ኬንያ፡ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ብበርቂ ተሃሪሙ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/dailyNation
ሓደ ኬንያዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ መንጎ ጸወታ፡ ብበርቂ ብምህራሙ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ መራኸቢ ብዙሓን ኬንያ ሓቢረን።
ወዲ ዕስራ ዓመት ኣላን ምቦቴ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ዞባ ቡስያ'ዩ ብሰንበት እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዎ። ካልኦት ሽዱሽተ ደቂ ጋንትኡ'ውን ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ነይሮም።
ሰለስተ ካብቶም ናብ ሆስፒታል ዝተወስዱ ተጻወትቲ ድሕሪ ዝተገብረሎም ሕክምና፡ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዝርከቡን እቶም ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣቐዲሞም ካብቲ ሆስፒታል ከም ዝተሰናበቱ፡ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ ሜሪ ክያሪ ምሕባራ ጋዜጣ ደይሊ ነሽን ጸብጺባ።
እቲ ብ 'ናንጊና ወርድ' ዝፍለጥ ግጥም ከምቲ ዝተወጠነሉ ክቕጽል ምዃኑ'ውን እታ ጋዜጣ ንኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ብምውካስ ሓቢራ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







