ብራዚል፡ ተሰሚዑ ዘይጽገብ ዛንታ ኮኾብ ተጻወታይ ኵዕሶ እግሪ ፔለ

ፐለ

እቲ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ን21 ዓመታት ዝተጻወተ ውሩይ ብራዚላዊ ተፋዋቲ ኩዕሶ እግሪ ፔለ፡ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ።

ንሱ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሰለስተ ግዜ ንሃገራዊት ጋንትኡ ተሰሊፉ ብምጽዋት፡ ሰለስተ ሻብ ጽዋዕ እቲ ዝዓበየ መድረኽ ኩዕሶ እግሪ ዝዓተረ ብሕታዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ'ዩ ነይሩ።

እዚ ጽሑፍ፡ ፔለ ብህይወቱ እንከሎ ተዳልዩ ኣብ ቢቢሲ ተሓቲሙ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ላዕሊ ንሕልፈት ፔለ ዝገልጽ ሙሉእ ሓሳብ ብምእታው ዳግማይ እንሓትሞ ዘለና እዩ።

Short presentational grey line

ዛንታ ፔለ ኣይጽገብን። ብዛዕብኡ መጻሕፍቲ፡ ፊልምታት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓጸርቲ ዛንታታት፡ ማእለያ ዘይብሎም ኣሳእል ቀሪቦም ክነሶም ጌና ኣብ ፈቐድኡ ዘይረወየ ጽምኣት ኣሎ።

እዚ ካብ ሊስትሮ ናብቲ ዝዓበየ መድርኽ - ጸወታ ኵዕሶ - ዝተሰጋገረ ሰብ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ዓለምና ዝተፈትዉን ብኣድናቖት ዝረኣዩን ዀይኑ ዓቢ ዝናን ስምን ዘትረፈ ኮኾብ'ዩ።

እታ 'ፔለ' ዘርእስታ፡ ብነትፍሊክስ ኣቢላ ዝተዘርግሐት ሓዳስ ፊልም፡ ሓደ-ሓደ ሓደስቲ ሸነኻት ዛንታ ፔለ ስለ ዘቕረበት ኣብዚ እዋን'ዚ እታ ኣዝያ ገኒና እትርከብ ፊልም ኰይና'ላ።

ፐለ ምስ ተቐልቀለ ተፈላጥነት ብራዚል ምሉእ-ብምሉእ ተለወጠ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፐለ ምስ ተቐልቀለ ግን ተፈላጥነት ብራዚል ምሉእ-ብምሉእ ተለወጠ

ኣብ ዓለምና፡ ቅድሚ ንእሽቶ-ፔለ ዓቢ-ፔለ ምዃኑ'ዩ፡ ተፈላጥነት ብራዚል ክሳብ ክንድዚ ኣይነበረን።

ፔለ ምስ ተቐልቀለ ግን ተፈላጥነት ብራዚል ምሉእ-ብምሉእ ተቐይሩ።

ኣብ ዉሽጢ ብራዚል ፔለ ሃገራዊ ኣርማ ጥራይ ዘይኰነስ ስሙ ናብ ሃገራዊ ተቕዋም ተለወጠ።

ዓለም ብምሉኡ ኸኣ ብዛዕባ ብራዚል፡ ይንኣስ ይዕበ፡ ኣፍልጦ ረኸበ።

ፔለ ኣብ ዕላሉ ከምዚ እናበለ የዘንቱ፣ "ኣብ ዝኸድካ እንተ ኸድካ፡ ሰብ 'ካበይ ኢኻ?' ኢሉ እንተ ሓቲቱካ፡ 'ካብ ብራዚል'የ' ኢልካ እንተድኣ መሊስካ ንቕጽበት ቆብ የብልዎ ... 'ካብ ዓዲ ፔለ!' ኢሎም ከለልዩኻ ዝጀመርሉ እዋን ነበረ" ይብል።

"ንዓይ ዋላ'ኳ ብዕድመ ንኡስ እንተነበርኩ ዓቢ ሓበን ነበረ" ይብል።

ፔለ ብንእሽትኡ ...

