ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐተሉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ገሊጸን

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል መቴከል ዞን ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ገሊጾም።
ቢቢሲ'ውን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምኡ'ውን ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምዝርራብ 120 ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ብዙሓት ሰባት ከኣ ከምዝተጎድኡ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
ናይቲ ክልል ሓላፊ ህዝቢ ርክባት ኣቶ መለሰ በየነ በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ክንደይ ሳባት ከምዝተቐተሉ ክገልጽ እኳ እንዘይከኣለ እቶም ዝተቐተሉ ብዙሓት ምኳኖም ገሊጹ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ 'ጸረ-ሰላም' ክብል ዝገለጾም ሓይልታት ድማ ተሓተትቲ ገይሩ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መግለጺ፡ ''ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ፡ ኣብ ልዕሊ ወገንና ዝተፈጸመ ዘይስብኣዊ ተግባራት ኣዚና ኢና ሓዚንና፡ ነቲ ጸገም ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምፍትሑ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ክንድቲ ዘድሊ ውጽኢት ከምጽእ ኣይከኣለን'' ኢሉ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ሚኒሰተር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል፣ ኢታማጆር ሹም ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ፣ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣቶ ኣሻድሊ ሓሰንን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምዃን ብሰሉስ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘተ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ይጥሓስ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ኢሉ።
ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተቐተሉ ሰባት ኣመልኪቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣዝዩ ዘስካሕክህ ቅትለት እዩ፡ እብቲ ክልል ዝነበረሩ ኣምሓሩ፡ ኦሮሞን ሺናን ዒላማ ዝገበረ ድማ'ዩ"ኢሉ።
ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብምስዓብ "መንግስቲ ነዚ ኣብ ብሄር ዕላማ ዝገበረ ምቅትታል ቀልጡፉ ደው ከብሎ ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ'' ኢሉ።
ነበርቲ እንታይ ይብሉ?
ቢቢሲ፡ ካብ መንጎ ዘዘራረቦም ነበርቲ ዞባ መተከል፡ ወረዳ ቡለን: ሓደ ከምዝበሎ፡ ኣጋ ወጋሕታ ሰዓት 11 [5፡00] ጀሚሩ ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 6 [12፡00] ተኹሲ ነይሩ።
ንሱ፡ "ሬሳታት ይእከብ እዩ ዘሎ። ከባቢ 100 ሬሳ ዝተረኸበ ኮይኑ ብዙሓት ናብ ጫካ ዝሃደሙ ኣለዉ። ኣነ ናብ ከተማ ቡለን ዝመጽአ ኣስታት 70 ኣስከሬናት ብዓይነይ ርእየ'ለኹ። ሕዚ'ውን ኣብ ከተማ ቡለን ቀበሌ በኩቺ ኣብ ሓደ እንዳሓዘን እየ ዘለኹ። ናይ መሓዛይ ኣቦ ስለዝተቐተሉ ኣብኡ ኣለኹ። ገዛ ይሕሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተኲሶም ቀቲሎምዎ" ኢሉ።
ካልእ ነባሪ ወረዳ ቡለን ድማ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዕጡቓት ከምዝኾኑን፡ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 96 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 28 ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ተዛሪቡ።
"ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ሰባት'ዩ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ኣብ ከተማ ቡለን እየ ዝነብር፤ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ድማ ካባና ኣስታት 47 ኪሎሜትር ይርሕቕ። ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ዝርከቦም ኣስከሬናት ብሻራ ተጠቕሊሎም ኢኻ ትርኢ። ገና ኣብ ፎቖዶ በረኻ ዝወደቑ'ውን ኣለዉ" ኢሉ።
እቲ ነባሪ፡ እቶም ዕጡቓት ናይ ለይቲ ሰዓት 9 [3፡00] ናብ ቀበሌ በኩይ ከምዝኣተው ብምግላጽ፡ "96 ኣስከሬናት ብዓይነይ ሪኤ" ክብል መስኪሩ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ብኸቢድ ኣጽዋር ዝተዓጀበ ከምዝኾነንን እቶም መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሎም ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ከምዘይኮኑን ገሊጹ።
ሰብ ሞያ ሕክምና እንታይ ይብሉ?
