ፔለ ብብዝሒ ሸቶታት ንዝበለጾ ክርስትያኖ ሮናልዶ ንኢድዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሉጽ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ነበር ብራዚላዊ ፔለ ነቲ ብብዝሒ ኣብ ወግዓዊ ግጥማት ዘመዝገቦ ሸቶታት ዝሓለፎ ፖርቹጋላዊ ኣጥቃዓይ ክርስቲያኖ ሮናልዶ እንቋዕ ሓጎሰካ ኢሉ።
ክርስቲያኖ ሮናልዶ ትማሊ ምሸት ጋንትኡ ኣንጻር ካግሊያሪ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ሰለስተ ሸቶታት ከመዝግብ ብምኽኣሉ’ዩ ነቶም ብፔለ ንዝተቖጸሩ ብዝሒ ሸቶታት ክሓልፍ ዝኸኣለ።
ኣብቲ ጸዋታ: ኣብ ፈላሞት ደቓይቕ ሰለስተ ሸቶታት ድሕሪ ምእታዉ፤ ፔለ ኣብ መዋእሉ ኣብ ዝተሳተፈሎም ወግዓዊ ግጥማት ንዘመዝገቦም 767 ሸቶታት ብምሓልፍ 770 በጺሑ’ሎ።
"ሂወት ናይ በይንኻ ጉዕዞ'ዩ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ናቱ ጉዕዞ ኣለዎ። ክትጻወት ከለኻ ምርኣይ ብጣዕሚ የሕጉሰኒ: እዚ ከኣ ዝሕባእ ምስጢር ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለዩ ወግዓዊ ግጥማት ብዙሓት ሸቶታት ብምምዝጋብ ንዝሓዝክዎ ክብረወሰን ብምስባርካ እንቋዕ ሓጎሰካ” ክብል ፔለ ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ።
ገለ ጸብጻባት ከምዝብልዎ እንተኾይኑ ክርስትያኖ ነቲ ናይ ፔለ ክብረወሰን ጥራይ ዘይኮነስ ብደረጃ ዓለም ንዝነበረ ክብረወሰን’ዩ ኣማሓይሹ። እንተኾነ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ቸክ ግን ነዚ ዘይቅበል መርገጺ ኣለዎ። ኣጥቃዓይ ኣወስትራልያን ቺኮዝላቫኪያን ዝነበረ ጆሰፍ ቢካን: እቲ ዝለዓለ ሸቶ ዘቑጸረ ምዃኑ ብምግላጽ ሸቶታቱ 821 ምንባሮም ይሕብር።
ካልእ መረዳእታ ድማ ቢካን ዘመዝገቦም ሸቶታት 805 ከምዝኾኑ የመልክት። ካብቶም ሸቶታት ከኣ እቶም 27 ኣብ ወግዓዊ ወይ ፕሮፌሽናል ግጥማት ከምዘየመዝገበን ኣነጺሩ’ሎ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ሸቶታቱ ናብ 759 ስለዝንክያ ትሕቲ ፔለን ሮናልዶን የስርዖ።
ቅሬታ ክርስትያኖ
ክርስትያኖ ሮናልዶ ብድሕሪ’ቲ ጋንትኡ ጁቬንቱስ ምስ ጋንታ ካግሊያሪ ዝገበረቶ ግጥም ኣብ ኢንስታግራም ሓደ ሕቶ ኣልዒሉ’ሎ። ንሱ ነቲ ክብረወሰን ትማሊ ዘይኮነስ ኣቐዲሙ ከምዘመሓየሾ ብምግላጽ ስለምንታይ ሎሚ ኣፍልጦ ከምዝተወሃቦ ይሓትት።
“ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣነ ነቶም ብፔለ ዝተመዝገቡ 757 ወግዓዊ ሸቶታት ብምሕላፍ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ዝለዓለ ሸቶ ዘቑጸረ ምዃነይ ዝገልጹ ዜናታት ክወጽኡ ቀኒዮም’ዮም” ዝበለ ክርስትያኖ “ሕዚ ነቲ ኣፍልጦ ከመስግን እፈቱ፤ ግን ከኣ ስለምንታይ ክሳብ ሎሚ ነቲ ክብረወሰን ኣፍልጦ ከይረኸብኩሉ ዝጸናሕኹሉ ምኽንያት ዝሓተሉ ጊዜ ሕዚ እዩ” ክብል ገሊጹ።
ንኤሲሰን ኣራንተስ ዶ ናሽመንቶ [ፔለ] “ዘይቕየርን ዘይትካእን” ናእዳ ከምዘለዎ ዝሓበረ ክርስትያኖ፤ እዚ ሕሉፍ ናእድኡ ድማ ነተን ፔለ ኣብ ዘይወግዓዊ [ዘይፕሮፌሽናል] ግጥማት ንጋንታ ሳኦ ፖሎ ስቴት 9 ንጋንታ ሰራዊት ብራዜል 1 ዘቑጸረን ሸቶታት ምስቲ ካልኦት ደሚሩ 767 ከምዝኾነ ገይሩ ክቕበል ከምዝገበሮ ኣረዲኡ።
“ካብቲ እዋን ንደሓር ግን ዓለም ብዙሕ ተቐይራ’ላ፤ ኩዕሶ እግሪ’ውን ከምኡ። ይኹን’ምበር ንታሪኽ ከከምዝደለናዮ ክንስርዞ ንኽእል ኢና ማለት ኣይኮነን” ኢሉ ክርስቲያኖ ኣብ መልእኽቱ።
“ሎሚ ወግዓዊ ሸቶታተይ 770 ምስበጽሑ ፈላማይ ምስጋናይ ብቐጥታ ንፔለ እዩ። ብዛዕባ ኣብ ኩዕሶ ዝነበሮ ታሪኽ፣ ሸቶታቱን ዓወታቱን እናሰምዐ ዘይዓበየ ተጸዋታይ የለን። በዚ ምኽንያት ኣብ ዝርዝር ዝለዓለ ሸቶ ዘቑጸሩ ዘስፈረኒን ንክብረወሰን ፔለ ክሓልፍ ዝገበረንን ሸቶ ከመዝግብ ብምኽኣለይ ኣዝየ ተሓጒሰን ሓበን ተሰሚዑኒን። ቆልዓ ኮይነ ፈጺመ ዘይሓልሞ ነገር’ዩ” ድማ ኢሉ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



