'ሓድሽ ኣድማስ'፡ ዳህሳስ ሓድሽ ዓለም ኣብ ሓድሽ ዓመት

ኣሊስ ቦውማን (የማን) ምስ ኣላን ስተርን ደሃይ ኒው ሆራይዘንስ ብምርካቦም ሓጎሶም እንናገለጹ

ምንጪ ስእሊ, NASA HQ

መግለጺ ስእሊ, ኣሊስ ቦውማን (የማን) ምስ ኣላን ስተርን ደሃይ ኒው ሆራይዘንስ ብምርካቦም ሓጎሶም እንናገለጹ

ትካል ጠፈር ኣመሪካ ናሳ፡ ክንዮ ፕላነታት ንዘሎ ዓለም ንምድህሳስ ዝሰደዳ 'ኒው ሆራይዞንስ' (ሓዳስ ኣድማስ) ዝተሰምየት መንኮርኮር ኣብ ልዕሊ ብ'ኣልቲማ ተል' ዝጽዋዕ ከውሒ በረድ ከም ዝበጽሐት ገሊጹ።

እቲ በረራ ካብ መሬት 6.5 ቢልዮን ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ክፋል ጠፈር እዩ ተፈጺሙ።

ዕላማ ናይቲ ዳህሳስ፡ ነቲ ኲኖ ስርዓተ-ጸሓይ (ሶላር ሲስተም) ዝርከብ ብዝተፈናጨሉ ናይ እምንን በረድን ኣኻውሕ ዝቖመ ቀለቤት ንምርዳእ ዝተኻየደ ምዃኑ ተመራመርቲ ናይቲ ፕሮጀክት ገሊጾም።

እታ መንኮርኮር፡ ኣብ 2006 (ፈረንጂ) ንህዋ ዝተፈንጨፈት ኮይና፡ ኣብ ሓደ ካልኢት(ሰከንድ) 14 ኪሎ ሜትር እናተጓዕዘት'ያ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ተዳህሲሱ ዘይፈልጥ ህዋ ከም ዝበጽሐት ኣበሲራ።

ኒው ሆራይዞንስ፡ 3500 ኪሎ ሜትር ካብታ ብኣልቲማ ተል እትፍለጥ ከውሒ ልዕል ኢላ'ያ በሪራ። ካብቲ ርሕቀት እቲ ኮይና ብምዕቡል ካሜራታታ ዝሰነደቶ ሓበሬታታት ድማ፡ ዓለም ብኸመይ ከም ዝተፈጥረት ንምርዳእ ሓጋዚ ክኸውን ተመራመርቲ ናይቲ ዳህሳስ ተስፋ ይገብሩ።

ነቲ በረራ ከም ዝፈጸመት ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ ምድሪ ክበጽሕ ኣስታት 6 ሰዓታትን 8 ደቓይቕን ከም ዝወሰደሉ'ውን ተሓቢሩ። እቲ ዝሰደደቶ ሓበሬታ (ሲግናል) ኣብቲ ኣብ ከተማ ማድሪድ፡ ስጳኛ፡ ዝርከብ ዓበይቲ ኣንቴናታት ናይቲ ትካል'ዩ መጀመርታ ተሰሚዑ።

ኣብ ዝመጽእ መዓልታትን ኣዋርሕን ዝተፈላለዩ ስእልታት ክትሰድድ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝተመደበላ ክፋል ዓለም ክትበርር ካብ ዝነበርዋ ስግኣታት ሓደ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጸጸራትን ደናጉላታትን ምዃኑ እቶም ዝቆጻጸርዋ ተመራመርቲ ገሊጾም ነይሮም።

ናይ ደሓን መልእኽቲ ኣብ ምድሪ ምስ በጽሐ፡ ሓጎስ ናይቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ናይ ስነጠፈር ላቦራቶሪ ዝርከቡ ተቖጻጸርታ ወሰን ኣይነበሮን። እቲ ኣፕላይድ ፊዚክስ ላቦራቶሪ ተባሂሉ ዝጽዋ መቆጻጸሪ ናይታ ዳህሳሲት መንኮርኮር፡ ኣብ ክፍለግዝኣት ሜሪላንድ ዝርከብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ እዩ ዚርከብ።

"መንኮርኮርና ብጥዕናኣ ኣላ" ኢላ ድሕሪ ምእዋጅ፡ ሓላፊት ናይቲ ተልእኾ ኣሊስ ቦውማን "ቅድሚ ሕጂ ተጌሩ ዘይፈልጥ በረራ ብዓወት ፈጺምና" ክትብል ብሓበን ኣበሲራ።

ኣልቲማ፡ ካብታ ክሳብ 2006 መበል ታሻዓይቲ ፕላነት ትቑጸር ዝነበረት ፕሉቶ፡ 1.5 ቢልዮን ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ 'ኲፐር በልት' (ቅናት ኲፐር) ተባሂሉ ዝፍለጥ ክፋል ዓለም ዝርከብ'ዩ።

ኲፐር በልት፡ ብዝተፈናጨለ ከውሕታት በረድ ዝተመልአ ኮይኑ፡ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዑደት ዘካይድ ቅናት'ዩ።

ስእላዊ መግለጺ በረራ ኒው ሆራይዞንስ

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ከም ኣልቲማ ዝበሉ ፍንጫላት ኣብቲ ቅናት ኲፐር ከም ዝርከቡ ይግመት። ንሶም፡ ስርዓተ-ጸሓይ ወይ ድማ ፕላኔታት ኣብ ዝተፈጥራሉ እዋን፡ ተፈናጪሎም ዝተረፉ ኣዃውሕ'ዮም ተባሂሉ ይእመን።

ኩነታቶም ምፍላጥ ድማ፡ እቲ ስርዓተ-ጸሓይ (ሶላር ሲስተም) ብኸመይ ከም ዝተፈጠረ ንምርዳእ ክሕግዝ ዝኽእል'ዩ ይብሉ ተመራመርቲ ናሳ።

እታ መንኮርኮር ብልዕሊ ኣልቲማ ክትሓልፍ ዝተመርጸሉ ምኽንያታት፡ ጸሓይ ብርሃን ዘይኣትዋ ምዃኑ፡ ኩነታት ኣየር ካብ 30-40 ትሕቲ ዜሮ'ዩ። እዚ ማለት፡ ናብ በረድ ዝቐረበት ከውሒ'ያ። እዚ ኻኣ፡ ነቲ መበቆላዊ ናይ ኣፈጣጥረኣ ሓበሬታ ዓቂባቶ ክትህሉ ትኽእል'ያ ተባሂሉ ስለዝተሓስበ'ዩ።

ካልኣይ ድማ፡ ንጎኒ ኣስታት 30 ኪሎ ሜትር ጥራሕ ብምዃና፡ እቲ ኣብ ዕድማ ምሉእ ከታካይዶ እትኽእል ውሽጣዊ ለውጢ ዝወሓደ ክኸውን ስለዝተገመተ።

ብሳልሳይ ደረጃ ኻኣ፡ ብዓቢኡ ኣብቲ ኲፐር በልት ዘሎ ምርግጋእ፡ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ፍንጫላት ኣኻውሕ ኣብ ንሓድሕዶም ዘካይድዎ ምርጻም ስለዘይሎ፡ መፈጠሮም ዓቂቦም ክጸንሑ ተኽእሎ ኣሎ።

ኒው ሆራይዞንስ፡ ኣብ ካልእ ኣካል ናይቲ ቅናት ተመሳሳሊ በረራ ከተካይድ ሓድሽ ተልእኾ ክዋሃባ ትጽቢት ይግበር።