መዓስን ኣበይን'ዩ እቲ ዝነወሐ ናይ 21 ክፍለዘመን ግርደተ-ወርሒ ዝኽሰት

ግርደተ-ወርሒ ዘርኢ ውህደት

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, እዚ ናይ 27 ሓምለ ግርደተ-ወርሒ እቲ ዝነውሐ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዝተራእየ ግርደት'ዩ ክኸውን።

ፍሉይ ግርደተ-ወርሒ (ሉናር ኢክሊፕስ) ሎሚ 27 ሓምለ ናይ ምሸት ከረአ'ዩ

እዚ ግርደት'ዚ እቲ ዝነውሐ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዝተራእየ ግርደተ-ወርሒ ክኸውን'ዩ።

ዕድለኛታት እንተድኣ ኮይንኩም ድማ፡ ንሓደ ሰዓትን 43 ደቓይቕን ክትሪኢዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ሙሉእ ግርደተ-ወርሒ (ቶታል ሉናር ኢክሊፕስ) እንታይ ማለት'ዩ

ግርደተ-ወርሒ ዝኽሰት፡ ጸሓይ፡ ምድርን ወርሕን ኣብ ሓደ መስመር ኣብ ዝመዓራረያሉ ወይ ዝጠማመታሉ እዋን'ዩ። እዚ ማለት ምድሪ ኣብ መንጎ ጸሓይን ወርሕን ብምእታው ናይ ጸሓይ ብርሃን ክትክውሎ እንከላ'ዩ።

ሽዑ ወርሒ ናብቲ ናይ ምድሪ ጽላሎት ክትኣቱ እንከላ፡ እቲ ግርደት ይኽሰት።

ኣብቲ ዝተፈላለየ ገጻት ናይቲ እትሓልፎ መስርሕ ድማ ንሰለስተ ሰዓታትን 55 ደቓይቕን እቲ ኣስትሮኖሚካዊ ክስተት ይምዕብል።

ወርሒ ደም ኣብ ሰማያእ ቱርኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ግርደት በቲ "ወርሒ ደም" ተባሂሉ ዝፍለጥ ክስተት ዝተሰነየ'ዩ

ስለምንታይ "ወርሒ ደም"

እቲ ግርደት ዝራኣየሉ ለይቲ በቲ "ወርሒ ደም" ተባሂሉ ዝፍለጥ ክስተት ዝተሰነየ'ዩ። "ወርሒ ደም" ዝተባህለ ድማ ካብቲ ኣብታ ወርሒ ዝረአ ቀይሕ ሕብሪ ዝነቐለ'ዩ።

እዚ ሕብሪ'ዚ፡ እቲ ናይ ጸሓይ ጮራ ኣብ ጠፈር ምስሓለፈ፡ ኣራንሾኒን ቀይሕን ሕብርታት ኣብታ ወርሒ ክንጸባርቕ እንከሎ ዝፍጠር ክስተት'ዩ።

ኣብዚ ናይ 27 ሓምለ ግርደት ድማ፡ ወርሒ ኣብቲ ካብ መሬት ዝረሓቐ 'ኣፓጂ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ነጥቢ ክትህሉ እያ።

መዓስን ኣበይን ክንርእዮ ንኽእል?

እቲ ግርደት ሎሚ ምሸት 27 ሓምለ ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ማእከላይ ኤስያን ኣውስትራልያን- ብዘይካ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዳርጋ ኣብ ብምሉኡ ዓለም ማለት'ዩ።

ንክትርእዩዋ ቴለስኮፕ ኣይከድልየኩምን እዩ፡ ክሻፋ (ባይናኩላርስ) እንድኣ ሃልይኩም ግን በለጸ።

ኣብቲ እትራኣየሉ ቦታታእ እንተድኣ ሃሊኹም፡ ወርሒ ክድይብ እንከላ፡ ብፍላይ ድማ ሰዓት 20፡21 ጂ ኤም ቲ (11፡21 ናይ ምሸት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን) ክትዕዘብዋ ትኽእሉ።

ወርሒ ደም ኣብ ሰማያእ ቱርኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ግርደት በቲ "ወርሒ ደም" ተባሂሉ ዝፍለጥ ክስተት ዝተሰነየ'ዩ

መን'ዩ ብዝበለጸ ዝርእያ

እቲ ግርደት ዝራኣየሉ ዝበለጸ ቦታ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣነደ ማእከላይ ኤስያን'ዩ።

ኣብ ማእከላይን ሰሜንን ኣሜሪካ እቲ ግርደት ኣይክረአን'ዩ።

ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ'ውን ብኸፊል ጥራይ'ዩ ክረአ፡ ንሱ'ውን ኣብ ምብራቓዊ ከባቢት ናይቲ ክፈለ-ዓለም። ኣብ ከተማታት ቦንስ ኣይረስ፡ ሞንተቪድዮ፡ ሳኦፓውሎን ሪዮ ዲ ጀነይሮን ዕድለኛታት ከተማታት'የን።

ኣብ ካልእ ከተማታት እታ ወርሒ ኣብ ኣድማስ ክትወጽእ እንከላ ክትረአየን'ያ። ኣብዚ ኣድማስ እዚ ገጽ ምድርን ሰማይ ከም ዝተራኸበ ዝመስለሉ ኩነታት'ዩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ (ዓባይ ብሪጣንያ) እወን ክትወጽእ እንከላ ኣይክትርእይዋን ኢኹም፡ ምኽንያቱ እታ ወርሒ ትሕቲ እቲ ኣድማስ ስለእትህሉ።