ናሳ ኢንሳይት ዝተሰምየ መጽናዕታዊ ሮቦት፡ ኣብ ማርስ ኣዕሊቡ

ሰራሕተኛታት ናሳ

ምንጪ ስእሊ, EPL

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ናሳ ምስቲ ካብ ኢንሳይት ዝረኸብዎ ስእሊ

ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ፡ ናሳ፡ ኣብታ ብቀያሕ ፕላነት እትፍለጥ ማርስ ሓድሽ ሮቦት ኣዕሊቡ።

እዚ ኢንሳይት ተሰምዩ ዘሎ ሮቦት፡ ንፕላነት ማርስ ኣዕሚቚካ ንምምርማር ዝተላእኸ ኮይኑ፡ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ኢዩ።

እቲ ሮቦት ድሮ ሓበሬታታት ክሰድድ ብምጅማሩ፡ ነቲ ዝጸንሐ ነዊሕ ሻቕሎትን ትጽቢትን ክኣሊይ ክኢሉ ኣሎ።

ኢንሳይት ኣብ ባይታ ብሰላም ከም ዝዓለበ ምስ ተረጋገጸ ኣብቲ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ፡ ማእከል ምቁጽጻር ተልእኾታት ናሳ፡ ዓቢይ ሓጎስ ኢዩ ኮይኑ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማእከል፡ ጀምስ ብሪደንስታይን፡ "ኣደናቒ መዓልቲ" ክብል ገሊጽዎ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን ብምድዋል ሓጎሱ ከም ዝገለጸ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ዳይረክተር እቲ ማእከል ማይክ ዋትኪንስ ብወገኑ፡ እዚ ዓወት፡ "ስነፍልጠት ትብዓት ዝጠልብ ምዃኑ" ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከዘኻኽር ይግባእ ኢሉ።

'ኢንሳይት' ኣብዚ እዋን ኤሊስዩም ፕላኒቲኣ ኣብ ዝተባህለ፡ ኣብ ከባቢ ኤኳቶር እታ ፐላነት ዝርከብ፡ ሰፊሕ ጎልጎል ኢዩ ዓሊቡ ዘሎ።

ከምቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማርስ ንምዕላብ ዝተገብሩ ፈተነታት፡ ኢንሳይት ኣብ ዝባን እታ ፕላነት ዝገበሮ ቅልስ ቀሊል ኣይነበረን።

ንጠፈር እታ ፕላነት፡ ካብ ጥይት ብዝበልጽ ፍጥነት ኢዩ ሰንጢቑ ኣትዩ።

እዚ ሮቦት ንመዓሙቕ ማርስ ብምፍታሽ፡ ተመራመርቲ፡ እታ ፕላነት ብከመይ ከም ዝተሃነጸት ንምጽናዕ ክሕግዝ ኢዩ።

ኢንሳይት ኣብ ማርስ

ምንጪ ስእሊ, NASA