ፖሊስ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብቲ ክልል ‘መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉሙዝ’ዩ’ ኢሉ

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ሴዳል ንእትርከብ ከተማ ዲዛን ምሉእ ንምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩ ዘሎ፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉሙዝ ምዃኑ ፖሊስ እቲ ክልል ገሊጹ።
ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ቤንሻንጉል፡ ምስጋናው እንጂፋታ ንቢቢሲ ከም ዘረጋገጾ፡ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ኣብ ዞባ ካማሺ ንእትርከብ ከተማ ወረዳ ሴዳል ተቖጻጺሩ ኣሎ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዞባ ካማሺ ዝርከብ ወረዳ ሴዳል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ምእታው ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ኮምሽነር ፖሊስ ግና፡ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ነቲ ወረዳ ዘይኮነ ንከተማ እቲ ወረዳ ንዲዛን ከምዝተቆጻጸረ ሓቢሩ።
ወረዳ ሴዳል ንዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ "ሓያል ወጥሪ" ከም ዝነበረት ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ምስጋናው ፋንታው ንቢቢሲ ክገልጽ እንከሎ፤ ኢሰመኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ካብ ሰኑይ ሚያዝያ 11/2023 ዓ.ም ጀሚሮም ንወረዳ ሴዳል "ምሉእ ንምሉእ ክበሃል ብዝኽእል ኩነታት ተቆጻጺሮም ምህላዎም" ሓቢሩ።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉሙዝ (ጉህዴን) እዩ ዝበለ እቲ ኮምሽነር፡ ብዙሓት መንእሰያት ወረዳ ሴዳል ምስቲ ዕጡቕ ሓይሊ ተሰሊፎም ምህላዎም ሓቢሩ።
እቲ ዕጡቕ ሓይሊ "ንህዝቢ ጉሙዝ ነጻ ክነውጽእ ኢና" ብዝብል ዝንቀሳቐስ ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ'ውን ኣብ ከባቢ ዞባ መተከል ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት ምፍጻሙ እቲ ኮምሽነር ኣረዲኡ።
(ጉህዴን) ብሕጋዊ መገዲ ንምንቅስቓስ ተመዝጊቡ ዝነበረ ፖለቲካዊ ውድብ ምንባሩን ኣብ ሓሙሻይ ሃገራዊ ምርጫ ተሳቲፉ ዝነበረ እኳ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምእታው'ውን ኣዘኻኺሩ።
እቲ ምክትል ኮምሽነር ወሲኹ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ካብ ሱዳን 25 ኪሎሜተር ርሕቀት ኣብ ዝርከብ መርሾ ኣብ ዝበሃል ቀበሌ፡ ንኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ ከምኡ'ውን ሰለስተ ንጹሃን ዜጋታት ቀቲሎም ምንባሮም ሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኢሰመኮ፡ ብዙሓት ነበርቲ፡ ምምሕዳር እቲ ወረዳን ፖሊስን ነቲ ከባቢ ሓዲጎም ናብ ዝተፈላለየ ስፍራ ሃዲሞም ኣለው።
ነዚ ዘረጋገጸ ኮምሽን ፖሊስ እቲ ክልል፡ ዛጊት ቁጽሪ ምውታትን ቁሱላትን ምፍላጥ ከም ዘይተኻእለ ኣፍሊጡ።
ቢቢሲ ንመራሕቲ እቲ ጉጅለ ኮነ ኣባላቱ ብዛዕባ እቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ክሲ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን።
ካብ ከተማ ሴዳል ዝተፈናቐሉ እንታይ ይብሉ?
ካብ ወረዳ ሴዳል ኣብ ምዕራብ ወለጋ ናብ እትርከብ ከተማ መንዲ ዝሃደመ ኣቶ ተክሌ ኪባ፡ ሰሉስ ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 5 ተኹሲ ከም ዝተከፈተ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ሰሉስ ንጉሆ ከባቢ ሰዓት 5 ተኹሲ ተጀሚሩ። እቲ ኲናት ክጅመር ከሎ፡ ንሕና ኣብ ገዛና ኔርና። እቲ ኲናት ንከባቢ 2-3 ሰዓት ዝኸውን ድሕሪ ምቕጻሉ መንነቱ ዘይተፈለጠ ኣካል፡ ገዛ ገዛ እናኣተወ ሰባት እናውጽአ ንገሊኦም ክቐትል ከሎ ካልኦት ከኣ ሓሪዱ" ብምባል ንዝነበረ ኩነታት ይነግር።
ኣብቲ ከተማ ሆቴል ከም ዝነበሮ ዝሕብር ኣቶ ተክሌ እቶም ዕጡቓት ናብ ሆቴሎም መጺኦም፡ ደቂሶም ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባት ከምዝወሰዱ ተዛሪቡ።
"ገዛይን ኣብ ደገ ዝነበረ መኪናይን ምስ ኣቃጸሉ ደቀይን ምሳይ ዝነበሩ ሰራሕተኛታትን ሒዘ ብድሕሪት ናብ ጫካ ሃዲመ" ብምባል ይገልጽ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ ህይወት "ብዙሓት" ሰባት ምሕላፉ ይሕብር።
እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ንመሓውር ጸጥታ መንግስቲ ብምስባር፡ ንከተማ ዲዛ ወረዳ ሴዳሌ ከም ዝተቆጻጸረ ዝሓበረ ምክትል ኮምሽነር ምስጋናው እንጂታ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል እኹል ዘይምዃኑ፡ ከምኡ'ውን ሕጽረት ቀረብ ኣጽዋር ንስዕረት እቶም ኣኽበርቲ ጸጥታ ምኽንያት ኮይኑ ምህላው ገሊጹ።
ነበርቲ ሴዳሌ፡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ከም ዝኽእሉ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖምን ንዝምልከቶ ኣካል ምፍላጦምን ተዛሪቦም።
ኣብ መንጎ እቶም ዕጡቓትን፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን "ልዑል ናይ ሓይሊ ዘይምምጥጣን ኣሎ" ዝብል እቲ ኮምሽነር ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ንጹሃን ዜጋታትን ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ።
እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ንዘውረዶ ጉድኣት ንምምካት እቲ ክልል ዘዋፈሮ ሓይሊ ጸጥታ እኹል ከም ዘይኮነ ዝነግር እቲ ሓላፊ ብእዋኑ ኣብ ዝገበርዎ ገምጋም ንሰራዊት ምክልኻል ምሕባሮም ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ካማሺ እንታይ እዩ ተኸሲቱ?
