ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ እንታይ'ዩ ተኸሲቱ?

ምንጪ ስእሊ, ደሳለኝ ተረፈ
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ሰለስተ ወረዳታት ዝርከባ ካብ ዓሰርተ ዘይውሕዳ ጨናፍር ባንክታትተ ከም ዝተሰረቓን ንብረትን ከም ዝዓነወን፡ ከምኡ'ውን ቤት ጸሕፈት ወረዳ ብሓዊ ከም ዝተቓጸለን ተሓቢሩ።
ዞን ሆሮ ጉዱሩ ኣብ ዝብሃል ወረዳ ዝርከብ ሽውዓት ቤት ጽሕፈታት ብሓዊ ምቅጻሉ ውሃቢ ቃል እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ከባቢ ኣቶ ደሳለኝ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ወረዳ እትርከብ ሆሮ ቡሉቅ ዝተባህለት ከተማ ሰቀላ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ንቤት ጽሕፈታት እቲ ወረዳ ምቅጻሎምን ንኣዋሽ ባንክ ምስራቖምን ሓቢሩ።
"እዞም ዕጡቓት ሓይልታት፡ ንኣካያዲ ስራሕ ኣዋሽ ባንክ ንገዝኡ ከይዶም ብሓይሊ ማዕጾ እቲ ባንኪ ክኸፍተሎም ኣገዲዶሞ" ዝበለ ኣቶ ደሳለኝ፡ እቲ ባንክ እኳ እንተተኸፈተ ናይ ካዝናታት መፋትሕ ኣብ ኢድ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ቀረባ ዝጸንሖም ገንዘብ ሒዞም፡ ነቲ ኣካያዲ ስራሕ ጨውዮም ከም ዝወሰድዎ ሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ንሓለዋ እቲ ባንክ ዘገልግላ ዝነበራ ክልተ ክላሽንኮቭ'ውን ከም ዝወሰዱወን ኣቶ ደሳለኝ ይሕብር።
ናይ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ምዕራብ 'ዲስትሪክት' ምክትል ሓላፊ ዝኾነ ኣቶ ግርማ ጪብሳ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ባንክ ኣብ ንጡፍ ኣግልግሎት እንከለዉ፡ ኣብ ረፋድ ስዓት ዓሰርተ ሓደ ዕጡቓት ሓይልታት ናብቲ ባንክ ከም ዝኣተዉ ሓቢሩ።
ንሱ ብሓፈሻ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያን ኣብ ቄለም ወለጋ ኣብ ዝርከባ ዓሰርተ ሓደ ጭናፍር ባንክታት መጥቓዕቲ ከም ዝወረደ ይዛረብ።
እቲ ሓላፊ፡ ሓሙሽተ ጨናፍር ክስረቓ እንከልዋ፡ ኣብ'ተን ዝተረፋ ሓሙሽተ ጨናፍር ከኣ ኣብ ውሽጠን ዝርከብ መውሃቢ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ምዃኑ ይሕብር። ካብቲ ዝዓነወ ንብረታት ኤቲኤምን( ማሽን መኽፈሊ ሰልዲ ) ኮምፒተራትን ከም ዝርከብ ከኣ ሓቢሩ።
ካብተን ሰልዲ ዝተሰረቀን ጨናፍር ባንክታት፡ ኣብተን ክልተ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ባንክ ክጭወዩ እንከለዉ፡ ካብቶም ዝተጨወዩ እቶም ክልተ ነጻ ከም ዝተለቐቑ ኣቶ ግርማ ጪብሳ ተዛሪቡ፡ "ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ እቶም ዕጡቓት ዝርከቡ ክልተ ግን ክሳብ ሕጂ ኣንፈቶም ኣይፈለጥናን ዘለና" ኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ ክሳብ ሕጂ ስግኣት ኣንጸላልዩ ብምህላዉ ብኣካል ኬድና ከነጻሪ ኣይከኣልናን፡ ዝበለ ኣቶ ግርማ ጪብሳ፡ ክሳብ ሕጂ ብዝሒ ዝተሰረቀ ገንዘብን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እቲ ባንኪ ዝወረደ በደልን ምሉእ ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ይሕብር።
"ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ሓይልታት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና፡ እንተኾነ ነዚ ተግባር ዝፈጸመ ኣካል እከለ'ዩ ናብ ከብል ዝኽእል መደምደምታ ክንበጽሕ ኣይንኽእልን ኢና" ይብል ኣቶ ግርማ ጪብሳ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ምዕራብ ወለጋን ቄሌም ወለጋን ብዙሓት ጨናፍራት ባንክ ናይ ኦሮምያ ሕብረት ከም ዘለዋ ዝሓበረ ናይቲ ባንኪ ሓላፊ መጽናዕቲ ዕዳጋታትን ዳይረክተር ርክባትን ኣቶ በለጠ ዋቅቤካ፡ ኣብ ልዕሊ እዘን ባንክታት መጥቃዕቲ ከም ዝወረደ ብምሕባር፡ እኹል ሓበሬታ ቁጽሪ ዝተሰረቓ ጨናፍራት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞን ምዕራብ ወለጋ ዝኾነ ኣቶ ገመቺስ ተመስገን፡ ኣብቲ ዞን ኣብ ዝርከባ ሽዱሽተ ናይ ውልቅን ናይ መንግስትን ባንክታት ኣብ ተመሳሳሊ ስዓት ስርቂ ከም ዝተፈጸመ ይዛረብ።
ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ 'ኦሮሚያ ኅብረት ሥራ ባንክ' 'ሕብረት ባንክ' ከምኡ'ውን ኣዋሽ ባንክ ከም ዝተሰረቓ ኣቶ ገመቺስ ተመስገን ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ስርቂ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዘይበሉ ከባቢታት ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ።
ምስዚ ስርቂ ናይ ባንክ ብዝተሓሓዝ ሰራሕተኛታት ናይ ባንክ'ውን ከም ዝተጨወዩ ዝሕብር ኣቶ ገመቺስ ተመስገን፡ ካብቶም ተጨውዮም ዝነበሩ ነጻ ዝወጹ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ እቶም ተጨውዮም ዘለዉ ኣበይ ከም ዝኣተዉ ኣብ ምድላይ ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።
ነዚ ስርቅን መጭወይትን ዝፈጸመ ሰራዊት ኦነግ'ዩ ዝብል ኣቶ ገመቺስ ተመስገን " ካብ ኦነግ ወጻኢ፡ ኣብዚ ከባቢ ብረት ዝዓጠቐ ሓይሊ የለን" ይብል።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምክትል ኢታ ማጆር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዘሎ ስእነት ሰላም ሰራዊት ኦነግ ተሓታቲ ምኳኑ ሓቢሩ ነይሩ፥
ምክትል ኢታ ማጆር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ልዕሊ ብዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ሰራዊት ኦነግ መጥቓዕቲ ይውሰድ ምህላዉ ሓቢሩ ነይሩ።
ቅድሚ እዚ ናይ ኦሮሞ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ( ኦዲፒ ) ሓላፊ ማእከላይ ኮሚቴን ሓላፊ ውዳበ ዝኮነ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ፡ ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ናይ ኦነግ ሰራዊት ኣብ ኦሮምያ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ይሰርቕ፡ ሰራዊት ይዕልም፡ ስራሕ መንግስቲ ይዓናቕፍ ከም'ውን ንሓለፍቲ እቲ ኸባቢ ይቐትል ምህላዉ ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።
ኦነግከ እንታይ ይብል?
ኣቶ ሚካኤል ቦረና ናይ ኦነግ ሸኔ ኣባል ኮሚቴ ኣካያዲ ስራሕ እዩ፡ ኣቶ ሚካኤል ቦረና፡ ሰራዊት ኦነግ ንህዝቢ ኦሮሞ ነጻ ንምውጻእ ንብዙሕ ዓመታት ክቃለስ ከም ዝጸንሐ ብምሕባር፡ ኦነግ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ከምዚ ዓይነት ተግባር ከም ዘይፍጽም ተዛሪቡ።
ኣቶ ሚካኤል፡ እዚ ኮነ ኢለካ ስም ኦነግ ንምጽላም ዝተገበረ እዩ ብምባል "መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ሓያለ ቦታታት ሰራዊቱ የዐስኪሩ ስለ ዘሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ተኻይዱ ዝብሃል ዘሎ እኹል ሓበሬታ ከንረክብ ኣይክኣልናን" ኢሉ።
ቅድሚ ቅሩብ ሰሙናት፡ ናይ ኦነግ ኣብ ምዕራባዊ እዚ ኣዛዚ ሰራዊት ኩምሳ ዲሪባ (መሮ)፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብዛዕባ ኦነግ ዘንበሮ ክሲ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት እዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ።
". . . ናይ ቶክሲ ደው ምባል ስምምዕ ድሕሪ ምግባርና፡ ኦነግ ብናቱ ተበግሶ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቶክሲ ከፊቱ ኣይፈልጥን'ዩ፡ ግብረ መልሲ ግን ንወስድ ኢና፡ እዚ ከሉ ክስታት ግን ሓሶት'ዩ። መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ክሲ ዝምስርት ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ሰራዊት ኦነግ መጥቓዕቲ ናይ ምፍናው መደብ ስለ ዘለዎ'ዩ እምበር ኦነግ ዘሰናኸሎ ስራሕ መንግስቲ ይኹን፡ ዝዘመቶ ብረት መንግስቲ የለን" ኢሉ።
ደብዳብ ነፈርቲ
ሰንበት ንግሆ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ናይ ኣየር ደብዳብ ኣኻይዱ ዝብል ዜና ብብዝሒ ተሰሚዑ ነይሩ።
ኣመሓዳሪ ምዕራብ ወለጋ ዞን ኣቶ ገመቺስ ተመስገን፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ኣብ ዝሓተትናሉ "እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሓበሬታ ክሳብ ህጂ ኣይመጻንን፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እንቀሳቐስ'ዩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ ሰራዊት ኦነግ ናይ ቶክሲ ምልውዋጥ የካየድ'ዩ፡ ሰንብት ናይ ኣየርም ደብዳብ መጥቓዕቲ ንዝምልክት ግን ተኻይዱ ወይ ኣይተኻየደን ክብል ኣይክእልን'የ" ኢሉ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ እቲ ናይ ኣየር ደብዳብ ኣብ ዶብ ቤጊን ኢዳማን ዝብሃላ ወረዳታት ከም ዝተኻየደ እዩ ተሓቢሩ፡ ነበርቲ እዚ ከባቢ ግን ናይ ኣየር ደብዳብ ተኻይዱ ክብሃል ሰሚዕና እምበር ብዓይንና ዝረኣናዮ ነገር የለን እዮም ዝብሉ። እንተኾነ ናይ ሰራዊት ሄሊኮፕተራት ብብዝሒ በቲ ከባቢ ስለ ዝነቀሳቐሳ ስግኣት ከም ዘለዎም ግን ካብ ምሕባር ኣይተቆጠቡን።
ናይ ኦነግ ሸኔ ኣባል ፈጻሚት ኮሚቴ ዝኾነ ኣቶ ሚካኤል ቦረና ግን መንግስቲ ኣብ ወረዳታት ቤጊን ጊዳሚን ደብዳበ ኣየር የካይድ ምጅላዉን ሰብ ይጉዳእ ምህላዉን'ዩ ዝሕብር።
ኣቶ ሚካኤል ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ኦነግ ቦታ ከይሓደገ ኣብ ምክልኻል ኣትኪሉ ይምክት ምህላዉ ይሕብር።
ካብ ፈዴራል መንግስትን ምክልኻልን መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ክሰምረልናን ኣይክኣለን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







