ቅብኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዊኒስተን ቸርችል ብጨረታ ብ7 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ

ቅብኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዊኒስተን ቸርችል

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብቀዳማይ ሚኒሰትር ዓዲ እንግሊዝ ነበር ዊንስተን ቸርችል ኣብ 1943 ዝተሰኣለት ቅብኣ፡ ውርይቲ ተዋሳኢት ኣንጆሊና ጆሊ ኣብ ሎንዶን ናብ ጨረታ ምስ ኣውረደታ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብ7 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ።

እታ ቅብኣ ኣብ መጀመርታ 1.8 ሚልዮን ፓውንድ ክትሽየጥ ትጽቢት እኳ ኣንተነበረ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ብኣስታት ኣርባዕተ ዕጽፊ እያ ተሸይጣ።

እታ ‘ዘ ታወር ኦፍ ካቶቢያ ሞስክ’ ዝብል ስም ዘለዋ ቅብኣ ኣብ እዋን ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ማራካሽ እያ ተሳኢላ።

እቲ ነታ ቅብኣ ብጨረታ ዝዓደጋ ውልቀ ሰብ ክሳብ ሕጂ መን ምኳኑ ኣይተገለጸን ዘሎ።

ኣንጆሊና ጆሊ ምስ ብዓል ቤታ ነበር ብራድ ፒት ብሓደ እንከለዉ ብዙሕ ቅርስታት እዮም ዝእክቡ ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣንጆሊና ጆሊ ምስ ብዓል ቤታ ነበር ብራድ ፒት ብሓደ እንከለዉ ብዙሕ ቅርስታት እዮም ዝእክቡ ነይሮም

እታ ኣብ ሞሮኮ ማራካሽ ዝተብሃለ ቦታ ዝተሰኣለት ቅብኣ፡ ዊኒስተን ቸርችል ድሕረቲ እቲ ኣብ ካዛብላንካ ኣብ 1943 ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ ስኢልዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ነበር ዊኒስተን ቸርችል፡ ነታ ቅብኣ ኣጻፊፉ ምስ ወድኣ ኣብቲ ኵናት መላፍንቱ ንዝነበረ ፕረዚደንት ኣመሪካ ፈራንክሊን ሩዝቮልት ክህቦ ወጢኑ እዩ ስኢልዋ።

እንተኾነ ኣብ 2011 እታ ስእሊ ኣብ ኒው ኦርልያነስ ንመሸጣ ምስ ወረደት ውርይቲ ተዋሳኢት ኣንጆሊና ጆሊ ዓዲጋ ኣብ ኢዳ ኣጽኒሓታ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እቲ ዝበዝሓ መስርሕ ጨረታ ናይዛ ስእሊ ብቴሌፎን እዩ ነይሩ።

እታ ቅብኣ ዋላ እኳ ብ7 ሚልዮን ፓውንድ ትገዛእ፡ ዓዳጊኣ ንኣጫረትቲ ዝኸፍሎን ግብሪ መንግስትን ተሓዊስዎ ልዕሊ 8.2 ሚልዮን ፓውንድ ከፊሉ እዩ ክውንንና።

ብሓፈሻ ዊኒስትን ቸርችል ካብ ዝተሰኣሉ ቅብኣታት ኣቐድም ኣቢለን’ውን ሰለስተ ቅብኣታት ብሓደ ናብ ጨረታ ወሪደን 9.43 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጠን እየን።

ዊኒስተን ቸርችል ንቅብኣ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኮነ እዩ ጀሚርዎ።

ኣብ 1930ታት ኸኣ ብዙሓት ቅብኣታት ስኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, "ቅብኣ ምሳኻ እዩ ዝነብር" ሰኣሊት ኤልሳ ያእቆብ