ጋና፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራ ብምኽንያት ብልሽውና ክፈርስ ወሲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጋና፡ ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራ ልዕሊ 65 ሽሕ ዶላር "ህያብ ጥረ ገንዘብ" ክቕበል ብሕቡእ ምርመራዊ ጋዜጠኛ ዝተቐድሐ ምስሉ ምስተፈነወ ነቲ ማሕበር ኣፍሪሳ።
ክዌሲ ንያንታኪዪ፡ ከም ሓደ ኣብ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ሃብቱ ከውፍር ዝደልይ በዓል ሃፍቲ መሲሉ ካብ ዝቐረበ ምርመራዊ ጋዜጠኛ 65 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ክቕበል'ዩ ብካሜራ ተቐዲሑ።
ኣብዚ ዛዕባ ክሳብ ሕዚ ርእይትኡ ክህብ ኣይደለየን።
ሚንስትር ስፖርት ጋና ኢሳቅ አሲያማ እቲ ማሕበር "ብቕልጡፍ ክፈርስ" ከምዝተገበረ ምዝራቡ ጋናዌብ ፀብፂቡ።
ጋዜጠኛ ኣናስ ኣርማያው ኣናስ ዝገበሮ ሕቡእ ምርመራ፡ ኣብ ኩነታት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ሕቶ ክለዓል ገይሩ'ሎ።
ንሱ ዘዳለዎ ሰነዳዊ ምድላዉ ቅድሚ ወርሒ ንሰብ-መዚ ዝተውሃበ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ግን ትማሊ ረቡዕ ብወግዒ ቀሪቡ።
ሚንስትር ሓበሬታ ጋና ሙስጣፋ ዓብደል-ሓሚድ፡ መንግስቲ "ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጋና (GFA) ንኽፈርስ ቅልጡፍ ውሳነ'ዩ ወሲዱ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኩዕሶ እግሪ ጋና ዝውሰዱ ካልኦት ስጉምትታት ኣብ ቀረባ ወግዓዊ (ዕላዊ) ከምዝኾኑ ዝፍለጠ እቲ ሚንስትር፡ ብዛዕባ ምምስራት ሓድሽ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዝሃቦ መረዳእታ የለን።
እቲ ማሕበር ብወገኑ ኣብ ዝግበር ምርመራ ከምዝተሓባበር ኣፍሊጡ'ሎ።
ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጋና ክዌሲ ኒያንታክዪ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ኮንፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካን ኣባል ቤት ምኽሪ ፊፋን ኮይኑ'ውን ይሰርሕ ነይሩ።
ናይቲ ማሕበር ፕረዚደንት ኮይኑ ካብ ዝምረፅ ኣንፃር ብልሸውና (ሙስና) ብዘሕልፎም መልእኽታት ይልለ።
ይኹን ዳኣ'ምበር እቲ ዝተውሃቦ 65 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ናብ ፀሊም ፕላስቲክ ሻንጣ እናእተወ ብካሜራ ተቐዲሑ'ሎ።
ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ምርመራዊ 'ቪድዮ' ድማ ናብቲ ሓድሽ ዝተመስረተ ጉጅለ ምርመራ ቢቢሲ ኣፍሪካ 'ኣፍሪካ ኣይ' በፂሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







