ሓካይም፡ "ዳቪንቺ ንሞናሊዛ ዘይዛዘማ ስለዝሓመመ እዩ"

ምንጪ ስእሊ, Museum of Gallerie dell’Accademia, Venice
ውሩይ ቀባኣይ ዓለምና ሊዩናርዶ ዳቪንቺ፡ ኣብ ኣጋ ሞቱ ናይ ነርቭ ሕማም ኣጋጢምዎ ከም ዝነበረ ሓካይም ዓዲ ጥልያን ሓቢሮም።
እቲ ቀባኣይ፡ ብምኽንያት እቲ ዘጋጠሞ ሕማም፡ ቅብኣ ክሰርሕ ኣጸጊምሉ ነይሩ።
ዳቪንቺ፡ ቀባኣይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ በዓል ሞያ ስነ-ህንጻ፤ ሰኣላይ ከምኡ'ውን ቀራጺ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ሓካይም ከምዝበልዎ እንተደኣኾይኑ፤ እቲ ዘጋጠሞ ናይ ነርቭ ሕማም ኢዱ ከየንቀሳቕስ ስለዝገበሮ፡ ብራሽ ከይሕዝ ኣጸጊምሉ ነይሩ። እቲ ሕማም ብምክንያት ወቕዒ ኣጋጢምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ግምት ኣሎ።
ብዙሓት ኣብ ታሪኽ ስነጥበብ መጽናዕቲ ዝገበሩ ሰባት፡ 'ዳቪንቺ ብየማናይ'ዶ ወይስ ብጸጋማይ ኢዱ ይስእል ነይሩ?' ኣብ ዝብል ክካትዑ ጸኒሖም እዮም።
እቶም ሓካይም፡ ናብዚ መደምደምታ ዝበጽሑ ንክልተ ስእልታት ዳቪንቺ ምስኣጽንዑ እዩ። እዘን ክልተ ስእልታት ኣብ ኣጋ ሞቱ ዝሰኣለን ክኾና እንከለዋ፡ እታ ሓንቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ምስሊ እያ።
ኣብታ ምስሊ፤ የማናይ ኩርናዑ ተሸፊኑ፡ ኢዱ'ውን ተሸምሪሩ ይረኣይ።
ኣብቲ ምስሊ ዘሎ ናይ ዳቪንቺ ኢድ 'ካላው ሃንድ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ነርቭ ሕማም እዩ ዘመልክት ክብል፡ ነዚ መጽናዕቲ ዝገበረ ሓኪም ዴቪዴ ላዘሪ ይዛረብ።
ዶ/ር ዴቪድ ከምዝበሎ፤ እቲ ዳቪንቺ ዘጋጠሞ ናይ ነርቭ ጸገም ምስ 'ወቕዒ ዝዛመድ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ድማ ኣካላዊ ምንቅስቃሱ ሙሉእ ንምሉእ ተገዲቡ ምንባሩ ዘርእይ መረዳእታ ኣይተረኸበን።
"ቀባኣይ ኮይኑ ዘሕለፎም ሓሙሽተ ናይ መወዳእታ ዓመታቱ፤ ንሞና ሊዛ ሓዊሱ ብዙሓት ስእልታት ከይዛዘመ ዝተረፈ ብምኽንያት እዚ ሕማም ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







