ኣብ ዓለም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዕዳግኦም ዝውስኽ ዘሎ 6 ነገራት

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝለዓለ መጠን ዝርግሓ የረእይ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ንግዲ ምዝሕሓል ተራእዩ'ዩ። እንተኾነ ኣብ ገለ ሸቐጣት ጠለብ ከምዝወሰኸ ይግለጸ።
"ኣብ እዋን ክሪስማስ [በዓል ልደት] ስራሕ ይበዝሓና'ዩ" ዝብል ብኦንላይን ቡን ዝሸይጥ ነጋዳይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን "ብዕጽፊ ንሸይጥ ኣለና" ክብል ይዛረብ።
ዝተፈላለዩ መጻወቲታት [ኣውትዶር ጌምስ] ዘቕርብ ካልእ ነጋዳይ ብወገኑ ሓደሽቲ ዝተዳለዉ ብዙሓት መጻወቲ ቴኒስ ሰደቓታት [ቴብል ቴንስ] ሸይጥና" ክብል ዕዳግኡ ከምዝወሰኸ የረድእ።
ሰባት ኣብ ገዝኦም ክውሸቡ ወይ ክጸንሑ ኣብ ዝተገደዱሉ ኩነታት ኣእምሮኦምን ኣካሎምን ንጡፍ ኮይኑ ክጸንሕ ዝሕግዙ መገዲታት የናድዩ።
በዚ ምኽንያት ዕዳግኦም ዝወሰኸ ነገራት እንታይ እዮም?
1. ብሽክሌታታትን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምስራሕ ዝሕግዙ ናውቲ
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ይኹን ከም መጓዓዝያ ንምጥቃም ዕዳጋ ብሽክሌታታት ብዝለዓለ ናህሪ ይውስኽ ኣሎ።
"ኣብ እንግሊዝ ዘሎ መሸጣ ክሳብ 15 ሚኢታዊት ዝደየበ ይመስለኒ" ይብል ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ብሽክሌታ ብሮምፕተን - ዊል በልትር ኣዳምስ።
ኣብ ለንደን ዝርከብ መስርሕን መጸገንን ብሽክሌታታት ካብ ካልእ እእዋን ብዝተፈለየ ኩነታት ጻዕቒ ስራሕ ይረኣዮ።
ዓማዊል ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዝያ ብዘይምጥቃም ዝኣረጋ ብሽክሌታታት የጸግኑ ኣለዉ።
ቶቢ ክላርክ ትካል መጽናዕቲ ዕዳጋ "ሰባት ናብ ጂምናዝየምን ካልኦት ማእከላት ኣካላዊ ምንስቓስን ክኸዱ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ገዛ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘገልግሉ ናውቲ ብዝለዓለ መጠን ይሽየጡ ከምዘለዉ" ከምዝተዓዘበ ይዛረብ።
2. ኣብ ገዛን ደገን ንመጻወቲ ዝውዕሉ ኣቑሑ [ኢንዶር ኣውትዶር ጌምስ]
ነዞም መጻወቲ ካብ ዘቕርቡ ሓደ ዝኾነ ኣንዲ ብረስፎርድ ኣብ መኽዝን ዝጸንሑ ኩሎም መጻወትታት ከምዝተሸጡን ካልኦት ገና ኣብዚ ሰሙን ዝቐርቡሉ'ውን ብኣጋ ዓደግቲ ከምዝወሰድዎምን ገሊጹ።
"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 124 ሰደቓታት ሸይጠ" ዝብል ኣንዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ሰሙን ግን 15 ጥራይ ሸይጡ ምንባሩ የዘኻኽር።
እቶም ናይ ደገ መጻወቲ መንስግቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዕጸዉ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን'ዮም ዝለዓለ ዕዳጋ ረኺቦም።
ኣንዲ ካብ ዝነበርዎ 500 መጻወቲ ፑል ሰደቓታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍርቂ ጥራይ ተሪፍዎ'ሎ።

3. ናይ ገዛን ጀርዲንን ናውቲ
ንተኽልታት ዝኸውን ኣዝርእቲ ዝሸይጥ ፊል ጆነስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሰባት ዝቕበሎ ትእዛዝ ምቕራብ ኣዝርእትን ተኽልታትን ከምዘቋረጸ ይዛረብ።
ብፍላይ ካሮት፣ ሰላጣ፣ ጥረምረን ኮሚደረን ብዙሕ ጠለብ ቀሪቡሉ'ዩ።
ማርሻልስን ሱቶንስን ዝበሃሉ ክልተ ዓበይቲ ኩባንያታት ፍረ (ዘርኢ) ብስልኪ ንዝቐርበሎም ጠለብ ምቕባል ኣቋሪጾም ይርከቡ።
ገለ ሸማቶ ሕጸረት ኣሕምልትን ፍረምረን ከየጋጥም ኣብ ስግኣት ብምእታዎም ኣብ ገዝኦም ከፍርዩ ድልየት እንተሓደሮም'ኳ ፊል ከምዝብሎ ግን መብዛሕቲኦም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ኣብ ዝብሉሉ እዋን ክንቀሳቐሱ ስለዝደልዩ እዮም።
ፍራንቺ ሲድስ ዝበሃል ካልእ ኣቕራቢ ትካል'ውን ዌብሳይቱ ንግዚኡ ከምዝዓጸወ ብምግላጽ፡ ልዕሊ ዓቐን ጠለባት ከምዝቐርበሉ ኣመልኪቱ።
እቲ ካልእ ዝለዓለ ጠለብ ረኺቡ ዘሎ መስፈዪ ክሳብ ማሽን (መኪና) ከምኡ'ውን ስራሕቲ ኩርሽ (ብክሪ ዝስራሕ ክዳውንትን ካልእን) እዩ።
ኣብ ለንደን መሸጣ ሰፋይት ክዳን መኪና ብ380 ሚኢታዊት ደይቡ'ሎ።

