ቅብኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዊኒስተን ቸርችል ብጨረታ ብ7 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብቀዳማይ ሚኒሰትር ዓዲ እንግሊዝ ነበር ዊንስተን ቸርችል ኣብ 1943 ዝተሰኣለት ቅብኣ፡ ውርይቲ ተዋሳኢት ኣንጆሊና ጆሊ ኣብ ሎንዶን ናብ ጨረታ ምስ ኣውረደታ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብ7 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ።
እታ ቅብኣ ኣብ መጀመርታ 1.8 ሚልዮን ፓውንድ ክትሽየጥ ትጽቢት እኳ ኣንተነበረ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ብኣስታት ኣርባዕተ ዕጽፊ እያ ተሸይጣ።
እታ ‘ዘ ታወር ኦፍ ካቶቢያ ሞስክ’ ዝብል ስም ዘለዋ ቅብኣ ኣብ እዋን ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ማራካሽ እያ ተሳኢላ።
እቲ ነታ ቅብኣ ብጨረታ ዝዓደጋ ውልቀ ሰብ ክሳብ ሕጂ መን ምኳኑ ኣይተገለጸን ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ ኣብ ሞሮኮ ማራካሽ ዝተብሃለ ቦታ ዝተሰኣለት ቅብኣ፡ ዊኒስተን ቸርችል ድሕረቲ እቲ ኣብ ካዛብላንካ ኣብ 1943 ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ ስኢልዋ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ነበር ዊኒስተን ቸርችል፡ ነታ ቅብኣ ኣጻፊፉ ምስ ወድኣ ኣብቲ ኵናት መላፍንቱ ንዝነበረ ፕረዚደንት ኣመሪካ ፈራንክሊን ሩዝቮልት ክህቦ ወጢኑ እዩ ስኢልዋ።
እንተኾነ ኣብ 2011 እታ ስእሊ ኣብ ኒው ኦርልያነስ ንመሸጣ ምስ ወረደት ውርይቲ ተዋሳኢት ኣንጆሊና ጆሊ ዓዲጋ ኣብ ኢዳ ኣጽኒሓታ።
እቲ ዝበዝሓ መስርሕ ጨረታ ናይዛ ስእሊ ብቴሌፎን እዩ ነይሩ።
እታ ቅብኣ ዋላ እኳ ብ7 ሚልዮን ፓውንድ ትገዛእ፡ ዓዳጊኣ ንኣጫረትቲ ዝኸፍሎን ግብሪ መንግስትን ተሓዊስዎ ልዕሊ 8.2 ሚልዮን ፓውንድ ከፊሉ እዩ ክውንንና።
ብሓፈሻ ዊኒስትን ቸርችል ካብ ዝተሰኣሉ ቅብኣታት ኣቐድም ኣቢለን’ውን ሰለስተ ቅብኣታት ብሓደ ናብ ጨረታ ወሪደን 9.43 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጠን እየን።
ዊኒስተን ቸርችል ንቅብኣ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኮነ እዩ ጀሚርዎ።
ኣብ 1930ታት ኸኣ ብዙሓት ቅብኣታት ስኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