ስሙ ዘይንገልጾ በዓል ሞያ ሕክምና ሆስፒታል ቡለን ፤ በቲ መጥቃዕቲ ዝቑሰሉ ብዙሓት ሰባት ናብ ሆስፒታሎም ከምዝመጽኡ አረጋጊጹልና።
ክሳብ 40 ዝኾኑ ቁሱላት ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመጽኡን ካብ መንጎኦም ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ከምዝርከቡን ተዛሪቡ።
ኣብዝሓ ብጥይት፣ ብቐስትን ብኻራን ዝተወግኡ እዮም - ኢሉ። ካብ መንጎኦም ሓንቲ ጓል 4 ዓመት ቆልዓ ሕክምና እናተገበረላ እንተሎ ከምዝሞተት'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ በዓል ሞያ ከምዝብሎ፡ እቶም ነበርቲ ኣብ ክባ ብምእታው መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም እቶም ግዳያት ይገልጹ።
አብዚ እዋን ሆስፒታል ቡለን ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ቁሱላት የተኣናግድ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ በዓልሞያ ጥዕና፡ መገዲ በሰንኪ ጸጥታ ብምዕጻዉ ድማ እቲ ካብ ባህርዳር ዘምጽእዎ ዝነበሩ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ኣረዲኡ።
ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ፡ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሕ ዝዛረቡ ሰብ ሞያ ሕክምና፡ እዚ መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ሓለፍቲ መንግስቲ'ቲ ክልልከ እንታይ ይብሉ?
ኣመሓዳሪ ዞባ መተከል ኣይተ ኣትንኩት ሽቱ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ሓበሬታ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።
ሓላፊ ኮምኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ መለስ በየነ ግን እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ፡ ብዝሒ ዝተቐትሉ ሰባት ልዑል ከምዝኾነ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዞባ ብተደጋጋሚ ንዝፍጠሩ ጸገማት ጸጥታ ንምፍታሕን ነዞም 'ጸረ ሰላም ሓይልታት' ዝብሎም ንምጽራይን፡ ብሰራዊት ምክልኻል፣ ፌደራል ፖሊስን አባላት ጸረ-ደባይ እቲ ክልል ዝተዋደዱ ስጉምትታት ክውሰዱ ከምዝጸንሑ ተዛሪቡ።
"ኣብዚ እዋን ብቑጽሪ ዝገልጾ መረዳእታ የብለይን። ግን ከኣ እቲ ዝበጽሐ መጠን ጉድኣት ልዑል ምዃኑ'ዩ ካብቲ ከባቢ ተሓቢሩኒ። እቲ ተኹሲ ካብ ዝተኸፈተሉ ሰዓት ጀሚሩ ድማ አባላት ምክልኻል ሃገር፣ ናይ ክልልና ጸረ-ደባይን ሚሊሻታታን ናብኡ ብምኻድ ነቲ መጥቃዕቲ ይከላኸል እዮም ዘለዉ። ተወሳኺ ሓይሊ ተላኢኹ'ውን አብ ልዕሊ እቶም 'ጸረ-ሰላም' ሓይልታት ስጉምቲ እናተወሰደ እዩ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ናብቲ ክልል ምምጽኡ ዘዘኻኸረ እቲ ኣማሐዳሪ፡ ነቲ ኣብ ዞባ መተከል ዘጋጥም ተደጋጋሚ ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕ ዘኽእል መምርሒ ስራሕ ሂቡ ምስተመለሰ ነቲ መምርሒ ንምፍጻም ምንቅስቓስ ኣብ ዝተጀመረሉ ጽባሕ: እቲ ናይ ሎመዓልቲ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመ ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘካየዶ ዘተ ብዝተኣሳሰር ቅረታ ኣለዎም።
ቅረተኦም እንትገልጹ ድማ፡ " እቲ ዘተ ጸገም ኣብ ዘይተርአየሉ ከባቢ እዩ ተኻይዱ። እቲ ጸገም ኣብ ዲባጤ ቡልንን ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት እዩ። ካብዞም ወረዳታት ዝተወከለን እቲ ጸገም ዘረድእን ዋላ ሓደ ኣብቲ ዘተ ኣይተረኸበን" ኢሉ።
ኣብቲ ዘተ ከይርከቡ ድማ፡ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል ጽዕንቶ ከምዝተገብረሎም ዝዛረቡ ኮይኖም፡ ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ነዚ ዝተልዓለ ቅረታ ከረጋግጹ ኣይከኣሉን።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝዘለቐ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ሞት ብዙሓት ሰባት ከም ዝኾነ ክግለጽ ጸኒሑ።
እቲ ዝተፈጥረ ጸገም ንምዕጋት፡ ሰራዊት ምልኻልን ፖሊስ ፌደራልን ዝሓዘ ሓይሊ ዕማም ንኣዋርሕ ኣብቲ ከባቢ ዓስኪሩ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ወረዳ ቡለን ናብ ቻግኒ ትጉዓዝ ዝነበረት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።
ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ምስ ክልል ኣምሓራ ዝዋሰንን ተወለድቲ ዝተፈላለዩ ብሄረሰባት ዝነብሩሉን'ዩ።
ብቐንዱ ተወለድቲ ጉሙዝ፣ ሽናሻ፣ ኣምሓራ፣ ኣገው፣ ኦሮሞን በርታን ይርከቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