ብ1950፡ ፔለ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብራዚል ንውድድር ኵዓሶ ዓለም ዘአንገደትሉ ዓመት ነበረ።

እቲ ናይ 1950 ፍጻሜ ንጊዜኡ ወጊንና ህይወት ፔለ ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ንርአ።

ፔለ ብድኽነት'ዩ ዓብዩ።

ኣብ ትረዝ-ከራከዝ ዝበሃል ዓዲ ብ 23 ጥቅምቲ 1940 ተወሊዱ ኣብ ባውሩ ዝበሃል ከተማ - ኣብ ክልል ሳን-ፓውሎ - ኣብ ፈቐዶ ጽርግያ ኵዕሶ እናተጻወተ'ዩ ዓብዩ።

ኣቡኡ ብጊዜኡ ተጻዋታይ ኵዕሶ'ዩ ነይሩ።

ተገዲሱ ኸኣ ንወዱ ጥበብ ኵዕሶ መሃሮ። ጽልዋ ኣቡኡ ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝነበረ ... "ንዓይ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኵዕሶ'ዩ ነይሩ" ይብል ፔለ።

ካብ ድኽነት ዝተላዕለ ግን ፔለ ኣይኰነንዶ ዕጥቂ ገዚኡ ኣብ ምዕቡላት ጋንታታት ተሰሊፉ ክጻወት ኵዕሶ ክዕድግ'ውን ኣይክእልን ነበረ።

ኰይኑ ድማ ካልሲ ብወረቐት ጥርንቕ ኣቢኡ ከም ኵዕሶ ይጥቀም ነበረ። ብትርፊ ጊዜኡ ድማ ጫማ እናጸረገን ኣብ እንዳ ሻሂ እንዳሸቀለን'ዩ ዓብዩ።

ናብ ፍጻሜ 1950 ክንምለስ፡ ብራዚልን ዩሩጓይን ኣብ ሻምፕዮን ንምዃን ዛዛሚ ውድድር በጽሓ።

ማዕረ 200,000 ህዝቢ ኣብ ስታድዩም ማራካና ነቲ ግጥም ክርኢ ተኣከበ።

ሽዑ ግጥማት ብፊልም ናይ ምቕራጽ'ምበር ብተለቪዥን ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎ ኣይነበረን።

እቲ ግጥም ብ 16 ሰነ 1950 ኣብ ሪዮ-ደጃኔሮ ኢዩ ተፈጺሙ። ኣብ ጽርግያታት ብራዚል ጸጥታ ዓሲሉ ኵሉ ሰብ ረድዮ ወሊዑ ነቲ ጸወታ ይከታተል ነበረ።

እቲ ትጽቢት ብራዚል ንኽትስዕር ስለ ዝነበረ ኵሉ ተዓዛባይ ንኽጽንብል ዓጢቑ ኣብ ሜዳ ኵዕሶ ኣተወ።

ብመጀመርያ ብራዚል ሓንቲ ሽቶ ኣመዝገበት፣ ጸኒሓ ግን ዩሩጓይ ክልተ ሽቶታት ብምምዝጋባ ነታ ዋንጫ ክትዓትር በቕዐት።

ሽዑ ኣብ ብራዚል ሓዘን ዓሲሉ።

ኣቡኡ ንፔለ ካብ ክቱር ሓዘን ነብዐ፣ ፔለ ኸኣ ንኣቦኡ ክንብዕ ምስ ረኣየ ሓዚኑ።

ከም ኵሉ ዘረባ ቈሎዑ፡ "ኣጆኻ ኣቦይ፡ ኣነ ባዕለይ ነታ ዋንጫ ከምጽኣልካ'የ" ክብል ከጸናንዖ ፈተነ ይበሃል።

ፔለ ኣብ ዋንጫ ዓለም 1958

ፔለ ምስ ጋንታ ሳንቶስ ኣብ 15 ዕድሜኡ'ዩ ክጸወት ዝጀመረ።

ኣብ ሜዳ ፍርሂ ዘይፈልጥ፡ ብፍጹም ርእሰ-ተኣማምነት ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን ነበረ።

ፐለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ኣቦይ ኣብ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ ኵሉ ተጻዋታይ ማዕረ'ዩ፣ መንፍዓትካ'ዩ ወሳኒ" ክብል ይዝከረኒ ይብል ፔለ።

ህዝቢ ብራዚል ብኡ-ንብኡ ምስ ፔለ ፍቕሪ ሓደሮ። ኣቀባብላን ኣተኣላልያን ኵዕሶ ጥራይ ዘይኰነ ብናህርን ፈንጢዝካ ንመወዳድርቱ ምሕላፍን ሽቶ ምምዝጋብን ፍሉይ መንፍዓትን ጥበብን ድፍረትን ነበሮ።

እቶም ካብ ሽዑ ክከታተልዎ ዝጀመሩ፡ ኣብቲ ፊልም ምስክርነቶም ዝሃቡ - ኣዝማዱ፡ መታዓብይቱ፡ መጻውትቱ - "ንፔለ ምርኣይ ስነ-ጥበብ-ኣብ-ስራሕ ከም ምርኣይ ነበረ ... ንልቢ ዚምስጥ ፍጹም ጠሰስታ ነበረ" ኢሎም ይምስክሩ።

ፔለ ኣብ ጋንታ ሳንቶስ ኣብ ዝተጸንበረሉ እዋን እታ ጋንታ ዓባይ ኣይነበረትን፣ ፔለ ምስ ተሓወሳ ግን ዕብየታ ብኡ-ንብኡ ተራእየ።

ሓንቲ ካብ'ተን ዝዓበያ ጋንታታት ብራዚል ጥራይ ዘይኰነትስ ኣብ ክፍለ-ሃገራት ሰሜንን ምዕራብን ኣሜሪካ ዓቢ ስም ረኸበት።

ትካል ኵዕሶ ኣብ ብራዚል ብሓንሳብ ሓፍ በለ፣ ሰባት ብፍቕሪ ፔለ ሰኸሩ፣ ብዙሓት'ውን ካብ ክቱር ሓጎስን ኣድናቖትን ይነብዑ ከም ዝነበረ እቲ ፊልም የርኢ።

ፔለ ኣብ 16 ዕድሜኡ ኣብ ሕርይቲ ጋንታ ብራዚል ተጸንበረ።

ብ1958 ከኣ ኣብ ውድድር-ዋንጫ-ዓለም ክሳተፍ ንሽወደን ዝተጓዕዘሉ እዋን እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ብክእለት ግን ክንዮ ዕድሜኡ ዝነበረ ተጻዋታይ ነበረ።

ብራዚል ኣንጻር ሽወደን 5-2 ሰዓረት፣ ክልተ ካብ'ተን ሽቶታት ናይ ፔለ ነበራ። ፔለ ኸኣ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ናይቲ ዙር ኰይኑ ጸብለል በለ።

ሓደ ሲግቫርድ ፓርሊንግ ዝተባህለ፡ ካብ'ቶም ኣንጻር ብራዚል ዝተሰለፈ ኣባል ጋንታ ሽወደን ድሒሩ ከም ዝበሎ፡ "ፔለ እታ ካልአይቲ ጎል ምስ ኣመዝገበ ብኣድናቖት ንከጣቓዓሉ ቁሩብ'ዩ ተሪፉኒ" ኢሉ ብኣድናቖት ነቲ ናይ ሽዑ ህሞት ገለጾ።

ሓደ ጋዜጠኛ በቲ ፔለ ዘመዝገቦ ዓወት ከምዚ ክብል ጸሓፈ፡ "ፔለ ኣብ ሜዳ ኵዕሶ ጥራይ ኣይኰነን ዓወት ኣመዝጊቡ፣ ካብኡ ዝዓቢ ዓወት'ዩ ኣመዝጊቡ። ሓደ ጸሊም መንእሰይ ብናይ ኵዕሶ ክእለቱ ጥራይ ተመሪሑ ኣብ ምሉእ ዓለም እቲ ዝገነነ ኮኾብ ብምዃን ንሚልዮናት ሰባት ምንጪ ዉጹእ ተስፋን ተመስጦን ኰነ" ክብል ገለጾ።

