ሰብ መዚ ሱዳን ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ሞይቶም

ካርታ ሱዳን

ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን፡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር፡ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ዝርከቦም ሰብ መዚ ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

እታ ሄሊኮፕተር፡ ኣል-ገዳርፍ ኣብ ዝተብሃለ ምስ ኢትዮጵያ ዝዳበው ዞባ፡ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ፡ ምስ ናይ መራኸቢ ታወር ምግጫዋ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኤኤፍፒ ተዛሪቦም።

ይኹን'ምበር፡ ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ፡ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ኣይተዋህበን ኣሎ።

መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር፡ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃበ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ንረድኤት ናብ ህክምና ከም ዝተወስዱ ሓቢሩ።

ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣል-ገዳርፍ፡ ሓለቓ ካቢንኡ፡ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ዞባን ሚኒስተር ሕርሻን ከም ዝርከብዎም ጸብጻባት ሓቢሮም።

ሰራዊት ሱዳን ብርክት ዝበላ ስርሓት ሶቭየት ዝኾና ነፈርቲ ከም ዝውንን ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ክልተ ነፈርቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ብምግጫወን፡ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝቆሰሉ ይዝከር።

ኣብ መስከረም'ውን ሓንቲ ወትሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ጥቓ ኦምዱርማን ብምሕምሻሻ፡ ክልተ ኣብረርታ ሞይቶም ኢዮም።