ናብ ህዋ ጉዕዞ ብምግባር ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን'ዩ ዝተባህለ ማሰኮ ብሓደጋ ሞተር ሞይቱ

ማንዳላ ማሶኮ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማንዳላ ማሶኮ

ናብ ህዋ ናይ ምኻድ ዕድል ረኺቡ ዝነበረ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማንዳላ ማሰኮ ብሓደጋ ሞተር ብሽክሊታ ህይወቱ ሓሊፋ።

ማሰኮ እቲ ረኺብዎ ዝነበረ ዕድል ግብራዊ እንተዝኸውን ናብ ህዋ ክጓዓዝ ዝኸኣለ ፈለማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ምኾነ ነይሩ።

እቲ ወዲ 30 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብሓደጋ ሞተር ብሽክለታ ህይወቱ ከም ዝሰኣነ ቤተሰቡ ኣፍሊጦም።

ኣባል ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ማሰኮ፡ ብ2013 ናብ ኣካዳሚ ህዋ ኣሜሪካ ንምእታው ምስ ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰባት ብምውድዳር ካብ ሞንጎ ዝተሓርዩ 23 ሰባት ሓደ ክኸውን ኪኢሉ ነይሩ።

መሓዙቱ 'ስፔስቦይ' [ወዲ ህዋ] እናበሉ ዝጸውዕዎ ማንዳላ ማሶኮ፡ ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ልምምድ ጉዕዞ ህዋ ገይሩ'ዩ።

ንሱ "ንኣፍሪቃውያን መናእሰይ ዘነቓቕሕ ስራሕ ክሰርሕ እደሊ። ዝሓሰብዎ ነገር ከሳኽዑ ከም ዝኽእሉ ከረጋግጸሎም እፈቱ" ይብል ነይሩ።

ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ከኣ "ኣብ ህዋ ኮይነ ክድውለልኩም'የ" ኢሉ ነይሩ።

"ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ናብ ህዋ ክኸይድ ከለኹ ልክዕ ከም ኒል ኣርመስትሮንግ ንዓመታት ዝኸይድ ስልኪ ክህልወኒ'ዩ" ክብል'ውን ገሊጹ።

ብ1969 ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ዝረገጸ ሰብ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ኣሜሪካዊ ተመራማሪ ህዋ ኒል ኣርምስትሮንግ ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሚኡ፡ ብ2012 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ'ዩ።