ኣዋልድ ንክሕጸየን፡ ኣወዳት ሓው ንክዀኖም፡ ኣቦታትን ኣዴታትን ዉላዶም ንክኸውን ንፔለ ይማናጠልሉ ከም ዝነበሩ ኣብቲ ፊልም ዝቐረቡ መስከርቲ ይገልጽዎ፣ ኣብ ብራዜል ፍጹም ፍስሃን ኣይግዳዱ-ፈንጠዝያን ዓሰለ።

ህዝቢ ንፔለ ኣብ ንጉስ ለወጥዎ፣ ጻዕድኦም፡ ጸሊሞም ኵሎም ሓቢሮም ፔለ-ፔለ ዝበልሉ፡ ብራዚላውያን ድማ ናብ ኣግእዞ ዝተሰጋገርሉ እዋን ከም ዝነበረ ገይሩ እቲ ፊልም ነቲ ብፔለ ኣቢሉ ዝተፈጥረ ኵነታት ናይ ሽዑ ይገልጾ።

ኣብቲ ፊልም ፔለ ነቲ ናይ 1958 ጸወታ እናተዓዘበ ሕንቕንቕ ይብል፡ ንብዓት ከኣ ይስዕሮ።

"ኣነ ጥራይ ኣይኰንኩን ተሓጕሰ፣ ምሉእ ህዝቢ ብራዚል ምሳይ ነቲ ዓወት ከብዕል ይዝከረኒ።

ጥዑም ጊዜ ነይሩ፡ ኣብ ብራዚል ከኣ ተስፋ ዝሰፈነሉ እዋን ነብረ" ይብል።

ምናልባሽ ፔለ ዘይፈለጦ ጕዳይ ነይሩ ክንብል ንኽእል።

ኣብ ኣፍሪቃና ዝተሰምዓና ሓበን ሓያል ነበረ ኢሎም ዝገልጽዎ ሰባት ኣሎዉ፣ መንእሰያት ድማ ንኣርኣያ ፔለ ተኸቲሎም ክዓብዩ ዝጀመርሉ ዘመን ስለ ነበረ።

ነቲ ሕጂ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ፡ ማለት እቲ ጊዜ'ቲ ዝዝከሮ ሰብ ፍሉይ ስምዒታት'ዩ ዝፈጥር።

እቶም በቲ እዋን ኣብ ዞባና ዝካየዱ ዝነበሩ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ዝረኣየ፡ ንበዓል መንግስቱ ወርቁ፡ ሉችያኖ ቫሳሎ፡ ኢታሎ ቫሳሎ የዘኻኽር።

ጋንታ ኢትዮጵያ ብ1962 ሽድሽተ ኤርትራውያን ብምስላፍ ንናይ ኣፍሪቃ ዋንጫ ክትዓትር ዘይርሳዕ ዘበን'ዩ።

እዚ ዛንታ ግን ብዛዕባ ፔለ ስለ ዝዀነ ኣብኡ ንከነትኵር ንግደድ።

ፍሉይነት ናይ'ዛ ሓዳስ ፊልም

እዛ ሓዳስ ብነትፍሊክስ ዝተዘርግሐት ፊልም ንፔለ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኵዕሶ ዝዀነሉ ምኽንያታት ብግሩም ዝዀኑ ኣርሺቭ ኣሰንያ ኣቕሪባቶ ኣላ።

እቶም ኣብቲ ፊልም ቀሪቦም ዘሎዉ ሰነዳት ኣርሺቭ፡ ምስ ፔለ ዀኑ ካልኦት ደቂ ጋንትኡ ዝተኻየዱ ቃለ-መጠይቓት፡ ናይ ሽዑ ጋዜጠኛታት ዜቕረብዎ ጸብጻባት ንህይወት ፐለ ብጽቡቕ ኣገባብ'ዮም ዝስእልዎ - ካብ ብንእሽትኡ ጀሚሩ፡ ምስ ሳንቶስ ክጻወት ኣብ ዝጀመረሉ፡ ናብ ሃገራዊ ጋንታ ብራዚል ዝተሰጋገረሉ፡ ኣብ 17 ዕድሜኡ ናይ 1958 ዓለም ዋንጫ ዝተጓናጸፈሉ።

