ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ፡ ኣብ ዞባ መተከል ስለምንታይ'ዩ ዘላቒ ሰላም ምምጻእ ተሳኢኑ?

ካርታ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ፡ ዞባ መተከል፡ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐተሉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ሕክምና ቀዳማይ ደረጃ ሆስፒታል ቡለን፡ በዚ መጥቃዕቲ ጉድኣት ካብ መንጎ ዝበጽሖም፡ ብጥይትን ብማኒግን ዝተወቕዑን ብበሊሕ ነገር ዝወግኡን ልዕሊ 30 ሰባት፡ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ሓለፊ ኮምኒከሽን እቲ ክልል፡ ኣቶ መለሰ በየነ፡ ዛጊድ ቁጽሪ መወትቲ እንተዘይነጸረ'ኳ፡ ብዙሓት ከምዘተጎድኡ እዩ ዝገልጽ።

ኣቶ መለሰ፡ ሰላም'ቲ ዞባ ኣብ ምዝራግ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን ሓላፊነቶም ብግቡእ ዘይተዋጽኡን ሸውዓተ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ክልል፡ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ተዛሪቡ ኣሎ።

ኣብታ ትማሊ ንጎሆ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ቀበሌ በኩጂ፡ ጥቓኣ እትርከብ ዶቢ ኣብ ዝተብሃለት ቀበሌ ንኣጋ ምሸቱ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ከምዝገለጹን፡ እቲ ሓላፊ ኮምኒኬሽን ብዛዕብኡ ከምዝሰምዐ፡ ይኹን'ምበር ዝተጻረየ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ይዛረብ።

ኣርባዕተ ወረዳታት እቲ ዞባ ካብ መስከረም 14 ቀን 2013 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ብኮማንድ ፖስት ክመሓደር ብዝተወሰነ መሰረት፡ ጸጥታ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ፌዴራል መንግስቲ ከምዝተረከበ ይፍለጥ።

እተን ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ኮይነን ክመሓደራ ዝተወሰና 4 ወረዳታት፡ ወረዳ ዳንጉር፣ ወምበራ፣ ቡለንን ጉባን እየን።

መስካሕኽሒ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ በኩጂ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ይጠሓስ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ኢሉ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተቐተሉ ሰባት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ቅትለት እዩ፡ ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ኣምሓሩ፡ ኦሮሞን ሺናን ዒላማ ዝገበረ ድማ'ዩ"ኢሉዎ።

እቲ ጉጅለ ብምስዓብ፡ "መንግስቲ ነዚ ኣብ ብሄር ዕላማ ዝገበረ ምቅትታል ቀልጡፉ ደው ከብሎ ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ'' ኢሉ።

ቀበሌ በኩጂ፡ ካብታ መንበሪ እታ ወረዳ ዝኾነት ከተማ ቡለን፡ 90 ኪሎመሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ ተወለድቲ ሺናሻ፣ ኦሮሞን፣ ኣምሓራን ይርክቡላ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መግለጺ፡ ''ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ፡ ኣብ ልዕሊ ወገንና ዝተፈጸመ ዘይስብኣዊ ተግባራት ኣዚና ኢና ሓዚንና፡ ነቲ ጸገም ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምፍትሑ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ክንድቲ ዘድሊ ውጽኢት ከምጽእ ኣይከኣለን'' ኢሉ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ሚኒሰተር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል፣ ኢታማጆር ሹም ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ፣ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣቶ ኣሻድሊ ሓሰንን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምዃን ብሰሉስ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘተ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።

ኣብታ ቀበሌ እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ዘተ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ዝቐደሙ መጥቃዕቲታት ኣብ ዞባ መተከል

ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝብልዎ፡ ቋቚመን 2012 ዓ/ም [ መስከረም 2020] ጀሚሩ፡ ዛጊድ ሰለስተ ዓበይቲ መጥቃዕቲታት ከምዝተፈጸሙ ይዛረቡ።

ብዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋተት ጉድኣት በጺሑ፤ ብዙሓት ህይወቶም ሓሊፉ፣ ንብረት ዓንዩ፣ ከምኡ'ወን ብዙሓት ገዘኦምን ቤት ንብረቶምን ገዲፎም ክመዛበሉ ምኽንያት ኮይኑ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ገለ ከባብታት ዘጋጥም ዝነበረ ምዝራግ ሰላም ከመዘሻቕሎ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

እቲ ኮሚሽን፡ ካብ ቋቒመን 1፡ 2012 ጀሚሩ ክሳብ መስከረም 3፡ 2013 ዓ//ም፡ ክልተ መጥቃዕትታት ከምዘጋጠሙ ካብቲ መንግስቲ እቲ ክልል ኣረጋጊጹ ነይሩ።

15 መስከረም 2013 ዓ//ም [ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ሰዓት 11 ከባቢ ፡ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር፣ ከተማ ማንቡከ ፤ በንገንዝ ኣብ ዝተብሃለ ሩባ ከባቢ፡ ብዝተኸፍተ ተኹሲ ናይ 15 ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈ እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ ነይሩ።

5 ሕዳር 2013 ድማ፡ ኣብ ወረዳ ደባጤ ካብ ወንበራ ናብ ቻድኒ እናተጓዕዘ ኣብ ልዐዕሊ ዝነበረ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ 'እቲ መጥቃዕቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከቢድ ህይወት የኽፍል ኣሎ' ብምባል ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣትሪሮም ክሰርሑ ተማሕጺኑ ነይሩ።

ሳልሳይ መጥቃዕቲ ፡ እዚ ትማሊ 13 ታሕሳስ ዘጋጠመን ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ከምዝረጋገጾ፡ ልዕሊ 100 [ክሳብ 120] ሰባት ህይወቶም ዝሰኣንሉን እዩ።

ካብዚ ወጻኢ፡ ቢቢሲ ብዝገበሮ ናይ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ምጽራይ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ 20 ግዜ መጥቃዕቲታት [ጎንጺታት] ከምዝተኸስቱ እዩ ዘርኢ። ]

ስለምንታይ እዩ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ምምጻእ ዘይተኽኣለ?

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብቲ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም፡ ኢድ ኣለዎም ዝብሎም ኣብ ቀይዲ ከምዘውዐለ ይገልጽ።

ሓላፊ ኮምኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ መለሰ በየነ፡ ዛጊድ 7 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተዛሪቡ።

ካብ መንጎኦም፡ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ ጉዳያትን፡ ሓላፊ ማሕበራዊ ዘፈር አቶ ቶማስ ኩዊ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ነበር ኣቶ ኣድጎ አምሳያ፡ ዳይሬክተር ነበር ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን አቶ ሽፈራው ጨሊቦ፡ ሓላፊ ዞባ መተከል ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ኣይተ ባንዲንግ ማራ ከምኡ'ውን ናይ ዞባ መተከል ኣመራርሓ ነበር አቶ አረጋ ባልቢድ ይርከብዎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ፡ ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል ኣብቲ ጸገም ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ስለዝተጠርጠሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ኣይተ መለሰ ንቢሲሲ ተዛሪቡ።

እዞም ውልቀሰባት፡ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ'ቲ ክልል ዕደጋን ንብረት ምውጋድን፡ ኣቶ ገመቹ ኣመንቲ፡ ከምኡ'ውን ምክትል ዳይሬክተር በዓል መዚ መንገዲ ገጸርን መጓዓዝያን ኣቶ ኣድማሱ መልካ ምዃኖም ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሕዚ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድብ ብልጽግና አቶ ይስሃቅ አብዱልቃድር፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቲ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም ኢድ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ክልል ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዝነበሩ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣይተ ይስሃቕ ኣብቲ እዋን ከምዝበሎ፡ 45 ኣባላት ኣመራርሓ፡ ካብ ዞባ መተከል ዝተፈላለዩ ወረዳታት፡ ካብ ሓላፊነቶም ተልዒሎም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ናይቲ ክልል ኣመራርሓ ፡ ነቲ ፖሊስ እቲ ክልል ብምክትል ኮሚሽነርነት ዝመርሕ ዝነበሩ ክልተ ሓለፍቲ ይርከብዎም።

