ምርምር ህዋ፡ ንመሬትና ብ3 ሚልዮን ዕጽፊ ዝዓቢ 'ጸሊም ሃጓፍ' ኣብ ህዋ

ጸሊም ነዃል ኣብ ጠፈር

ምንጪ ስእሊ, EHT Collaboration

መግለጺ ስእሊ, ፍሽኽታ ሰማይ ፡ ዛጊድ'ቲ ዝዓበየ ዝበሃል ጸሊም ነዃል ኣብ ጠፈር

ተመራመርቲ ህዋ ካብ ርሑቕ ጋላክሲ ዝርከብ 'ብላክ ሆል' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ኣካል ዩኒቨርስ ንመጀመርታ እዋን ክስእሉዎ ክኢሎም።

እዚ 'ብላክ ሆል' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ብዙሕ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ኣካል ዩኒቨርስ፡ ዙርዩኡ 40 ቢልዮን ኪሎ ሜትሮ ዝዕቀን ኮይኑ፡ ንመሬት ሰለስተ ሚልዮን ሳዕ ይዓብያ።

ሊቃውንቲ ነዚ ኣካል 'ጭራቕ' ወይካኣ መፍርሒ ኣድማስ ክብሉ ይገልጹዎ።

እዚ ኣካል ካብ መሬት 500 ሚልዮን ትሪልዮን ኪሎሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ እንትኸውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት መሬት ዝተተኽሉ 8 ቴሌስኮፓት ብጥምረት እዮም ክስእሉዎ ክኢሎም።

ዝርዝር ውጽኢት እዚ መፍርሒ ኣድማስ፡ ኣብ ሳይንሳዊ መጽሄት ኣስትሮፊዚካል ተሓቲሙ ይርከብ።

ነዚ ሓሳብ ዘመንጨዉ፤ ኣብ ዓዲ ኔዘርላንድስ ዩኒቨርስቲ ራድባውድ ፕሮፌሰር ሃይኖ ፋልኬ፤ እዚ ገዚፍ ጸሊም ነዃል ኤም87 ኣብ ዝተብሃለ እኩብ ጋላክሲ ከምዝርከብ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"እቲ ዝረእናዮ ካብ'ቲ ስርዓተ-ዑደት ጸሓይ ዝገዘፈ እዩ። ክብደቱ 6.5 ቢልዮን ሻዕ ካብ ጸሓይ ይዓቢ። ኣሎ ካብ ዝበሃል ግዙፍ ነዃል፡ እቲ ዝዓበየ እዩ። መፍርሒ ኣድማስ እዩ" ኢሎም።

M87

ምንጪ ስእሊ, DR JEAN LORRE/SCIENCE PHOTO LIBRARY

መግለጺ ስእሊ, እዚ M87 ተባሂሉ ዝልለ ጋላክሲ እንትኸውን፡ እቲ ኣብ ማእኸል ዝረአ ብሕታዊ ጸሊም ነጥቢ ነዃል ይምሰል'ምበር ኮኾባት ብጻዕቒ ዝርከብሉ ክኸውን ከምዝኽእል'ዮም ይጥርጥሩ።

እቶም ተመራማሪ ከምዝገለጹዎ፤ እቲ ዝተልዓለ ስእሊ ንምእማኑ ዘጸግም ቀለበት ቅርጺ ዝሰርሐ ሓዊ መልክዕ ዘለዎ ኾይኑ፡ ኣብ ማእኸሉ ምሉእ ክቢ ቅርጺ ዘለዎ ዓንኬል፡ ጸሊም ነዃል ይረአ።

እቲ ካብቲ ነዃል ዝወጽእ ሓይሊ ብርሃን ድማ፡ ናብቲ ነዃል ዝኣትዉ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝረሰኑ ጋዛት ዝፈጠሩዎ ከምዝኾነ እዮም ዝግምቱ።

እቲ ብርሃን፡ ኣብ ጠፈር ዘለዉ ጋላክሲታት ኩሎም ተኣኪቦም ክህቡዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ጉልበት ኣለዎ። ንዕኡ እዩ ድማ ኣብ መሬት ኮይንካ ብግሁድ ምርኣይ ዝከኣል-ይብሉ።

እቲ ካብ ርሕቐት ዝረአ ክቢ ቕርጺ፡ ናይቲ ጸሊም ነዃል ኣፍደገ ኾይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ሓይሊ ስሕበት ዘለዎ ባእታ እዩ። ጨረር ብርሃን'ውን ካብዚ ስሕበት ከምልጥ ኣይኽእልን።

