጠናኽር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







