ናሳ ኢንሳይት ዝተሰምየ መጽናዕታዊ ሮቦት፡ ኣብ ማርስ ኣዕሊቡ

ምንጪ ስእሊ, EPL
ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ፡ ናሳ፡ ኣብታ ብቀያሕ ፕላነት እትፍለጥ ማርስ ሓድሽ ሮቦት ኣዕሊቡ።
እዚ ኢንሳይት ተሰምዩ ዘሎ ሮቦት፡ ንፕላነት ማርስ ኣዕሚቚካ ንምምርማር ዝተላእኸ ኮይኑ፡ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ኢዩ።
እቲ ሮቦት ድሮ ሓበሬታታት ክሰድድ ብምጅማሩ፡ ነቲ ዝጸንሐ ነዊሕ ሻቕሎትን ትጽቢትን ክኣሊይ ክኢሉ ኣሎ።
ኢንሳይት ኣብ ባይታ ብሰላም ከም ዝዓለበ ምስ ተረጋገጸ ኣብቲ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ፡ ማእከል ምቁጽጻር ተልእኾታት ናሳ፡ ዓቢይ ሓጎስ ኢዩ ኮይኑ።
ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማእከል፡ ጀምስ ብሪደንስታይን፡ "ኣደናቒ መዓልቲ" ክብል ገሊጽዎ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን ብምድዋል ሓጎሱ ከም ዝገለጸ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ዳይረክተር እቲ ማእከል ማይክ ዋትኪንስ ብወገኑ፡ እዚ ዓወት፡ "ስነፍልጠት ትብዓት ዝጠልብ ምዃኑ" ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከዘኻኽር ይግባእ ኢሉ።
'ኢንሳይት' ኣብዚ እዋን ኤሊስዩም ፕላኒቲኣ ኣብ ዝተባህለ፡ ኣብ ከባቢ ኤኳቶር እታ ፐላነት ዝርከብ፡ ሰፊሕ ጎልጎል ኢዩ ዓሊቡ ዘሎ።
ከምቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማርስ ንምዕላብ ዝተገብሩ ፈተነታት፡ ኢንሳይት ኣብ ዝባን እታ ፕላነት ዝገበሮ ቅልስ ቀሊል ኣይነበረን።
ንጠፈር እታ ፕላነት፡ ካብ ጥይት ብዝበልጽ ፍጥነት ኢዩ ሰንጢቑ ኣትዩ።
እዚ ሮቦት ንመዓሙቕ ማርስ ብምፍታሽ፡ ተመራመርቲ፡ እታ ፕላነት ብከመይ ከም ዝተሃነጸት ንምጽናዕ ክሕግዝ ኢዩ።

ምንጪ ስእሊ, NASA




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