ብደረጃ ዞባን ወረዳን ውን ከምኡ ዝተፈላለዩ ኣብ ሓላፍነት ዝነበሬ ውልቀ ሰባት ከምዝተባረሩ ምግላጹ ይዝክረ።

መበገሲ ዝኾኑ ዘለዉ ቅረታ

እቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፓርቲ ብልጽግና፡ ዛጊድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዞባ መተከል ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክሲ ዘይተመስረቶም ውልቀሳበት ከምዝርከቡ ይዛረብ።

እዚ ናይ ባዕሉ ቅሬታ ፈጢሩ ኣሎ-ዝብል እምነት ዘለዉ ኣይተ ይስሃቅ፡ እቲ ምድንጓይ ዝተፈጥረ፡ እቲ ጉዳይ ብመርማሪ ቡድን ፌዴራል ዝተትሓዘ ስለዝኾነ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።

ከምዚ ዓይነት ዝተደናጎየ ፍትሒ፡ ኣብ ዞባ መተከል ትራሕ ከይኮነስ ኣብ ካሚሼ ዝተብሃለ ዞባ'ውን ከምዘሎን ቅሬታ ከምዝፈጥርን እዩ ዝገልጽ።

እዚ ንምፍታሕን ፈጣን ፍትሒ ምእታን ክርከብን፡ ምስ ዝምልከቶ ምዝርራብ ይግበረሉ ከምዘሎ ድማ እቲ ሓላፊ ይዛረብ።

እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ዘለዉ መናእሰይ ካብ ካልእ ቦታ ዝመጽኡ ከምዘይኮኑ ኣይተ ይስሓቅ ይዛረብ።

ብኣብዝሓ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጃዊ ኣብ ዝተብሃለ አከባቢ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ 'መንግስቲ ክከላለኸለልና ኣይከኣለን' ብዝብል ቅሬታ ዘበገሶ ናብ ጫካ ዝኣተዉ ከምዝኾኑ እዩ ዝዛረብ።

ኣብቲ እዋን መጥቃዕቲ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩ ሰባት ብሕጊ ኣይተሓተቱን ዝብል ቅሬታ'ውን ከምዝፈጠረ ይዛረቡ።

እንተኾነ፡ ኣብቲ አከባቢ ሰላም ክህሉ ዘይደልዩ ጸረ-ሰላም ሓይልታት ዝብሎም ፡ ምስ 'ግድብ ህዳሰ ብዝተኣሳሰር' ነቶም መናእሰይ ኣሰልጢኖም ብዶባት ሱዳን ኣዕጠዒቖምን ከምዘእትውዎም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ 'መተከል ናትና'ዩ' ዝብል ጎስጓስ ከምዘሎን፡ ነዚ ስዒቡ ድማ "ናትና ዕጫ ኸ" እንታይ እዩ ክኸውን ዝብል ስግኣት ከምዝጠረሎም'ውን ይዛረብ።

እንተኾነ፡ እዚ ቅዋም ገለ ውሑዳት ዘሰጉምዎ ምበር ናይ መንግስትን ህዝብን ክልል ኣምሓራ ቅዋም ኣይኮን ይብል- ኣይተ መለሰ።

ካብቲ ከባቢ 'ኣየልማዕኹምን' ተባሂሎም መሬቶም ዝተመንጠሉ ሰብ ሃብቲ'ውን ኣብቲ ጸገም ኢድ ኣለዎም ይብል።

ከምኡ'ውን፡ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ዕጡቓት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከመዝርእዮ፡ ሓደ ብስም ዝጠቐስዎ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ተቓዋሚ ውድብ ተልእኾ ከምዝሃቦም ይዛረቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ከባቢ እኹል መሰረተ ልምዓት ዘይምስርሑ ተኣሳሲሩ፡ ንዕጡቓት ሓይልታት ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረ ገሊጹ።