ቻይና ኣብቲ ዝተኸወለን ካብ መሬት ዝረሓቐን ኣካል ወርሒ መንኮራኮር ኣወንጪፋ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/CGTNOfficial
መንግስቲ ቻይና፡ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ካብ መሬት ዝተኸወለን ዝረሓቐን ኣካል ወርሒ መንኮራኮር አወንጪፉ ከም ዘዕለበ ኣፍሊጡ።
እታ ሓድሽ መንኮራኮር፡ ኣብ ውሽጣ፡ እዚ ዝዓለበቶ ኣካል ወርሒ ጂኦግራፍያዊ አቀማምጣን ኩነታት ስነ-ህይወትን ንምምርማር ዘኽእል ቴክኖሎጂን መሳርሕታትን ተሰኪማ እያ ተጓዓዛ።
ሃገራዊ ሚድያ ቻይና ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ክስተት ኣብ ዓውዲ ምርምር ህዋ ዓብዪ ዝላ እዩ ኢሉ።
ዛጊድ ናብ ወርሒ ዝተገብሩ ጉዕዞታት ምውንጫፍ መንኮራኮር፡ ኣብቲ ንመሬት ዝጥምት አካል ወርሒ እንትኸውን፡ ካብ መሬት ዝተኸወለን ዝረሓቐን ገፅ ወርሒ ተዳህሲሱ ኣይፈልጥን።
ኣብዚ ከውሊ ከባቢ ወርሒ መንኮራኮር እንትዓልብ ንፈለማ እዋን እዩ።
ቼንግ-4 ዝተብሃለ እዚ ናብ ወርሒ ተወንጪፉ፡ ብዓወት ዝዓለበ መንኮራኹር ምርምር ህዋ፡ ናብዚ ቅድሚ ሐዚ ተዳህሲሱ ዘይፈልጥ ከባቢ ወርሒ ንምጓዓዝ ዝሕንበበሉ ዑደቱ ኣዐርዩ ምድላዋት ክገብር ከም ዝፀንሐ ተፈሊጡ።
ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ ብ2013 ናብ ገፅ መሬት ዝርከብ አካል ወርሒ ምስ ዝተወንጨፈ ቼንግ-3 መንኮራኮር፡ እንትነፃፀር እቲ ሐዚ ናብ ከውሊ መሬት አካል ወርሒ ዝተገብረ ጉዕዞ፡ ከቢድን ንልዑል ሓደጋ ዝተጋለፀን ከም ዝነበረ ሰብ ሞያ ኣብሪሆም።
እታ ሐዚ ናብ ወርሒ ዝተወንጨፈት መንኮራኮር ገለ ሑጻን ከውሕን ወርሒ ሒዛ ናብ ምድሪ ክትምለስ ትፅቢት ይግበረላ።

ምንጪ ስእሊ, NASA
ኣፖሎ ላንዲንግ ዝተብሃለ ናይ ኦመሪካ መንኮራኮር ኣብ ወርሒ ድሕሪ ምዕላቡ፡ እዚ ናይ ሐዚ ጉዕዞ ድሕሪ 50 ዓመት እዩ ዝኸውን ዘሎ።
እዚ ጉዕዞ፡ ኣብ መወዳእታ 2019 ነዚ መንኮራኮር ናብ መሬት ናይ ምምላስ ዕላማ ተታሓዚዙ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ መሬት ኮይንና ብሰንኪ ከውሊ መሬት ዘይረአየና አካል ወርሒ፡ ፀልማት ገይርና እንስእሎ ጌጋ እንትኸውን፤ ኩሉ አካላት ወርሒ ብርሃን ከምዝረክብ እቶም ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይዛረቡ።
ዕላማ ናይቲ ጉዕዞ ህዋ
እዛ ሓዳሽ መንኮርኮር ታሕሳስ 7 ዝተወንጨፈት እንትኸውን፡ ታሕሳስ 12 ድማ ኣብቲ ዝተዓለመ ኣካል ወርሒ ዓሊባ።
ዕላማ ናይቲ ምውንጫፍ፡ ብዛዕባ ቮን ካርማን ዝብል ስየመ ዝተውሃቦ ኣብ ኣካል ወርሒ ዝተፈጠረ ንህለት ንምፅናዕ እዩ።
እቲ ንህለት ኣብ ወርሒ ኣብ ቀረባ ዘመን ዝተፈጥረ ሰፊሕ ዝኾነ ደቡባዊ ሓጓፍ ኣካል እዩ።
ኣንድረው ኮትስ ዝተብሃለ ፕሮፌሰር ፊዚክስ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ንህለት 2500 ኪሎሜትር ንውሓት ዲያሜትርን 13 ኪሎሜትሮ ዕምቆት ዘለዎን ዓብይ ቅርፂ ኣለዎ።
ኣብ ታሪኽ ስርዓተ ምህዋር፡ ካብቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ክስተታት ሓደ ተገይሩ ከምዝውሰድ'ውን ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይዛረቡ።
እቲ ሓድሽ ዳህሳስ፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ በዚ ምንቕናቅ ዝተፈጥረ ከውሒ ተፈጥርኡን ባህሪኡን ምፅናዕ'ውን ከም ሓደ ዕላማ ገይሩ ዝሓዘ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