ዕጡቓት ንተኸታታሊ መዓልትታት ኣብ ዞባ ካማሺ ንእትርከብ ወረዳ ሴዳሌ ድሕሪ ዝገበርዎ መጥቃዕቲ ዳርጋ ንምልእቲ እታ ወረዳ ከምዝተቆጻጸርዋ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል፡ ኣብ ዞባ ካማሺ: ዝርከብ ወረዳ ሴዳሌ ልዕሊ 25 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብርዋ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ ኣሎ።
እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እታ ወረዳ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ፡ ምምሕዳር ናይታ ወረዳ፡ ፖሊስን ብዙሓት ነበርትን ካብታ ወረዳ ሃዲሞም ከምዝወጽኡ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር።
እቲ ነታ ወረዳ ተቆጻጺሩ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ንነበርቲ፡ ሓለፍቲ ናይታ ወረዳን ሰራሕተኛታት መንግስትን ይቐትልን ይጨውን ከምኡ'ውን ንብረት መንግስትን ህዝብን የዕኑ ከምዘሎ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቶም ዕጡቓት ብብዝሕን ብዓቕምን ልዕሊ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሰራዊት ናይ መንግስቲ ከምዝኾኑን፡ ናብቲ ከባቢ ተላኢኹ ኣሎ ዝተብሃለ ሓጋዚ ሰራዊት መንግስቲ'ውን ክሳብ ሕጂ ናብቲ ቦታ ከምዘይበጸሐ ሓቢሮሙኒ ኢሉ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ: እቲ ወረዳ ኪኖ ብዕጡቓት ምትሓዙ፡ ብዛዕባ መንነት እቶም ዕጡቓት ዝበሎ ነገር የለን።
እቲ ኮምሽን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይስዕብ መንግስቲ ቅልጡፍ ፍታሕ ከናድየሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ኣብታ ምስ ሱዳን ትዳወብ ክልል ቤንሻጉል ጉምዝ፡ መተከል፡ ካማሺን ኣሶሳን ዝብሃላ ሰለስተ ዞባታት እየን ዘለዋ።
ኣብተን ዞባታት ቅድሚ ሕጂ'ውን ብዕጡቓት ክፍጸሙ ብዝጸንሑ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ብዙሓት ሰባት ንሞትን ምፍንቓልን ተቓሊዖም'ዮም።
ብፍላይ ዞባ መተከል ብተደጋጋሚ መጥቓዕትታት ክፍጸማ ዝጸንሐ ዞባ ኮይና ነቲ ኣብታ ዞባ ዝፍጸም መጥቓዕትታት ንምቁጽጻር ካብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ካብ መንግስትን ኣካላት ጸጥታን ዝተዋጽአ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ካብ ዝቐውም ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ።
ምምሕዳር እቲ ክልል ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ናይ ውሽጢ ተሓባበርቶምን ናብ ዝበኣሰ ቅልውላውን ሸንኮለልን ከእትውና ይጽዕሩ ኣለው" ኢሉ።
ወሲኹ'ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ነዛ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ቅልውላው ንምእታው ዝጽዕሩ ዝበሎም እንተኾነ መንነቶም ዘየነጸሮም "ናይ ጥፍኣት ኣካላት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብዝሓየለ" ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ፌደራል'ውን ግቡእ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምውሳድ "ሕሉፋት ሓይልታት ዘሰጉምዎ ናይ ጥፍኣትን ዕግርግርን ኣጀንዳ ስርዓት ከትሕዝ" ሓቲቱ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ካማሺ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግና ብፍሉይ ዝበሎ ነገር የሎን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







