"ካፒተይን ህዋ ምዃን ቀሊል እዩ"

ናብ ጎቦ ትሓኩር ዘለኻ ዘምስል ፀዋታ ቪድዮ ዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቪድዮ ፀዋታ ኣብ ቁጠባ ኣለምና ዕዙዝ ፅልዋ ኣለዎ

ኮምፒተር ምርካብን ምጥቃምን ከቢድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን - 1962 ንፒተር ሳምሶንን መሓዙቱን ግን ዝቐለለ'ዩ ነይሩ። ኩናት ኣብ ሃዋህው (ስፔይስ ዎር) ዝተባህለ ፈላማይ ዓይነት ፀዋታ ኮምፒተር ይፃወቱ ነይሮም።

እቲ መዘናግዒ ኮምፒተር ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ፤ ካብ ክንግምቶ ንኽእል ንላዕሊ ድማ ኣብ ቁጠባ ዓለምና ፅልዋ ከሕድር ዝኸኣለ እዩ። ቅድሚ ፀዋታ ኮምፒተር 'ስፔይስ ዎር' ምጅማሩ፡ ኮምፒተራት ብቐሊሉ ምርካብ ኣይከኣልን ነይሩ።

ኣዝዮም ገዘፍትን ክባራትን ብምንባሮም፡ ብዘይካ ስልጠና ዝወሰዱ ዝኾነ ሰብ ብቐሊሉ ክጥቀመሎም ኣይኽእልን። ብኣውርኡ ድማ ባንኪታት፡ ገዘፍቲ ትካላትን ወተሃደራትን እዮም ዝጥቀሙሎም ነይሮም።

ኣብ መጀመርታ 1960ታት ኣብ ትካል ቴክኖሎጂ ማሳቹሴትስ (ኤም ኣይ ቲ) ሓደሽቲ ኮምፒተራት ብዝሓሸ ኩነታት ክዳለዋ ጀሚረን። ንዓኣተን ተባሂሉ ዝተዳለወ ገዛ ግን ኣይነበረንን።

ኣብ ቤተ ፈተነ ክፀንሓ ብምግባር ተምሃሮ እውን ክጥቀሙለን ተፈቒዱ እዩ።

ማዕበላዊ ለውጢ ኣብ ቪድዮ

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኤም ኣይ ቲ ፒዲፒ-1 ዝተብሃላ ሓደሽቲ ዓይነት ኮምፒተር ኣዳለዩ። ብዛዕባ'ዚ ዝሰምዐ ስቲቭ ሩሰል ዝተብሃለ መንእሰይ ተመራማሪ ምስ መሓዙቱ ብምዃን ዓቕሚ እቲ ኮምፒተር ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ክመራመሩ ጀሚሮም።

ፒዲፒ-1 ኮምፒተር

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

መግለጺ ስእሊ, ፒዲፒ-1 ዝተባሃላ ኮምፒተራት ኣብ ምዕባለ ፀዋታ ቪድዮ ወሰንቲ ነይረን

ብርክት ዝበሉ ሳይንስ ጠቀስ ልበ-ወለድ ፅሑፋት ድማ የንብቡ ነይሮም። ፀዋታ ስፔይስ ዎር ብዝሓሸ ብርኪ ንምፍጣር ካብ ዝነበሮም ድሌት ልዑል ፃዕሪ እዮም ኣካይዶም።

ንክልተ ተፃወትቲ ዘነሓንሕ፡ ካፒቴናት ህዋ ዝበኣሱሉ ፀዋታ ኮምፒተር እውን ምፍጣር ኪኢሎም።

ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዘሕደሮ ፅልዋ

እቲ ፀዋታ ዝቐለለን ዝቐልጠፈን ንምግባር ካልኦት ሰባት እውን ኢዶም ሓዊሶምሉ እዮም። ነዚ ስዒቡ ኮምፒተራት ኣብ ዝተፈላልየ ቦታታት ንመፃወቲ ተባሂለን ክትከላ ክኢለን።

ክሳብ ናብ ገዛ ውልቀ-ሰባት እውን ተባፂሔን። ካብኡ ንደሓር እዩ ኢንዳስትሪ፡ መፃወቲ ቪድዮ ዓብዩ።

ምስሊ ገፀ-ባህርያት ፀዋታ ቪድዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገፀ-ባህርያት ፀዋታ ቪድዮ ለንደን ኣብ ዝርከብ መኽዝን

ካብዚ ዝተበገሰ ኣብ ህንዲን ቻይናን ዝነብሩ ገለ ሰባት ከም ቀንዲ ፍልፍል እቶቶም ክገብርዎ ተራእዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ኣብ ጃፓን ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ድሕረ-ገፃት ብርክት ዝበሉ ፀወታታት ብኣሽሓት ዶላራት ንጨረታ እናቐረቡ እዮም።

ዝበዝሑ ግን ኣታዊ ንምርካብ ዘይኮነስ እናተዘናግዑ ግዚኦም ከሕልፉ ዝደልዩ እዮም ዝጥቀሙዎ። ካብ ሞንጎ እቶም ፍሉጣት ኣንግሪ በርድ፥ ካንዲ ክራሽን ፖክሞን ጎ ይርከብዎም።

ጄን ማክጎኒጋል ዝተብሃለ ሙሁር ኣብ 2011 ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝለዓለ ጊዚኦም ማለት እውን ብማእኸላይ ክልተ ሰዓት ኣብ መዓልቲ ኣብ መፃወቲ ኣብ ኮምፒተር ከምዘሕልፉ ሓቢሩ እዩ።