ዘ ኢቨንት ሆራይዘን

እቶም ተመራመርቲ ከምዝብሉዎ፡ እዚ ኣካል ኩሎም ሕግጋት ፊዚክስ ውድቂ ዝኾኑሉ ስፍራ እዩ።

እቲ ምስሊ ምስቲ ሊቃውንቲ ፊዚክስን ዳይሪክተራት ሆሊውድን ዝገመትዎን ተመሳሳሊ ኢዩ።

ብላክ ሆል ዝተሓላለኹ ሕቶታት ብዛዕባ ባህርያት ኣድማስን ግዜን ከልዕል ጸኒሑ ኢዩ፡ ብኡ ኣቢሉ ውን መሰረታዊ ሕቶ ህላወ የልዕል ማለት ኢዩ።

ዶክተር ዚሪ ዩንሲ ከም ዝበሎ፡ "እቲ ብግብሪ ዝረኣናዮ ምስሊ ምስቲ ክልሰ ሓሳባዊ ቐመርና ተመሳሳሊ እዩ። ሕጂ ውን ኣንስታይን ቑኑዕ ዘሎ ኢዩ ዝመስል" ይብል።

እዚ ተላዒሉ ዘሎ ምስሊ ተመራመርቲ ብዛዕባ'ዚ ምስጢራዊ ባእታ ዝያዳ ከጽንዑ ክሕግዞም ኢዩ። እቲ ኣብ ዙርይኡ ዘሎ ድሙቕ ዓንኬል ብኸመይ ከም ዝተፈጥረ ዝፈልጥ ሰብ የለን። እቲ ካልእ ዛጊድ ዘይተመለሰ ሕቶ ድማ ኣብ 'ብላክ ሆል' ዝኣተወ ነገር እንታይ ይኸውን ዝብል ኢዩ።

ሃርድድራይቭስ

ምንጪ ስእሊ, Katie Bouman

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ካብ ምብዝሑን ምግዛፉን ዝተልዓለ ናብ ኢንተርኔት ክለኣኽ ኣይተኽኣለን። ኣብ ኣማኢቲ ሃርድድራይቭ ክውህለል እዩ ተገይሩ።

ዝኾነ ሰብ 'ይከኣል እዩ' ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘይነበሮ ግዜ ፕሮፈሰር ፋልከ ግና ተማሃራይ ናይ ዶክተረይት ዲግሪ ከሎ ኢዩ፡ ብላክ ሆል ኣብ መሬት ኮንካ ብቴሌስኮፕ ክሰኣል ይኽእል ኢዩ ዝብል ሓሳብ ዘበገሰ።

ናይ 1973 ምርምር ብምንባብ ድማ፡ ብሰሪ እቲ ዘለዎ ልዑል ስሕበት ብላክ ሆል ካብቲ ልክዕ ግዘፉ ብ2.5 ዕጽፊ ገዚፉ ከም ዝርአ ገሊጹ።

ነቲ ዘይመስል ዝነበረ ክውን ንምግባሩ ድማ ንቤት ምኽሪ ምርምር ኣውሮጳ ብምእማን ነቲ ፕሮጀክት ከም ዝምውልዎ ገይሩ። ነቲ መደብ ገለ ትካላት ምርምር ሃገራት ምብራቓዊ ኤስያ ውን ተሓዊሰንኦ። ንብዙሓት ትርጉም ዘይብሉ ዝመስል ፕሮጀክት ከኣ 40 ሚልዮን ፓውንድ ተመዲብሉ።

ነዚ ንምግባር ድማ ናይ ሓንቲ ቴሌስኮፕ ዓቕሚ ስለ ዘይኣክል ብሓባር ተኣሳሲረን ዝሰርሓ ሸሞንተ ቴሌስኮፓት እየን ተተኺለን።

እዘን ቴሌስኮፓት ኣብ በረኽቲ ክፋል ዓለም ከም ኣብ እሳተጎመራዊ ጎቦ ሃዋይን ሜክሲኮን፡ ጎቦታት ኣሪዞናን፡ ኣንታርክቲካን. . . ተተኺለን።

እቲ ምርምር ካብ 200 ንላዕሊ ሳይንቲስት ዝተሳተፍሉ ጉጅለ እዩ ክውን ገይሩዎ።

ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዝተተኽለ ቴሌስኮፕ

ምንጪ ስእሊ, Jason Gallicchio

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዝተተኽለ ቴሌስኮፕ

እቲ ዝኣከበኦ ሓበሬታ ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ ብኢንተርነት ክሓልፍ ኣይከኣለን። ተኣኪቡ ኣብ ቦስተን ኣብ ዝርከብ ማእከል ስነ ፍልጠት ድማ ተላኢኹ። ፐሮፈሰር ዶለማን ነቲ ውጽኢት፡ "ብርቂ ስነፍልጠታዊ ቅያ" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

"ቅድሚ ሓደ ወለዶ ሕልሚ ዝነበረ ተጋሂዱ ኣሎ" ድማ ይብል። ኣብ ምርምር ብላክ ሆል ሓድሽ ኣፍደገ ከም ዝተኸፍተ ድማ ኣረዲኡ።