ሊሂቕ ኒክዩለር ፊዚክስ ኩባ፡ ወዲ ፊደል ካስትሮ 'ርእሰ ቅትለት ፈፂሙ'

ምንጪ ስእሊ, AFP
በኹሪ ውላድ መራሕ ኩባ ፊደል ካስትሮ ፊደሊቶ ርእሰ ቅትለት ድሕሪ ምፍፃሙ ኣብ ከተማ ሃቫና ሞይቱ ከምዝተረኸበ ማዕኸን ዜና ኩባ ኣፍሊጡ።
ብከቢድ ሕማም ኣእምሮ (ጭንቀት) ይሳቐ ከምዝነበረ ዝግለፅ፡ ፊደል ኤንጅል ካስትሮ ዲያዝ-ባላርት ትማሊ ሓሙስ ንጉሆ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ።
ቦኽሪ ውላድ ፕረዚደንት ነበር ኩባ ፊደል ካስትሮ ዝኾነ ዲያዝ-ባላርት፡ ምስ ስድርኡ ብዝነበሮ ተመሳሳልነት 'ፊደሊቶ' ን 'ንእሽተይ ፊደል'ን ብዝብሉ ሳጓታት ይፅዋዕ ነይሩ።
ኣብ ሶቭየት ሕብረት ነበር ዝሰልጠነ ሊሂቅ ኒኪዩለር ፊዚክስ እዩ ነይሩ።
"ብዝሓደሮ ሕማም ጭንቀት (ከቢድ ሕማም ኣእምሮ) ንብዙሓት ኣዋርሕ ብጉጅለ ዶካትር ሕክምናን ክእለ ዝፀንሐ ፊደል ካስትሮ ዲያዝ-ባላርት፡ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ርእሰ ቅትለት ፈፂሙ" ክብል መንግስታዊ ጋዜጣ ኩባ ግራንማ ፀብፂቡ።
መደበር ተሌቬዥን እታ ሃገር ብወገኑ፡ ክሳብ ቀረባ ኣዋርሕ ብሕክምና ዝተዋህቦ ኣፋውስ ይወስድ ከምዝነበረን ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ሕክምንኡ ይከታተልን ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ፊደል ካስትሮ ዲያዝ-ባላርት ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ኩባ ሳይንስ ኮይኑ ሰሪሑ፡ንኣካዳሚ ሳይንስ ኩባ እውን ብምክትል ፕረዚደንትነት መሪሑ።
ሶቭየት ሕብረት ድሕሪ ምውዳቓን ቅድሚ ምእጋዱን፡ ካብ 1980 ክሳብ 1992 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንፕሮግራም ኒክዩለር ኣይስላንዳዊት ሃገር ኩባ ብዋናነት መሪሑ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣቡኡ ፊደል ካስትሮ ወያኒት (ሰውራዊት)ፖለቲከኛ ንዝነበረት ሚርታ ዲያዝ-ባላርት ብምምርዓው፡ ካብ ፈላማይ ሓዳሮም እዮም ብ1949 ኣቆፃፅራ ኣውⶂጳውያን ንካስትሮ ዲያዝ-ባላርት ወሊዶሞ።
ስድራ ወላዲቱ ኣብ ፍሎሪዳ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ማሕበረሰባዊ ምንቅስቓስ ፀረ ካስትሮ ብምፅንባር ልዑል ኣፍልጦ ዝነበሮም እዮም። ወዲ ኣኩኡ ማሪዮ ዲያዝ-ባላርት ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ እዩ።
ፊደሊቶ ግና ክብርታት ወያናይ ኩባ ዘቐፅል እሙን እዩ።
ተሌቬዥን እታ ሃገር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ካስትሮ ዲያዝ-ባላርት ብስድርኡ ከም ዝውሰን ካብ ምግላፅ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ዝርዝር ጉዳያት ኣይገለፀን።
ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሞቱ ዕላዊ ምስ ኮነ ብዙሓት ኩባውያን ምድንጋፆም ኣይተረፈን።
ምኽንያቱ ኣባላት ስድራ ካስትሮ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ርሒቆም ብምንባሮም፡ሞት ካስትሮ ዲያዝ-ባላርት ዕላዊ ክሳብ ዝኸውን፡ ሓደ ሰብ እኳ 'ፊደሊቶ' ብሕማም ከቢድ ጭንቀት ይሳቐ ምንባሩ ክፈልጥ ኣይኽእልን።
ፊደሊቶ ንማሪያ ቪክቶሪያ ባሬርዮ ብምምርዓው፡ ፊደል ኣንቶኒዮ ካስትሮ ስሚርኖቭ፣ ሚሪታ ማርያ ካስትሮ ስሚርኖቫ፣ ጆሴ ራውል ካስትሮ ስሚርን ዝብሃሉ ዝተብሃሉ ውላድ ወሊዱ እዩ።
ኣቡኡ ፊደል ካስትሮ ኣብ ታሪኽ ወያነ (ሰውራ) ድሙቕ ሽም ዝነበሮምን ንነዊሕ እዋን ካብ ሞንጎ ዝፀንሑ መራሕቲ ፖለቲካን ሓደ እንትኾኑ፡ ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ መበል 90 ዓመቶም እዮም ሞይቶም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







