ሪቻርድ ብራንሰን፡ በጻሕቲ ናብ ጠፈር ንምምልላስ ይቀዳደም

ቨርጂን ጋላክቲክ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Virgin Galactic

መግለጺ ስእሊ, በጻሕቲ ናብ ህዋ ከተመላልስ ትጽቢት ዝግበረላ ነፋሪጥ ጠፈር

ብብሪጣንያዊ ሃብታም ሪቻርድ ብራንሰን እትውነን ቨርጂን ጋላክቲክ ዝተባህለት መንኮርኮር ሎሚ ናብ ወሰን ህዋ ድሕሪ ምውንጫፋ ብዓወት ናብ መሬት ተመሊሳ።

እቲ መበል ራብዓይን ዕውትን በረራ፡ ድሕሪ'ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈሸለ ፈተነታት ዝተኻየደ'ዩ።

ሪቻርድ ብራንሰን፡ በጻሕቲ ብገንዘብ ናብ ጠፈር ንምምልላስ ምስቶም ተመሳሳሊ ፈተነታት ዘካይዱ ዘለዉ መዛንኡ ዝኾኑ ኢሎን ማስክን ጀፍ በዞስን ኣብ ምቅድዳም ይርከብ።

ኢሎን ማስክ ስፔስኤክስ (SpaceX) ዝተባህለ ኩባንያ ዘለዎ ኾይኑ፡ ጀፍ ቤዞስ ድማ ብሉ ኦሪጂን (Blue Origin) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ጠፈር ኩባንያ ይውንን።

ኣብ 2008፡ ቨርጂን ጋላክቲክ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ በጻሕቲ ናብ ጠፈር ከመላልስ ከም ዝጅምር ተመባጺዑ ነይሩ። ዋላኳ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈጸመ እንተኾነ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ከም ዝጅምር ቀጻሊ መብጸዓታት ካብ ምእታው ግን ዓዲ ኣይወዓለን።

ብዘይካ እቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ምድንጓያት፡ ኣብ 2014 ዝተወንጨፈት መንኮርኮር ምሕምሻሻ ነቲ ሪቻርድ ዝነበሮ ሃቐነ ደሪትዎ'ዩ ጸኒሑ።

ብሓሙስ 13 ታሕሳስ ግን፡ እታ ስፔስሺፕቱ (SpaceShipTwo) ዝተሰምየት ናይ መጎዓዝያ መንኮርኮር ካብቲ ኣብ ካልፎንያ ዝርከብ ምድረበዳ ሞጄቭ ተወንጪፋ።

እታ መንኮርኮር፡ ክልተ ኣብረርቲን (ፓይሎታት) ሓደ ንተጓዓዝቲ ዝወከለ ባምቡላን፡ ከምኡ'ውን ናይ ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ዝኾነ ናይ ምርምር ፈተነታትን ጽዒና'ያ በሪራ።

ሪቻርድ ብራንሰን

ምንጪ ስእሊ, Rob Kim

መግለጺ ስእሊ, ሪቻርድ ብራንሰን

"ሎሚ፡ ቨርጂን ኣትላንቲክ ጠፈር ንዓለም ክፉት ከም ዝኸውን ዘርኣየትሉ መዓልቲ'ዩ" ክብል ሪቻርድ ሓጎሱ ገሊጹ።

ናሳ ንዝኾነ 80 ኪሜ ካብ ገጽ ምድሪ ንላዕሊ ዝበረረ ጠፈርተኛ (ኣስትሮናት) ሽልማት ይህብ'ዩ።

እቲ ናይ ሓሙስ በረራ ግን፡ ኪኖ'ቲ ኣስታት 100 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ብብዙሓት ወገናት ጠፈር ዝጅምረሉ'ዩ ዝብልዎ ብካርማን ዝፍለጥ መስመር ብዘይ ምሕላፋ እቲ ሽልማት ኣይክወሃባን'ዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ናሳ ነዚ መስመር'ዚ ኣይኣምነሉን ስለዝኾነ።

ዋላኳ እዚ ናይ ሓሙስ በረራ፡ ኣብ ምዕባለ ቨርጂን ጋላክቲክ ኣገዳሲ ምዕራፍ እንተኾነ፡ መወዳድርቱ ዝወንጨፍወን መንኮርኮራት ግን ድሮ ኣብ ጠፈር በጺሐን ተመሊሰን'የን- ሰብ ኣልቦ ድኣ ይኹና 'ምበር።

ስፔስኤክስ (SpaceX) ምስ ትካል ጠፈር ኣመሪካ (NASA) ብምትሕብባር ሰብ-ሓዘል በረራታት ካብ መጀመርታ ናይቲ ዝመጽእ ዓመት ክትውንጭፍ መደብ ኣለዋ።

ብሉ ኦሪጂን (Blue Origin) ብወገኑ፡ ኣብ 2019 ሰብ ዝጸዓነት መንኮርኮር ናብ ህዋ ከም ዝውንጭፍ ጀፍ ቤዞስ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ሪቻርድ ብራንሰን ድማ፡ ካባኹምዶ ሓሚቐ ብዘስምዕ ቃና፡ ኣብ መጋቢት 2019 በጻሕቲ ብገንዘብ ናብ ጠፈር ምምልላስ ክጅምር'የ በሃላይ'ዩ።

ቨርጂን ጋላክቲክ፡ ን90 ደቓይቕ ናይ ህዋ በረራ 250 ሽሕ ዶላር ከኽፍል ጀሚሩ'ሎ። ድሮ ልዕሊ 600 ሰባት ትኬት ዝቖረጹን ወይ ድማ ዕርቡን ዝኸፈሉን ከም ዘለዉ ሪቻርድ ብራንሰን ይገልጽ።