ብጸቕጢ ስድራ ከይተሓለለ ሕልሙ ዘግሃደ ካሜሩናዊ ቀባኣይ ኣጃርብ በርናርድ ኣቴግዋ

ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

ቆልዓ እንከሎ፡ ኣቦኡ "ቅብኣ ናይ ሰነፋት እዩ" ይብሎ ነበረ።

ኣጃርብ በርናርድ ኣቴግዋ፡ ኣብ ሓሳብ ጥሒሉ ኣብ ጥራዙ ስእሊ ክፈታትን ከሎ ሰባት የባጭውሉን ይቋየቕዎን ነይሮም።

ሎሚ ወዲ 30 ኮይኑ ከኣ፡ ንሱ ብግዲኡ ከምዘባጭወሎም ይዛረብ።

ካሜሩናዊ ኣቴግዋ፡ ሕዚ ዕውት ቀባኣይ ኮይኑ'ሎ። ናብዚ ደረጃ ክበጽሕ ግን፡ ብዙሕ ጸቐጢ ክጻወር ነይርዎ።

ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

Presentational white space
ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

Presentational white space

ቅብኣታት ኣቴግዋ፡ ህይወት ኣብ ሃገሩ እንታይ ከምዝመስል ዘርእዩ ኮይኖም፤ ክሳብ 26 ሽሕ ዶላር ይሽየጡ።

ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ቤተሰቡ "ሕዚ ኣዝዮም እዮም ዘኽብሩኒ... ምኽንያቱ ካብ ኩሎም ዝሓሽኩ ዕዉት ኣነ እየ" እናበለ ይቕይዕ።

ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

Presentational white space

"ኣጸቢቐ ዝሰርሖ ነገር እንተሃለወ ቅብኣ እዩ። ስለ'ዚ ቅብኣ ህይወተይ እዩ" ይብል።

"ሓደ ሓደ ግዜ ክሓርቕ ከለኹ፤ ቅብኣ እዩ ዘተሃዳድአኒ" ዝብል እዚ ቀባኣይ፡ ወግዓዊ ትምህርቲ ቅብኣ ኣይተምሃረን። ወዲ ሸውዓተ ዓመት እንከሎ ጀሚሩ ደሚቕ ሕብርታት ተጠቒሙ ከምዝስእል ድማ ይዛረብ።

ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

Presentational white space
ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

Presentational white space

ቅብኣታቱ፡ ናይ ከተማ ህይወት ዘንጸባርቑ ክኾኑ ከለዉ፤ ነቲ ምንቅስቓስ እናረኣየ ዝስእሎም እዮም ዝመስሉ። ንሱ ከምዝብሎ ግን፡ ቁሩብ ተዘክሮን ፈጠራን'ውን ይሓውሰሉ እዩ።

"ኩሎም ኣብ ርእሰይ እዮም ዘለዉ፤ መዓልታዊ ናብ ስርሐይ ክኸይድ ከለኹ ዝርእዮም ነገራት ስለዝኾኑ"

"ቅብኣ ቅድሚ ምጅማራይ፡ ፈለማ ንድፊ እየ ዝሰርሕ" ይብል። ስእልታቱ ገዘፍቲ እዮም፤ ሕንቲ ኣብ ቀረባ ዝሰርሓ ቅብኣ እኳስ 2 ሜትሮ ንውሓትን 4 ሜትሮ ስፍሓትን ኣለዋ።

ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

Presentational white space
ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

Presentational white space
ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

ሎም ቅነ፡ ኣብ ሎንዶን ዝነበረ ምርኢቱ ወዲኡ ሕዚ ድማ ኣብ ኒውዮር ክኸይድ እዩ።

"ኣይተምሃርኩን፤ ግን ከኣ ዕውት እየ። ቅብኣታተይ ኣብ መላእ ዓለም ይረኣዩ'ለዉ'' ይብል።

"ኩሉ ነገር ትምህርቲ፣ ትምህርቲ፣ ትምህርቲ ጥራይ ኣይኮነን። ምስኣል ዝፈትዉ ቆልዑ አንተድኣ ኣለዉኹም ኮይኖም፤ በጃኹም ክስእሉ ፍቐዱሎም"

"ንዝንባለኦም ክስዕቡ ፍቐዱሎም" ክብል ይምዕድ!

ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

Presentational white space
ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Ajarb Bernard Ategwa/Jack Bell Gallery

Presentational white space

ኩሎም ስእልታት፡ ካብ Jack Bell Gallery