እዚ ድማ እዩ ኣብ ቁጠባ ዓለምና ዓርሱ ዝኸኣለ ፅልዋ ክህልዎ ዝገብር።

ፀዋታ ቪድዮ ዘርኢ መስሊ

ምንጪ ስእሊ, EverQuest

መግለጺ ስእሊ, ሓደሽቲ ፀዋታታት ቪድዮ ብምፍጣር ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ተረባሕቲ እናኾኑ እዮም።

ፀዋት ኣብ ኮምፒተር ፀረ-ስራሕ

ኣብ 2016 ዕላዊ ዝተገበረ መፅናዕቲ ከምዘረጋግፆ ቁጠባ ኣሜሪካ እናዓቤ ስእነት ስራሕ ግን ይንኪ ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን'ዚ መፃወቲ፡ ኢንዳስትሪ ፊልሚ ምስ ዝረኽቦ ኣታዊ እናተናሓንሐ ይርከብ።

ንኽንፃወት ካብ ነውፅኦ ገንዘብ ንላዕሊ እቶም ፀዋታታት በዕላቶም ኣብ ቁጠባ ዓለም ዝፈጥርዎ ፅልዋ ኣሎ። ምህዞ ሓሳባዊ ምስሊ (ቨርቹዋል) ዝፈጥሮ ዘሎ ዕድል ስራሕ ብኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ዴቪድ ካስትሮኖቫ ዝተብሃለ ሙሁር ቁጠባ፡ ኣብ 2001 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ፡ ዘስልሖ ሒሳብ ነይሩ። ኖራት ኣብ ዝተብሃለ ዓይነት ፀዋታ ኣድሂቡ እዩ መበገሲ መፅናዕቱ።

እቲ ፀዋታ ብሓደ ግዜ 60ሽሕ ሰባት ብብርኪ ዓለም የተኣናግድ። ዝኾነ ገፀ-ባህሪ ወኪልካ ብምፅዋት ክንዲዝተኸኣለ ልዑል ሃፍቲ ምኽዕባት እዩ ዕላምኡ። ገለ ተፃወቲ ግን ዕጉሳት ኣይነበሩን።

እናተሰላቸዉ ምስመፁ፡ ተወሰኽቲ ገፀ-ባህሪያት ካብ ካልኦት ሰባት ብገንዘብ ምግዛእ ጀሚሮም።

ካንዲ ክራሽ ዝፃወት ሰብ

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ካንዲ ክራሽ ዝበሃል ፀዋታ ተመሳሰልቲ ነገራት ብምርኻብ ክጠፍኡ እናገበርካ ዝፅወት ፀዋታ እዩ

ካብዚ ዝተበገሰ ኣብ ህንዲን ቻይናን ዝነብሩ ገለ ሰባት፡ ከም ቀንዲ ፍልፍል እቶቶም ክገብርዎ ተራእዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ኣብ ጃፓን ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ድሕረ-ገፃት፡ ብርክት ዝበሉ ፀወታታት ብኣሽሓት ዶላራት ንጨረታ እናቐረቡ እዮም።

ዝበዝሑ ግን ኣታዊ ንምርካብ ዘይኮነስ፡ እናተዘናግዑ ግዚኦም ከሕልፉ ዝደልዩ እዮም ዝጥቀሙዎ።

ካብ ሞንጎ እቶም ፍሉጣት ከኣ ኣንግሪ በርድ፡ ካንዲ ክራሽን ፖክሞን ጎን ይርከብዎም። ጄን ማክጎኒጋል ዝተብሃለ ሙሁር ኣብ 2011 ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝለዓለ ጊዜኦም ማለት እውን ብማእኸላይ ክልተ ሰዓት ኣብ መዓልቲ፡

ኣብ ኮምፒተር ክፃወቱ ከምዘሕልፉዎ ሓቢሩ። እዚ ድማ እዩ ኣብ ቁጠባ ዓለምና ዓርሱ ዝኸኣለ ፅልዋ ክህልዎ ዝገብር።

ፀወታ ኣብ ኮምፒተር ፀረ-ስራሕ

ኣብ 2016 ዕላዊ ዝተገበረ መፅናዕቲ ከምዘረጋግፆ፡ ቁጠባ ኣሜሪካ እናዓበ ስእነት ስራሕ ግን ይንኪ ነይሩ። "

ሞባይል ፀዋታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቪድዮ ፀዋታታት ምስ ምሽማይ ግዜ ሰባት ብዘተትሓሓዘ ዝግለፅ ኣሉታ ኣለዎ።

ወሑድ ዘይበሃል ቁፅሪ ዘለዎም መናእሰይ እታ ሃገር ግን ፍርቂ መዓልቲ ጥርሕ ዝሰርሑ ወይ ድማ መሊኦም ዓዲ ውዒል ምዃኖም እዩ ተረጋጊፁ።

ስራሕ ዘይምርካብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምዘለውዎ ዝፍለጥ እዩ።

እቶም ኣብ ገዝኦም ዝውዕሉ ኣሜሪካውያን መናእሰይ ሕጉሳት ኮይኖም እዮም ተረኺቦም። ነቲ መፅናዕቲ ዘካየዱ ኣካላት ዝሃቡዎ መደምደምታ፡ እቶም መናእሰይ ኣብ ገዝኦም ኮፍ ኢሎም ንሃፍቲ ወለዶም እናሓለቡ ግዚኦም ብፀዋታ ኮምፒተር የሕልፍዎ ምህላዎም እዩ።

ብቐሊሉ ኣብ ገዛኻ ከለኻ ካፒቴን ህዋ ምዃን እንተተኻኢሉ ንምንታይ ተቖፂረ ይሰርሕ? ኣብ ዝብል መደምደምታ ዝበፅሑ ይመስል።