ሩስያ ንቅጽበታዊ ፍሽለት ምዉንጫፍ ሮኬት ሶዩዝ መርመራ ጀሚራ

ዝፈሸለ ተልእኾ ሮኬት ሶዩዝ 11 ጥቅምቲ 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድህን ተቐላጢፎም ኣብቲ ስፍራ በጺሖም

ሰብ መዚ ሩስያ ነታ ምስ ተወንጨፈት ድሕሪ ሒደት ኪሎሜትራት ክትዓልብ ዝተገደደት ሮኬት ሶዩዝ፡ ነቲ ጠንቂ ንምጽራይ፡ መርመራ ጀሚሮም።

ኣብታ ሮኬት ዝነበሩ ጠፈርተኛታት፡ ሩስያዊ ኣሌክሲ ኦቪቺን ኣሜሪካዊ ኒከ ሄግን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።

ንሳቶም ንናይ ሽዱሽተ ወርሒ ተልእኾ ናብ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር እዮም ተበጊሶም ነይሮም።

ድሕሪ ምዉንጫፎም ድሕሪ 400ኪሜ እያ እታ ዝነበርዋ ካብሱላ ተፈንጪላ ዝዓለበት።

እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ፈለማ እቲ በረራ ሰላማዊ እዩ ነይሩ፤ ድሕሪ 90 ካልኢታት ግና ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ፡ ናሳ ጸገም ከም ዘሎ ጸብጸበ።

ብቐጥታ ካብታ ሮኬት ዝፍኖ ዝነበረ ቪድዮ'ዉን፡ ብምኽንያት እቲ ብልሽት፡ እቶም ጠፈርተኛታት ከነቀጥቅጡ ኣርእዩ።

ድሕሪ 114 ካልኢታት ድማ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ስርዓት ነታ ካፕሱላ ካብቲ ሮኬት ከም ትፍንጨል ገበረ።

እታ ካፕሱላ ብቕልጡፍ ፍጥነት ብምቕናስ፡ ብጋንጽላ ድሕሪ 34 ደቓይቕ ኣብ ካዛኪስታን ዓለበት።

ሽዑ ብቕልጡፍ፡ ነቶም ጠፈርተኛታት ንምድሓን፡ ስርሒት ህይወት ኣድህን ከም ዝተጀመረ፡ ናሳ ከምኡዉን ትካል ምርምር ጠፈር ሩስያ ሮስኮስሞስ ብሓባር ኣፍሊጦም።

ሶዩዝ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ሮኬት ክትከዉን ከላ፡ ካብተን ዉሑሳት ድማ ኢያ።