ካልኣይቲ ዝሃብተመት ጓል ኣንስተይቲ ዓለም 1.7 ቢልዮን ዶላር ወፍያ

ወናኒ ኣማዞን ምስ በዓልቲቤቱ ነበር ማኬንዚ ስኮት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ወናኒ ኣማዞን ምስ በዓልቲቤቱ ነበር ማኬንዚ ስኮት

ንወናኒ ኣማዞን በዓልቲቤቱ ዝነበረት ማኬንዚ ስኮት ዛጊት 1.7 ቢልዮን ዶላር ንግብረ ሰናይ ከም ዝወፈየት ተዛሪባ።

ንሳ ንታሪኻውያን ኮሌጃት ጸለምቲ ኣሜሪካ፡ ንጉጅለታት ክሊማዊ ለውጥን ትካላት ጥዕናን ጥዕናን ከም ዝሓገዘት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ ገሊጻ።

ብመሰረት ጸብጻብ መጽሄት ፎርብስ፡ ልዕሊ 62 ቢልዮን ሃብቲ ከም ዘለዋ እትግለጽ ስኮት፡ ካልኣይቲ ዝሃብተመት ጓልኣንስተይቲ ዓለም እያ።

ስኮት ምስ ወናኒ ኩባንያ ኣማዞን ጀፍ ቤዞስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እያ ተፋቲሓ።

ንሳ ምስ ቤዞስ ድሕሪ ምፍልላያ ነዊሕ ከይጸንሐት እያ ነቲ ብቢልዮነር ዋረን ባፈትን ሓላፊ ማይክሮሶፍት ነበር ቢል ጌትስን በዓልቲ ቤቱ መሊንዳን ዝካየድ ጎስጓስ ተጸምቢራ። ሃብታማት ዝበዝሐ ሃብቶም ንግብረሰናይ ክውፍዩ ዝጉስጉስ እዩ።

ጸሓፊት ልቢ ወለድ ስኮት ምስ ቤዞስ ዝተመርዓወት፡ ንኣማዞን ቅድሚ ምምስራቱ ቅድሚ ሓደ ዓመት እዩ ነይሩ።

ሽዑ ኣብ ኣማዞን ካብ ዝተቖጽሩ ቀዳሞት ሰራሕተኛታት እያ ነይሩ። ምስ ቤዞስ ክትፈላለ ከላ ድማ፡ 4% ሃብቲ ኣማዞን ተዋሂባ።

ስኮት ነዚ ዓመት ብዓቢይ ሓዘን ከም ዘሕለፈቶ ክትገልጽ ከላ፡ ንሱ ድማ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምዃኑ ትዛረብ።

እቲ ሕማም፡ ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታምን ከምኡውን ጸሊምን ጻዕዳን ዘሎ ፍልልይ ዘቃልዐ እዩ ነይሩ ዝበለት ስኮት፡ ንዓሌታዊ ኣፈላላይ ንምጽባብ ንዝሰርሑ ትካላት ጥራይ 586 ሚልዮን ዶላር ከም ዝወፈየት ገሊጻ።

ኣብ ታሪኽ ናይ ጸለምቲ ኮሌጅ ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ተስክጊ ዩኒቨርስቲ 20 ሚልዮን ዶላር ከም ዝወፈየትን፡ እዚ ኣብ ታሪኽ እቲ ኮሌጅ ዝዓበየ ልግሲ ምዃኑ ፕረዚደንት እቲ ኮሌጅ ሊሊ ማክኔይር ንቢቢሲ ሓቢራ።

ኣብ ኦሃዮ ስቴት ዩኒቨርስቲ ኣብ ጉዳያት ግብረሰናይ መጽናዕትታት ዝገብር ፕሮፌሰር ብራይን ሚተንዶርፍ፡ ሓገዝ ስኮት ካብ ካልኦት ሰብ ሃብቲ ፍልይ ዝበለ እዩ ይብል።

"ገሊኡ ልግስታት ንረኣዩለይ ዝግበር እዩ። እቲ ካልእ ከኣ ለውጢ ንምምጻእ እዩ። ናይ ስኮት ምስቲ ካልኣይ እዩ ዝምደብ" ኢሉ።

ናይ ስኮት ሓገዝ ብፍላይ ኣብዚ ትካላት ዓቢይ ናይ ፋይናንስ ቅልውላው ኣጋጢምወን ዘሎ እዋን ብምዃኑ፡ ዓቢይ ትርጉም ኣለዎ ይብል ፕሮፌሰር ብራየን።