"ሰብ ናብ ዓለም ዝመጽእ ንሓደ ነገር'ዩ"፡ ክኢላ ቅብኢ

ስእሊ ዓይኒ

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL

ሚካኤል ዘካርያስ ይበሃል። ቅብኣ ንዘለካ ዉሽጣዊ ስምዒትን ርድኢትን እተንጸባርቐሉ፣ ንህዝቢ መልእኽቲ እተሕልፈሉን ጽባቐ እትገልጸሉን ዓውዲ ስነ-ጥበብ'ዩ።

ተምሃራይ ቀዳማይ ክፍሊ እንከለኩ ከይተረድኣኒ ስእሊ ይስእል ነይረ። ደሓር 10 ክፍሊ ምስ በጻሕኩ ግና ብርድኢት፣ ብምስትዉዓልን ብመደብን ክስእል ጀሚረ። ካብ ሽዑ እዋን ኣትሒዘ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ውድድራት ቅብኣ ተሳቲፈ'የ።

ዝበዝሕ ስእለይ 'ሪያሊዝም' ክኽውን እንከሎ ሕቡእ ዝኾነ መልእኽቲ ከሕልፍ ምስ ዝደሊ ግና ሓሓሊፈ 'ኣብስትራክት' ይጥቀም።

ተፈጥሮ ክንእድ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ከኣ ሪያሊዝም እየ ዝጥቀም። ሰብ ናብ ዓለም ዝመጽእ ንሓደ ነገር'ዩ። ስነ ጥበበኛ ኽኣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዉን ስነ ልቦናዉን ማሕበረሰብ ንምንጽብራቕ'ዩ።

ኣብ ኡጋንዳ ካብ 5 ክሳብ 13 ግንቦት 2018 "ሕቡራት ቀለማት ኣፍሪቃ" ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ቅብኣ "ቀይሕ ብራሽ" ዝብል መጸዉዒ ዝሃብኩዎም ስእልታተይ ሒዘ ቐሪበ ነይረ።

ንገለ ካብ ስእልታተይ ብቢቢሲ ትግርኛ ኣቢለ እዕድመኩም።

ካብ ቅብኣ ሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL

ካብ ቅብኣ ሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL

ካብ ቅብኣ ሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL

ቀባኣይ ሚካኤል እናስኣለ

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL

ካብ ቅብኣ ሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL

ቅብኣ ሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL

ካብ ቅብኣ ሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL