ኢሳያስ ጂራ ሓድሽ ፕረዚደንት ኩዕሶ እግሪ ኢትዯጵያ ኮይኖም

ኢሳያስ ጂራ፡ ብድሕሪ'ቲ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ኣዘራራብን መረፃ ሓድሽ ፕረዚደንት ኩዕሶ እግሪ ኢትዯጵያ ኮይኖም።
ካብ 145 ድምፂ ሓፈሻዊ ጉባኤ ነቲ 87 ብምርካብ ንፕረዚደንትነት ተዓዊቶም።
ኢሳያስ ጂራ ብውክልና ክልል ኦሮሚያ ዝቐረቡ እዮም።
በቲ ዓወት ብጣዕሚ ከምዝተሓጎሱ ንቢቢሲ ዝገለፁ ኣይተ ኢሳያስ "ብድሕሪ ዝተናውሐን ከቢድን ጉዕዞ እቲ ዓጀውጀው ኣብቂዑ። ምንቕቓሕ ፈጢሩለይ" ኢሎም።
መስርሕ መረፃ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ፀገማት ክጓተት ፀኒሑ፤ ፊፋ'ውን ኣርባዕተ ግዜ ኣናዊሕዎ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ቀዳማይ መረፃ ኣይተ ኢሳያስ ንመወዳደርቶም ተካ ኣስፋዉ፣ ጁነዲ ባሻን ተስፋይ ካሕሳይን እንተስዓሩ'ኳ፡ ዓብላላይ ድምፂ ብምርካብ ስለዘይተዓወቱ ግን ፊፋ ነቲ ውፅኢት ውድቂ ገይሩ'ዩ።
ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ ዳግማይ መረፃ ግን ኣይተ ተስፋይን ጁነዲን ንገዛእ ርእሶም ካብቲ ውድድር ስለዘግለሉ፡ ኣይተ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ተካ ኣስፋው ሰፊሕ ዓወት ረኺቦም።
እቲ መረፃ ንሽሞንተ ኣዋርሕ ዝተጓተተ ክኸውን ከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ መረፃ ምምሕያስ ንኽትገበር ፊፋ መምርሒ ሂቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኮንፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ኣሕመድ፡ ናብ ሓድሽ ተመራፂ ኣይተ ኢሳያስ ስልኪ ብምድዋል ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ካፍ'ውን ምስ ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ኢሳያስ ጂራ
ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ብ1964 (ኣ.ኢ .) ተወሊዶም። ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ስራሕ'ውን ኣገልጊሎም።
ገለ ካብኣቶም፡ ሓላፊ ቤት ዕዮ ስፖርት ወረዳ ወቃ፣ ሓላፊ ቤት ዕዮ ስፖርት ሰበታ፣ ፕረዚደንት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከተማ ጂማ፣ ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ሰበታ ከምኡ'ውን ሓላፊ ቤት ዕዮ ስፖርት ጂማ ኮይኖም ሰሪሖም።
ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኮይኖም ቅድሚ ምምራፆም ድማ ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ጂማ ኣባጂፋር ይሰርሑ ነይሮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