1962፡ ፔለ ዋላ'ኳ ኣብ ቺለ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ዋንጫ ውድድር እንተ ተሳተፈ፡ ኣብታ ካልአይቲ ጸወታ (ኣንጻር ቺኮስላቫክያ) ተሃስዩ ካብቲ ጸወታ ክእለ ተገደደ።

ኣብታ ቀዳመይቲ ግጥምያ (ኣንጻር ሜክሲኮ) ሽቶ ብምምዝጋብ ፍጹም ብቕዓቱ ኣመስከረ። እንተዀነ ግን ክቕጽል ኣይከኣለ፣ ብራዚል ብመሪሕነት ጋሩንችያ ነታ ዋንጫ ደጊማ ኣብ ምዕታር ግን በጽሐት።

1966፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኻየደ ውድድር ፔለን ጋሩንችያን ንመጠረስታ እዋን ሓቢሩ ዝተጸወትሉ ቱርናመንት ነበረ።

ክልቲኦም ድማ ብማህሰይቲ ምኽንያት ክእለዩ ተገደዱ። ጋንታ እንግሊዝ ንምዕራብ ጀርመን ስዒራ ዋንጫ ዝዓተረትሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

1966፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኻየደ ውድድር ፐለን ጋሩንችያን ንመጠረስታ እዋን ሓቢሩ ዝተጸወትሉ ቱርናመንት ነበረ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሞንጎ 1962 - 1966 እንታይ ተረኽበ?

ኣብ መጀመርታ ስሳታት ብራዚል፡ ከም ሃገር፡ ዓይነታዊ ለውጢ ኣርኣየት። ኣብ ማእከል'ቲ ለውጢ ኸኣ ፔለ ነበረ።

ብራዚላውያን ብሞራሎምን ርእሰ-ተኣማምነቶምን ንላዕሊ ክውንጨፉ፡ ደስታ ኣብቲ ሃገር ዓሲሉ፡ ዲሞክራሲ ንዘልኣለም ክሰፍን'ዩ ዚብል እምነት ኣሕደሩ።

ኣብቲ ፊልም ሓደ ጕዳይ ጐሊሑ ይርአ፣ እቲ ብ 1964 ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብራዚል። እቲ ዕልዋ-መንግስቲ ብ ሕ.መ.ኣ. ተደጊፉ ዝተኻየደ ነበረ።

ሽዑ ፕረሲደንት ጆን.ኤፍ. ከነዲ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን ነበረ። ምኽንያት ናይቲ ዕልዋ ድማ ብራዚል ናብ ደንበ-ማሕበርነት ገጻ ትቐንን ኣላ ብዝብል ጥርጣሬን ምስምስን ነበረ።

ኣይጸንሐትን፡ ብራዚል ኣብ ዲክታቶርነት ተሸመመት፣ እቶም ጀነራላት ከኣ ኣብ ስልጣን ንዕስራ ዓመት ጸንሑ።

ነቲ ዕልዋ ዝተቓወሙ ሰባት ከኣ ተሃድኑ፡ ተኣስሩ፡ ተሳቐዩ፡ ሓቐቑ፡ ተቐትሉ። ብዙሕ ህዝቢ ተቐዝፈ። ኣብቲ እዋንቲ እቶም ጀነራላት ንፔለ ክጥቀምሉ ጀመሩ።

እዛ ሓዳስ ፊልም ከም እተርእዮ ኣብቲ እዋን'ቲ -ፔለ ወዲ 25/26 ዓመት ዝነበረሉ እዋን ካብ ጸውታ ኵዕሶ ጨሪሱ ከልግስ ወሲኑ ከም ዝነበረ ተርኢ። ነቲ ናይ ሽዑ ዝሰፈነ ኵነታት - ዕልዋ መንግስትን ዝሰዓበ ምጭፍጫፍን - ጸሊኡዎ ከይኰነ ኣይተርፍን ዝብሉ ኣሎዉ።

