ልዕሊ 6 ሚልዮን ዩሮ ዝዋግኡ ቅብኣ ኣብ ክሽነ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
እዚ "ንክርስቶስ ኣባጨውሉ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ስእሊ፡ ኣብ መወዳእታ መበል 13 ክፍለ ዘበን፡ 'ቺማቡ' ብዝብል ስም ዝፍለጥ ኢጣልያዊ ቀባኣይ ሴኒ ዳይ ፔፖ ዝተስኣለ እዩ።
እዚ ንነዊሕ እዋን ጠፊኡ ዝጸንሐ ክቡር ቅብኣ (ስእሊ) ኣብ ጥቓ ፓሪስ፡ ኣብ ክሽነ ናይ ሓንቲ በዓልቲ ጸጋ ዕድመ ሰበይቲ ክርከብ ከሎ፡ ኣብ ጥቓ እቶን ተንጠልጢሉ ነይሩ።
እዚ ኣብ ፈረንሳይ ዝተረኸበ ቅብኣ፡ ቀጻሊ ወርሒ ንጨረታ ዝቐርብ ኮይኑ፡ ክሳብ 6.5 ሚልዮን ዩሮ ከውጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።
ብዛዕባ መቦቆላውነት ናይቲ ስእሊ ዝተልዓለ ክትዕ የለን።
እቲ ቅብኣ፡ ምስ ካልኦት ቅብኣታት ቺማቡ ዘለዎ ምምስሳል ንምርኣይ ብመብራህቲ 'ኢንፍራሬድ' ተፈቲሹ እዩ።
ድሕሪ እዚ ምጽራይ፡ እቲ ቅብኣ ናይ ቺማቡ ምዃኑ ከም ዝተፈለጠ ሰብ ሞያ ተዛሪቦም።
እዚ ቅብኣ፡ ኣካል ናይቶም ኣብ 1280 ዝተሰርሑ፡ ስቅያትን ስቕለትን እየሱስ ክርስቶስ ዘርእዩ፡ ተገጣጠምቲ ቅብኣታት ናይ ቺማቡ ምዃኑ ይእመን።
እቲ ቀባኣይ፡ ብዝያዳ ብስነጥበብ ባይዛንታይን ዝተጸለወ ኮይኑ፡ ፒዮፓ ኣብ ዝበሃል ዓይነት ኦም፡ ኣብ ወርቃዊ ዝባን ባይታ ተገጣጠምቲ ቅብኣታት ይሰርሕ።
ክልተ ካልኦት ክፋላት ናይቲ ተገጣጠምቲ ስእልታት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሎንዶንን ኒውዮርክን ኣብ ምርኢት ዘለዉ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







