መሬት ተቐይራ እትጸንሖም ጠፈርተኛታት

ኣብ ህዋ ዝጸንሑ ሰለስተ መተራመርቲ ህዋ ዓርቢ ናብ መሬት ተመሊሶም

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ህዋ ዝጸንሑ ሰለስተ መተራመርቲ ህዋ ዓርቢ ናብ መሬት ተመሊሶም

ሰለስተ ዝኣባላታ ጉጅለ ጠፈርተኛታት ካብ ኢንተርናሽናል ስፔስ ስተቴን (ISS) ዓርቢ ንጎሆ ናብታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓደጉዋ መሬት ተመሊሶም ኣለዉ።

እቶም ሓደሽቲ ዘይኮኑ ሩስያዊ ኦለግ ስክሪፖችካን፡ ኣሜሪካዊት ጀሲካ ሜርን ብመስከረም 2019 ቅድሚ ኮቪድ-19 ምቅልቃሉ ካብ መሬት ንሰማይ ተወንጪፎም። ካልእ ኣሜሪካዊ ኣንድሩ ሞርጋን ዝተባህለ ከኣ ካብ ሓምለ 2019 ጀሚሩ ኣብቲ ማእኸል ጸኒሑ። እዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ ናይቶም ጉጅለ ጠፈርተኛታት ናብ መሬት ዝምለሱሉ ስሩዕ ግዜ ለዊጥዎ።

"ናብ መሬት ክትጥምት ከለኻ ሕልሚ ኮይኑ ይረኣየካ" ትብል ወይዘሪት ሜር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ቪድዮ ቃለመሕተት።

"ንመሬት ካብዚ ክትርእያ ከለኻ ኣዝያ ደስ እተብል እያ፡ ስለዚ ንሕና ምስ በረርና እዚ ኩሉ ለውጢ ተገይሩ ኢልካ ክትኣምኖ ዘጸግም እዩ።" እዛ ሰለስተ ዝኣባላታ ጉጅለ ጠርተኛታት ናብ መሬት ዓርቢ ሰዓት 05፡00 እያ ኣትያ።

ኣቶ ስክሪፖችካንን ሜርንን ኣብ ጠፈር 205 መዓልታት ክገብሩ ከለዉ፡ ኣቶ ሞርጋን ከኣ 272 መዓልታት ጸኒሑ።

ሚስስ ጀሲካ መይር ካብ ኣብ ካዛኪስታን ምስ ዓለበት

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሚስስ ጀሲካ ሜር ካብ ኣብ ካዛኪስታን ምስ ዓለበት

እታ ነቶም ጠፈርተኛታት እትሕዝ ኣካል መንኮርኹር ህዋ ኣብ ካዛኪስታን እያ ዓሊባ።

ጉጅለ ተመራመርቲ ነቶም ጠፈርተኛታት ወሲዶም ናብቲ ዝቀረበ መዕርፎ ነፈርቲ ብምውሳድ ናብ ቦቶኦም ከፋንውዎም እዮም።

ኣብዚ እዋን እዚ ካዛኪስታን ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ስለዘላ፡ መብዛሕትአን መዕርፎ ነፈርታ ዕጹዋት እዮም።

እቶም ጉጅለ ተመራመርቲ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕን ድሩትን ውሸባ ይርከቡ ኣለዉ፡ ነቶም ካብ ጠፈር ዝተመልሱ ክወስድዎም ክኸዱ ከለዉ ከኣ ካብቲ ለበዳ ንምድሓን ሽዑ ሽዑ ክምርመሩ እዮም።

ነዛ ካብ ጠፈር ዝመጸት ጉጅለ ንምትካእ ከኣ ብዕለት 9 ሚያዝያ ካልኦት ክልተ ካብ ሩስያ ሓደ ከኣ ካብ ኣሜሪካ ናብቲ ኢንተርናሽናል ስፔስ ስተሽን (ISS) ዝበረሩ ነቲ ለበዳ ናብ ጠፈር ሒዞም ከይከዱ፡ ቅድሚ ምብራሮም ንሓደ ወርሕን ፈረቃን ተወሺቦም ጸኒሖም።

ስክሪፖችካ ኣብ ካዛኪስታን ምስ ወረደ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ መጋቢት 17 2020

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ስክሪፖችካ ኣብ ካዛኪስታን ምስ ወረደ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ መጋቢት 17 2020

እታ ንጠፈር ዝተወንጨፈት መንኮራኹር፡ ብሩስያውያን ካብ ካዛኪስታን ብክራይ ዝተወስደት ክሳብ ሕጂ ኣብ ስራሕ ኣላ።

እቶም ሰለስተ ጠፈርተኛታት ከኣ ናብኡ ክበሩ እዮም።

እቶም ሩስያውያን ብነፋሪት ንዓዶም ክኸዱ እዮም፡ ኣሜሪካውያን ግን ንሰለስተ ሰዓት ንደቡባዊ ምብራቕ ናይ ኪዚሎርዳ ድሕሪ ምኻድ፡ ካብኡ ከኣ ብናይ ናሳ ነፋሪት ንኣሜሪካ ክኸዱ እዮም።

ብዙሕ ግዜ ጉጅለ ተመለስቲ ጠፈርተኛታት ንብርክት ዝበሉ ሳምንታት ኣብ ፍሉይ መሐደሲ ቦታ ክንክን ይግበረሎም።

እቲ ኣብ ናይ ዜሮ ስሕበት መሬት ዝጸንሐ ሰብነቶም፡ ነዚ ኣብ መሬት ዘሎ ስሕበት ምድሪ ንኽለማመድ ግዜ ይሓትት'ዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ግን ዶኳትር ነቶም ጉጅለ ጠፈርተኛታት ካብ ኮሮናቫይረስ ናይ ምክልኻል እውን ድርብ ሓላፍነት ኣለዎም።

"ንብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ተፈላሊኻ ጸኒሕካ ንቤተሰብን የዕሩኽትን ሓቊፍካ ዘይምስዓም ኣዝዩ ከቢድ እዩ" ትብል ወይዘሪት ሜር።

ጀሲካ መይር

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ጀሲካ ሜር

ሜር ምስታ ናይ ናሳ ጠፈርተኛ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ክርስቲን ኮች ብምብራር ዝሓለፈ ዓመት ታሪኽ ዝፈጸመት ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ።

"ካብዚ ሕጂ ዘለኹዎ ኣብ መሬት ዝያዳ ክንጸል እየ ይመስለኒ። ምስ ኣደነቅቲ ነገራትን ስርሓትን ኣብ ጠፈር ተነጽሎ ኣይስምዓካን" ትውስኽ ንሳ። ISS ንመሬት ካብ 1998 ኣትሒዛ ትዞራ ነይራ። ሓሙሽተ መሻርኽቲ ማለት ኣሜሪካ፡ ሩስያ፡ ጃፓን፡ ካናዳን ዩሩፕያን ስፒስ ኣጀንስን ከኣ ብሽርክነት ይከታተልኣ።