ኣብቲ ፊልም ፓውሎ ሰዛር፡ መጻውትቲ ፔለ ዝነበረ፡ "ፔለ፡ ከምቲ ዝነበሮ ዝና መጠን፡ ኣንጻር'ቲ ዝካየድ ዝነበረ ግፍዒ ሓንቲ ቃል ተዛሪቡ ነይሩ እንተዝኸውን ብዙሕ ሰብ ምሰዓቦ ነይሩ ኢለ እኣምን" ብምባል ንዓርኩ ይነቅፍ።

እምበኣርከስ ኣብቲ ፊልም ጐልሑ ዝርአ ጕዳይ ፔለ ምዩቝ ብዘይምባሉ፡ መርገጺኡ ከፍልጥን ዓገብ ክብል ብዘይምኽኣሉን'ዩ።

እቶም ጀነራላት ፔለ ኣብ ጸግዖም ከም ዝነበረ ጌሮም ንከርእዩ ዝከኣሎም ገይሮም'ዮም።

ኣብ ጋዜጣ፡ ኣብ ተለቪዥን፡ ኣበዮ ኣጋጣሚ ምስኡ ክረኣዩን ፔለ ድማ ፍሽኽ ኢሉ ምስኦም ክሰኣልን ተራእየ።

ኣብቲ ፊልም፡ ብዓይኒ ህየሳዊ ትንተና፡ ፔለ ዓገብ ክብል ምኸኣለ ነይሩ።

ፔለ ግን "ብዛዕባ ፖለቲካ ዝፈልጦ ኣይነበረንን" ዝበለሉ እዋን ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ዋንጫ-ዓለም 1970 ክሲኮ

ፐለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ፊልም እቶም መሰኻኽር ከም ዝበልዎ፡ ፔለ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ክጻወት ሸውሃት ኣይነበሮን።

ግናኸ ብመዲቺ፡ እቲ ሽዑ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ክፉእ መራሕ-መንግስቲ ብራዚል፡ ተገዲዱ'ዩ ምስ ሕርይቲ ጋንታ ብራዚል ንሜክሲኮ ዝተጓዕዘ።

ዝዀነ ኰይኑ ዋንጫ-ዓለም 1970 ታሪኻዊ ግጥም ነበረ።

ጸብለልትነት ናይ'ቲ ሽዑ 29 ዓመቱ መሊኡ ዝነበረ ፐለ ዳግም ብግልጺ ተራእየ።

ሽዑ ኣብቲ ዙር ኣርባዕተ ሽቶታት ብምምዝጋብ ካብ'ቶም ብሉጻት ተጻወቲ ኰይኑ ጸብለል በለ።

ኣብ ናይ መጠረስታ ዛዛሚት ውድድር ብራዚል ምስ ጣልያን ብዕለት 21 ሰነ 1970 ኣብ ከተማ መክሲኮ ገጠመት።

ፔለ እታ ቀዳመይቲ ሽቶ ኣመዝገበ።

ንብራዚል ወኪሎም ዝተጻወቱ በዓል ፔለ፡ ጀርዚኞ፡ ቶስታኦ፡ ሪቨሊኖ፡ ካርሎስ ኣልበርቶ ክዀኑ ንሃገር ጣልያን ድማ በዓል ጂጂ ሪቫ፡ ጅያኒ ሪቬራ፡ ሳንድሮ ማዞላ ዘኣመሰሉ ዓበይቲ ተጻወትቲ ነበሩ።

ካብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ እዋን ሞሮኮ ኣብቲ ውድድር ተሳቲፋ። ፔለ ንሃገሩ ወኪሉ ንመጠረሽታ እዋን ዝተጻወተሉ ዓመት ነበረ።

እቲ ዓመት'ቲ ህዝቢ ብራዚል ብኤሚልዮ መዲቺ፡ እቲ ዓማጽን ዉልቀ-መላኽን ፕረሲደንት፡ ብዉሽጡ ኵምትር ይበል'ምበር ብዓወት ፔለ ቀሰነ።

ሎሚ፡ እቲ መንፈስ ጸለምቲ ቈላዑ ጥራይ ዘይኰነስ ዅሎም ቈላዑን መናእሰይን ዓለም ዘተባብዐ ፔለ መበል 82 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ ኣሎ።