4. ዝንበቡ መጻሕፍትን ካልኦትን
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ሰባት ከም ምርጭኦም ዝወስድዎ ዘለዉ ጽቡቕ መጻሕፍቲ ምርካብ እዩ።
ብፍላይ ምስ ለበዳ ሕማማት ብዝተሓሓዝ ዝተደረሱ ልብ-ወለድ መጻሕፍቲ ብዝለዓለ መጠን ጠለብ ዕዳጋ ረኺቦም ኣለዉ።
አብ ኣማዞን ዩኬ ኣብ ሓደ ሰሙን ብኻልኣይ ደረጃ ዝለዓለ መጠን ዝተሸጠ መጽሓፍ፡ "ዘ-ኣይስ ኦፍ ዳርክነስ" ዝብል ርእዚ ዘለዎ መጽሓፍ ኮይኑ'ሎ።
እቲ መጽሓፍ ብ1981 ዝተጽሓፈ ኮይኑ ብዛዕባ 'ዉሃን-400' ዝተበሃለ ቫይረስ ይዛረብ።
እቲ ካልእ ብበዝሒ ዝተሸጠ ብፈረንሳዊ ደራሲ ዝተጽሓፈን "ዘ ፕለይንግ" ዝብል ርእሲ ዘለዎ መጽሓፍ እዩ።
እንግሊዛዊ ኣሕታሚ ፔንጒን ኣብ መዋዳእታ ሰሙን ወርሒ ለካቲት ጥራይ መሸጥኡ ብ150 ከምዝወሰኸን መሊሱ የሕትም ከምዘሎን ሓቢሩ።
ብፍላይ ኣብ ፈረንሳይን ጣልያንን ዘሎ መሸጥኡ ብዝለዓለ መጠን ከምዝወሰኸ ገሊጹ።
5. ኤለክትሪካል ናውቲ
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰባት ፍሪጃትን ካልኦት መዝሓሊ ማሽናትን ብዝለዓለ መጠን ክዕድጉ ዝረኣዩሉ ኩነታት ተፈጢሩ'ሎ።
ብፍላይ ኣብ ኦንላይን [ብኢንተርኔት] ዝግበር ዕዳጋ ብዙሓት ነዞም ኤለክሪካል ኣቑሑት ክደልዩ ይውዕሉ ኣለዉ።
ላፕቶፕ ኮምፒተራትን ናይ ኦፊስ ኣቑሑትን እውን ብዝለዓለ መጠን ይሽየጡ ኣለዉ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ሰባት ኣብ ሶፋ ኮፍ ኢልካ ምስራሕ ዝምችው ኮይኑ ስለዘይረኸብዎ እዩ።
ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ዘቕርብ ኩባንያ ዲክሰንስ ካርፎን ከም ላፕቶፕን ፕሪንተርን ኣብ ዝበሉ ኣቑሑት ዕዳግኡ ከምዝዓመረ ይገልጽ። ብተወሳኺ ድማ ቴለቪዥናት፣ ፍሪጃት፣ ናውቲ ክሽነን ካልኦትን ዕዳግኡ ክሳብ 23 ሚኢታዊት ከምዝደየበ ሓቢሩ'ሎ።

6. ቡን
ራቭ ኮፊ ዝተበሃለ ትካል መሸጣ ቡን ብምኽንያት ልዑል ዕዳጋ ቁጽሪ ሰራሕተኛታቱ ክብ ከብል ምውሳኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
"ሰባት ናብ ዝሰርሑሉ ቦታ ዝቐርብ ቡን ይሓቱና ነይሮም ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ናብ ገዝኦም እዮም ዝሓቱና" ትብል ነቲ ስራሕ እተካይድ ቪኪ ሆጅ።
"ካብ ናይ ስራሕ ቦታ ኮይኖም ሓደ ቡን ዝእዝዙ ዝነበረ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ካብ ገዛ ክሳብ 10 ቡን ሕቶ ይቐርበልና" ክትብል ነቲ ኩነታት ተረድእ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







