ኣብ ቤተ ክርስትያን ሩዋንዳ ዝዓለበ በርቂ ህይወት አመንቲ ቐዚፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ሩዋንዳ ቤተ-ክርስትያን'ዩ "ሻብዓይቲ መዓልቲ!" (ኣድቨንቲስት) ዝዓለበ መብረቕ ህይወት 16 አመንቲ ቐዚፉ።
መብዛሕተኦም እቶም ጉድኣት ዝበፅሖም አመንቲ እቲ ሃይማኖት፥ ንእለቱ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ከንቲባ እታ ጉድኣት ዝበጽሓ ከተማ ተዛሪቡ።
ክልተ ካብቶም ናብ ሆስፒታል ዝተወሰዱ 140 ጉድኣት ዝበፀሖም ኣምነቲ ቀልጢፎም ንእለቱ ክሞቱ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ግን ሕክምናዊ ረድኤት ይግረሎመ ኣሎ።
ቅድሚኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ዝወደቐ በርቂ ኣብ ልዕሊ 18 ተምሃሮ ሓደጋ ጉድኣት ዘብፀሐ እንትኸውን ካብ መንጎኦም እቶም ክልተ ቀልጢፉ ህይወቶም ሓሊፉ።
ነቲ ሓደጋ በርቂ ምኽንያት ዝኸውን ዘሎ ኣብቲ ከባቢ ዝወርድ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ከምዝኾነ ሓለፍቲ ንመራኸቢ ብዙሓን ተዛሪቦም።
ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ሩዋንዳ ሕጊ ስራሕቲ ህንፃ ጥሒሶም ዝበሎምን ብከላ ድምጺ ፈጢሮም ዝበሎም ኣስታት 700 ቤተ እምነታት ምዕፃዉ ይዝከር።
መራኽቢ ሓፋሽ እታ ሃገር እቶም ዝተዓፀዉ ቤተ እምነታት መብዛሕተኦም መከላኸሊ በርቂ ከምዘይነበሮም ይፅብፅብ'ለዉ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







