ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ 20 ዕጡቓት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ዞባ መተከል፡ ወረዳ ጉባ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ንዝተጸፈመ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ 20 ዕጡቓት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ህንጸት ሰላምን ጸጥታን፡ ኣይተ አብዱላዚዝ መሃመድ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ እቶም ዕጡቓት ትማሊ እዮም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው።
ቀደሙ'ውን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ስጉምቲ ይወስደሎም ከምዝነበረ ወሲኹ ተዛሪቡ።
እቶም ውልቀሰት፡ ዝጥቀምሉ ዝነበረ 12 ዕጥቂ ድማ ከምዝተትሓዘን ኣብቲ ከባቢ ሰላም ከምዝሰፈነን እቲ ምክትል ሓላፊ ገሊጹ። ካልኦት ተጠርጠርቲ'ውን ኣብ ቀይዲ ንምእታው እናተሰርሐ ከምዝርከብን፡ ሓደ ጉጅለ መርመራ ከምዝተጣየሸን ይዛረብ።
ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት መረበቶም ገዲፎም ከምዝሃደሙ ገሊጾምልና።
ንብረቶም ዝተሰርቀን ዝተዘርፈን ነበርቲ ከምዘለዉ ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ። ኣብ ገለ ከባብታት ሕዚ'ውን ስግኣት ከምዘሎ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ አሻድሌ ሓሰን ትማሊ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ እቶም ጉጅለታት ኣብ ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን ወተሃደራዊ ልምምድ እናካየዱ ከምዝቐነዩ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብዝተወስደ ስጉምቲ፡ ልዕሊ 12 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝተቐትሉ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
እንታይ እዩ ተፈጢሩ ነይሩ?
ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ እቶም ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 14 ሰባት ተቀቲሎም'ዮም።
እቶም ዕጡቓት ሰኑይ ናይ ምሸት፡ ኣብ ላይታ ዝተባህለ ቀበሌ (ከባቢ) ብምእታው 14 ሰባት ከም ዝቐተሉ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ተዛሪቡ።
ዋና ዳይረክተር ግዛቸው ሙሉነህ ትማሊ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ግዳያት "ተወለድቲ ኣምሓራ ኮይኖም ካብ ሰከላ ዝኸዱ'ዮም" ኢሉ።
ካብ መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ግን ብዛዕባ መንነት ናይቶም ግዳያት ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣይነበረን።
መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ከምዘሎን፡ ገለ ካብቶም ዕጡቓት ምስ ሓይልታት ሰራዊት መንግስቲ ከም ዝገጠሙን እቲ ብዓልስልጣን ጠቒሱ ነይሩ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ናይቲ ከባቢ ከምዝበሎ፡ "ካብ ክልተ ቀበሌታት ዝተዋጽኡ ኣስታት 100 ዝኾኑ" ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ገሊጹ። ኣብታ ዞባ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ግጭት ክፍጠር ምጽንሑ ይግለጽ።
እቲ ከባቢ፡ ካብቲ ግድብ ሓዳሴ ኢትዮጵያ ዝሰረሓሉ ዘሎ ቦታ ኣስታት 50 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







